ኣሌክስ ዳንዚግ፡ ብሓማስ ዝተጨውየ ፍቱው ጸሓፍ ታሪኽ

ደንዚግ ምስጓልወዱ

ምንጪ ስእሊ, MATI DANZIG

መግለጺ ስእሊ, ደንዚግ ምስ ጓል ወዱ
Published

እቲ ኣብ እስራኤል፡ ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሓማስ፡ እተፈጸመ ልዕሊ 1,400 እስራኤላውያን ዝቐተለን፡ መጭወይቲ ልዕሊ 100 ሰባትን ዘኸተለ ፍጻመ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኣውሮጳን ዝነብሩ ኣይሁድ ምትእስሳርን ተዘክሮታት ህልቂት ሆሎኮስት ቀስቂሱ ኣሎ።

መጨወይቲ ናይቲ ፍሉጥ ሰብ ከኣ ፍሉይ ጭንቀትን ሓዘንን ኣስዒቡ’ሎ።

እቲ ወዲ 75 ዓመት ጸሓፍን ተመራማሪ ታሪኽ ሆሎኮስት፡ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ያድ ቫሸም ምስ ዝተባህለ ንዝኽሪ ጃምላዊ ቅትለት ዝቘመ ማእከል ኰይኑ ንኣይሁዳውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ነገራት ክምህርን ከረድእን እዩ አሕሊፉዎ።

ኣሌክስ፡ በኒር ኦዝ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ጥቓ ቓዛ ኣብ እትርከብ ኪቡዝ እዩ ዝቕመጥ ነይሩ። ካብቲ መጥቃዕቲ ሓማስ ዘጋጠመሉ 7 ጥቅምቲ ንደሓር ግን ምስ ስድራ ቤቱ ኣይነበረን፤ ደሃዩ እውን ኣይተሰምዐን።

ኣሌክስ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብቲ ሃገረ እስራኤል ብወግዒ እተመስረትሉ 1948 እዩ ኣብ ፖላንድ ተወሊዱ። ካብ ጃምላዊ ቅትለት ሆሎኮስት ዝደሓነት ኢዲት ዝስማ ዓባይ ሓብቲ ኣላቶ።

ኢዲት፡ ጀርመን ንኣውሮጳ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፡ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ዝርከብ ግዝኣት፡ ብ1941 ተወሊዳ። ወለዳ ከኣ ካብቲ ብሰንኪ ዓሌቶም ዘጋጥሞም ዝነበረ ሃድን ከድሕኑዋ፡ ማሪያናን ሓሊናን ኣሳኖቪች ንእተባህላ ፖላንዳውያን ኣደን ጓልን ሂቦሙዋ። ብኡ ከኣ ካብ ሃድን ጀርመን መዕቈቢ ረኺባ።

ወለዲ ኢዲት፡ ዋላ’ኳ ካብ ስራሕ ምስጓግ እንተጋጠሞም፡ ንጓሎም ኣብ ገበርቲ ሰናይ ስድራ ስለዘዕቆቡዋ ግን ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ፈጢሩሎም። ዳሕራይ እቲ ኵነታት ምስ ሓለፈ ነቶም ጓሎም ዘዕቆቡሎም ስድራ ኣሳኖቪችዝስ ዓቢ ውዕለት ከምዝገበሩሎም መስኪሮም። እቶም ስድራ ብ1982 ኣብ ብያድ ቫሼም ጻድቃናት ዝብል ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።

እስራኤል ነቶም ኣብ እዋን ጃምላዊ ቅትለት ንኣይሁድ ዘድሓኑ ሰባት ልዑል ኣፍልጦን ኣኽብሮን እያ ትህብ።

ስለዚ፡ ኣሌክስ ዳንዚግ ነዞም ሰባት እዚኦም ክብል እዩ ዝነብር ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን ።

ዳንዚግ እናመሃረ

ምንጪ ስእሊ, MATI DANZIG

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳሞት ዓመታት ናይ ኣሌክስ ብዙሕ ዘሐጕስ ኣይነበረን። ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ዓመት ኣብ ፖላንድ እዩ ኣሕሊፉዎ። ዳሕራይ ብ1957፡ ወለዱ ናብ እስራኤል ምስ ኣተው፡ ወተሃደር ኰይኑ ኣብ ሓያሎ ውግኣት እውን ተሳቲፉ። ዳሕራይ ምስ ሓደ ጸጋማዊ ክንፊ ማሕበር መንእሰይ ተጸምቢሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዓውደ ታሪኽ ናይ ዲግሪ መዓርግ ረኺቡ። ኣብ ኪቡዝ ስድራ ቤት መስሪቱ ከኣ ክነብር ጀሚሩ።

ብ1986 ናብ ፖላንድ ተመሊሱ፡ ናብቲ ኣይሁዳውያን ኣብ ግዝኣት ናዚ ጀርመን ዝሃለቑሉ “ሰፈር ሞት” ናብ ኦሽዊትዝ ከይዱ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረን ዝተፈጸመን ነገራትን ብዛዕባ ፖላንዳውያን ኣይሁድ ዘጋጠሞም ሽግርን ከጽንዕ ተገዳስነት ኣሕዲሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ንኣሽሓት እስራኤላውያንን ፖላንዳውያንን ብዛዕባ እቲ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ምምሃር ኣሕሊፉዎ።

