ኤድ ሺራን፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብ እዋን ጥንሳ ሕበጥ ከምዘማዕበለት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤድ ሺራን፡ ሓዳስ ኣልበሙ ኣብ ዘግሃደሉ እዋን በዓልቲ ቤቱ ኣብ እዋን ጥንሲ ሕበጥ ከምዘማዕበለት ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ በዓልቲ ቤቱ ሕበጥ ከምዘለዋ ምስተረጋገጸን ዓርኩ ጀማል ኤድዋርድስ ኣብ መበል 31 ዓመት ዕድመኡ ብዘይተሓሰበ መገዲ ምስ ሞተን፡ ናብ ጭንቀት "ከምዝተሰጋገረ" ሓቢሩ።
እታ ኣብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣፍቃሪቱ ዝነበረትን ኣብ 2019 ዝተመርዓዋ በዓልቲ ቤቱ ቸሪ ሲቦርን፡ ካልኣይ ውላዶም ኣብ ዝጠነሰትሉ እዋን ሕበጥ ከም ዝነበራ ተነጊርዋ።
ዋህዮታት ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ክዓብዩን ክመቓቐሉን ከለዉ ዝፍጠር ዘይንቡር ጭፍራ ቲሹ (ኣካሊት) ኰይኑ ዘይጐድእ ሕበጥ (መንሽሮ ዘይኰነ) ወይ ዝጐድእ (መንሽሮ) ክኸውን ይኽእል።
ኤድ ሺራን፡ "ክሳብ ድሕሪ ሕርሲ ናብ ሕክምና ክወስዳ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ኮኾብ ብሰንኪ ክሲ መሰል ቅዳሕ መዓልታዊ ኣብ ቤት ፍርዲ የሕልፍ ነይሩ።
እቶም ፍጻመታት ዘስዓብዎ ኣዕናዊ ጽልዋ፡ "ንህይወተይ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናይ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንሙዚቃ ዘለኒ ኣረኣእያ ቀይርዎ" ክብል እቲ ኮኾብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ብኢዱ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ገሊጹ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንመጻኢ ሻድሻይ ኣልበሙ ዝጸሓፎም፡ "ኣማኢት" ደርፍታት ሰሪዙ።
ሺራንን ሲቦርንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ካልኣይቲ ጓሎም ተቐቢሎም’ዮም።
እቲ ደራፋይ ብዛዕባ ጥዕና በዓልቲ ቤቱ ሓድሽ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሺራን፡ "ኣብ ድሕረ ባይታ ሓዘንን ተስፋን" ብኣሮን ደስነር ዝተዳለወ ሳብትራክት (Subtract) ትብል ኣኳስቲክ ኣልበሙ ከፋልጥ’ዩ ንደገፍቱ ጽሒፉ።
እታ ኣልበም፡ መደምደምታ ናይቲ ኣብ 2011 ዝተጀመረ "ዘመነ ሕሳብ" ክትከውን ንነዊሕ እዋን ተወጢና ዝነበረት እያ፤ ኣብቲ እዋን ብ + (Plus) ትብል ኣልበም ጀሚሩ። ድሓር x (Multiply)፡ ÷ (Divide)ን = (Equals) ቀጺሉ።
እቲ ኮኾብ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት፡ "ብፍርሒ፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን እናተመላለሰ" ስለዝነበረ፡ ምሉእ እቲ ፕሮጀክት ናይታ መወዳእታ ኣልበሙ ንሓደ ሰሙን ብዝጸንሐ ዋሕዚ ስምዒታት ዳግማይ ከምዝተጸሓፈት ሓቢሩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ዓርኩ ጀማል ኤድዋርድስ ኮኬይን ድሕሪ ምውሳዱን ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታዩን ብወቕዒ ልቢ ሃንደበት ምስ ሞተ'ዩ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሺራን ‘ሼፕ ኦፍ ዩ’ እትብል ደርፉ ሰሪቕዋ’ዩ ብዝብል ክሲ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ ፍርዲ መሰል ቅዳሕ ኣጋጢምዎ።
ኣብ መወዳእታ ዋላ'ኳ እንተተዓወተ፡ እቲ ደራፋይን መሳርሕቱ ጸሓፊ ጆኒ ማክደይድን፡ እቲ ጉዳይ "ሓያሎ ጸቕጢ" ከምዘሕደረሎም ገሊጾም።
ሺራን ነቶም ብድሆታት ንምሕላፍ፡ ንስምዒታቱ "ትርጕም ንምሃብ" ደርፍታት ይጽሕፍ ነይሩ።
"ዝጥሕል ዘለኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ርእሰይ ኣብ ትሕቲ ማይ፡ ንላዕሊ እናጠመትኩ ግን ከኣ ኣየር ንምርካብ ክወጽእ ዘይከኣልኩ" ክብል ተዘኪሩ።

ምንጪ ስእሊ, ANNIE LEIBOVITZ
"እተን ደርፍታት እንታይ ከም ዝዀና ከይሓሰብኩ እየ ጽሒፈ፡ ዝዀነ ዝመጸለይ ጥራይ እየ ጽሒፈ። ኣብ ኣስታት ሓደ ሰሙን ድማ፡ ነቲ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ስራሕ በቲ ዝዓሞቐን ዝጸልመተን ሓሳባተይ ተኪአዮ።"
"ንመጀመርታ ግዜ ሰባት ዝፈትውዎ ኣልበም ክሰርሕ ኣይፈተንኩን፡ ኣብ ህይወተይ ቅኑዕን ሓቂን ዝዀነ ነገር ጥራይ እየ ዘውጽእ ዘለኹ።"
እታ ኣልበም፡ ድሕሪ እታ F64 እትብል ናይ ሓደ ግዜ ንጽል ደርፊ ስዒባ ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ክትዝርጋሕ እያ።
F64 ንሞት ጀማል ኤድዋርድ ግብረ-መልሲ ዝሃበላ ደርፊ ኰይና ኣብቲ ዝርዝር ደርፊታት እታ ሓዳስ ኣልበም ኣይክትቀርብን እያ።
እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተገሃደ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ደርፍታት 'ትራክሊስት'፡ እዘን ዝስዕባ ደርፍታት ዘጠቓልል እዩ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ተጋሂዱ።
- Boat
- Salt Water
- Eyes Closed
- Life Goes On
- Dusty
- End Of Youth
- Colorblind
- Curtains
- Borderline
- Spark
- Vega
- Sycamore
- No Strings
- The Hills of Aberfeldy
ዘይከምተን ዝሓለፋ ኣልበማቱ፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት Subtract ኣብቲ ምልክት ሕሳብ ዘተኮረ ኣይኮነን፤ ኣብ ክንድኡስ ንሓደ ዝተሸርሸረ ልቢ ዝገልጽ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