እቲ ኣብ ያድ ቫሸም፡ ኣብ ናይ ፖላንድ ዴስክ ምስኡ ዝዓዪ ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓርኩን መሳርሕቱን ኦሪት ማርሎት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ልዑል ፍልጠት ዘለዎ ሰብ" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ንመንእሰያት ብኸመይ ከዘራርቦም ከምዝኽእል ዝፈልጥ፡ መሰናኽላት ክፈትሕ ዝኽእል፡ ልዑል ናይ ምርድዳእ ዓቕሚ ዘለዎ ብምባል ንፍቱዋት ተጻወትቲ ኩዕሶ ብምጥቃስ ብቅብኣ ስኢላቶ።

እቲ ንሱ ዘሕደሮ ጽልዋ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ ክትብል ከኣ ትምስክር።

"ኣብዚ ጕዳይ እዚ [ርክባት ፖላንድ-ኣይሁድ] ብኸመይ ኣብ ልቢ ሰባት ከምዝኣቱ ይፈልጥ እዩ። [ኣብ ፖላንድ] ኣዝዩ ጽቡቕ ተግባር ስለዝገበረ ኵሎም ኣዕሩኹ ኰይኖም" ኢላ።

ማቲ ወዱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዝፈትውዎን ዘኽብሩዎን ተምሃሮ ኣለውዎ። ኣቦይ ፍሉይ መምህር እዩ፣ ኣብቲ ዝምህረሉ ክፍሊ ኣትየ ክምህር ክሰምዖ እንከለኹ ኣዝየ እየ ዝምሰጥ ነይረ" ኢሉ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ምምህርና ሞይኡ፡ ኣብ ሕርሻ ምዕያይ እውን ይፈቱ እዩ። ንክልቲኡ ንጥፈታት እዩ ዘማልእ ነይሩ። ኣብ ኪቡዝ ኣብ ዝርከብ ሕርሻን ምምህርናን። ነቲ ቦታ ዕጡቓት ሓማስ ምስ ወረርዎ እዩ ከኣ ጠፊኡ።

'ዕድል ካብ ኣምላኽ’

እቲ ኣብ ኒር ኦዝ ዝነብር ማቲ ግን ምስ ስድራ ቤቱ ካብ መጥቃዕቲ ድሒኑ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ምስ ዝደሓኑ ኣብ ኤላት ሪዞርት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ደሓን ኵነታት ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ሕማቕ ፍጻመታት ድማ ከምዚ ይብል።

ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ብኣቆጻጽራ እቲ ቦታ ናይ ተጠንቀቕ ደወል ሰሚዖም። ከም ልሙድ ናይ ሮኬት ደብዳብ መጠንቀቕታ’ዩ ኢሎም ሓሲቦም። ኣብቲ ክፋል እስራኤል ከምኡ ዓይነት መጠንቀቕታ ክትሰምዕ ልሙድ እዩ።

ብኡ ንብኡ ኣቦኡ ኣብቲ ናይ ኪቡዝ ቻት ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ክከታተል ሓቢሩዎ። ኣብቲ ቻት ከኣ ሰባት ዕጡቓት ናብቲ ከባቢ ከምዝኣተውን ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ዝግበር ዝነበረ ነገራት ይጽሕፉ ነይሮም።

ማቲ ምስ ስድራኡ

ምንጪ ስእሊ, MATI DANZIG

መግለጺ ስእሊ, ማቲ ምስ ስድራኡ

ኣብ ፈለማ፡ ማቲ፡ እቶም ዕጡቓት ኣባይቲ ሰባት ይዘምቱ ኣለው ኢሉ ጥራይ እኳ እንተ ሓሰበ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሰባት ይቕተሉ ከምዘለው ዝነግር መልእኽቲ ኣንቢቡ። ካብኡ ንደሓር ንዝዀነ ይዅን ሰብ ይቐትልዎ ወይ ይጨውይዎ ከም ዘለዉ ንጹር ኰነ።

ማቲን ስድራ ቤቱን፡ ሕጂ ወይ ደሓር ግዳያት ክንከውን ኢና ክብሉ ሸሞንተ ሰዓት ሓሊፉ።

"ነተን ሰለስተ ኣዋልደይ እርእየን እሞ፡ እዛ ህሞት እዚኣ ንመወዳእታ ግዜ ዝርእየን ዘለኹ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዞም ሰባት ህይወት ንጹሃት ቈልዑ ዘጥፍኡ ብምዃኑ ኣዝዩ የሕዝን" ድማ በለ ።

እቶም ዕጡቓት ግና ናባታቶም ኣይመጽኡን ።

"ንሕና ብፍቓድ እግዚኣብሄር ዕድል ገይርና ካብተን ዘይኣተውወን፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣባይቲ ኴንና ድሒንና" ኢሉ። ክልተ ኣሕዋት ማቲ እውን ምስ ደቆም ካብቲ ህልቂት ኣምሊጦም እዮም። ኣሌክስ ዳንዚግ ግም ዕድል ኣይገበረን ።

ማቲ፡ "ዩቫል ሓወይ፡ ሰዓት 08: 30 ንግሆ ኣቢሉ ነቦይ ኣዘራሪቡዎ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ደሃይ ኣይረኸብናን። ኣቦና ምስ 80 ሰባት ካብ ኪቡዝ ከም ዝተጨውየ ርግጸኛታት ኢና። ይዅን እምበር ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ምንም መርትዖ ኣይተረኽበን።"ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ድሕንነት ኣሌክስ ከምዝፈርሕ ይዛረብ። ካብቲ ጭውያ ንደሓር ፡ ኣብቲ ብሓማስ ዝወጽአ ኣሳእልን ቪድዮታትን ጭውያት ኣይተራእየን።

እቲ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ከቢድ መጥቃዕቲ ልቢን መጥባሕትን ስለዘጋጠሞ ብቐጻሊ ዝወስዶ መድሃኒት የድልዮ እዩ። ግን ሽዑ ምስኡ መድሃኒት ኣይሓዘን።

ማቲ፡ "ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ንዕኡ [ነቦይ] ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

‘ኣንነታዊ ኣይነበረን’

ናይ ኣሌክስ ምጥፋእ ኣብ እስራኤልን ፖላንድን ሓያል ናይ ምፍትሑ ወፈራ ኣለዓዒሉ ኣሎ ።

The #StandwithAlex ፤ # ምስ ኣሌክስ ደው ንበል ዝብል ሃሽ ታግ፡ ንመንግስቲ ፖላንድ ጸቕጢ ንምግባር ይጽዕር ኣሎ።

ኣብ ፈይስቡክ "ሓግዙና፡ ንሓግዞ፤ ክምለሰና ንደልዮ ኢና” ዝብል ወፈራ ጐስጓስ ወጺኡ ኣሎ።

"ንሱን ኵሎም እቶም ብጭካነ እተጨውዩ ንጹሃን ሰባት ብሰላም ናብ ዓዶም ክምለሱ ኢና ንደሊ።"

ወይዘሮ ማርሎት ብዛዕባ ምስቲ ካብ ኣደኣ ብዓመት ዝዓቢ ኣሌክስ "እሙን ዓርኪ’ዩ ነይሩ" ክትብል ትገልጾ።

ምጥፋእ ናይቲ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብ ፖላንድ ሓያል ናይ ጎስጓስ ወፈራ ኣበጊሱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, 3FALA.ART

መግለጺ ስእሊ, ምጥፋእ ናይቲ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብ ፖላንድ ሓያል ናይ ጎስጓስ ወፈራ ኣበጊሱ ኣሎ።

"ኣብ ሓድሕድና ዝዀነ ኣንነት ኣይነበረን” ዝበለት ማርሎት ከም ኣይሁዳዊ መጠን ወትሩ ይሓልየላ ከም ዝነበረ ተዛሪባ። ንኣብነት፡ ንወጻኢ ክትገይሽ እንከላ ንቝጽ መግቢ ሒዛ እንተዀይና ይሓታን የዘኻኽራን ነይሩ።

ወይዘሮ ማርሎት ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኣሌክስ ፖላንዳዊ ዜግነቱ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዋርሶ ካብ ዝርከብ መዛግብቲ ልደት ምስክር ወረቐት ንምርካብ ትጽዕር ኣላ።

እቲ ሰነድ ዜግነት ኣሌክስ ካብ ጭውያ ንኽወጽእ ኣገዳሲ ረቛሒ ከም ዝዀነ እያ ትኣምን።

"ሓደ ሓደ ግዜ፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜግነት እንተ ሃልዩካ፡ [ካብ ኢድ ] ሓማስ ንኽትወጽእ ይሕግዝ’ዩ" ትብል።

ማቲ፡ ዋላ’ኳ ንሱን ኣቦኡን ንነዊሕ ዓመታት እንተተፈላለዩ ኣመና ዝቀራረቡ ምንባሮም ይዛረብ።

ኣብ ኪቡዝ እተወልደ ማቲ፡ እታ ዓባይ ጓሉ ጓል ሰለስተ ዓመት ምስ ኮነት እዩ ናብ ስድራኡ ተመሊሱ ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ከኣ ንኣሌክስ ኣብ ሰሙን እንተ ወሓደ ሰለስተ ሳዕ ይርእዮዎ ነይሮም። ወዱ ከኣ፡ ድሮ እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ምስኡ ከምዝተደረረን ሽዑ ስለዝረኣዮን ኣዝዩ ከምዝሕጐስ ተዛሪቡ።

"እቲ ምሸት ኣዝዩ ተፈታዊ እዩ ነይሩ፡ እቲ ሃዋህው ከኣ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን እቲ ሃዋህው ተቐይሩ፤ እቲ ሰማይ ፈሪሱ" ኢሉ።