ኣብ ጕዕዞ ነፈርቲ ሳንጣኹም ንኸይጠፍእ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ

Published

ጀተኒ ሉካስ፡ መበል 40 ዓመት ልደታ ኣብ ግሪኽ ክተኽብር እንከላ ዝተሳእለቶም ኣሳእል፡ ነቶም ምስ ዝጠፍአ ሳንጣኣ ዝጠፍኡ ክዳውንታን ኣዋርቓን ስለ ዘዘክርዋ፡ መመሊሳ'ያ ትርእዮም።

መዓልቲ ልደታ ጸንቢላ፣ ደስ ኢልዋ ንብረታ ጠርኒፋ ናብ ለንደን ክትምለስ እንከላ ግን ሳንጣኣ ጠፊኡ።

“ደስ ዝብል ግዜ’የ ኣሕሊፈ፤ ግን ኵሉ ሃሲሱ። ነቶም ኣሳእል እናርኣኹ፡ ‘እውይ . . . እዚ’ውን እባ ኣብቲ ሳንጣ’ዩ ነይሩ’ እብል።”

ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ መገዲ ኣየር ኢዚጀት፡ ሳንጣኣ ጠቕሊሉ ከም ዝጠፍአ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ልኢኹላ።

ወሃቢት ቃል ኢዚጀት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል’ውን "ኣመና ሓዚንና ኢና፤ እዚ ክፈጥሮ ዝኽእል ሕርቃን’ውን ይርድኣና እዩ” ኢላ።

ኣብዚ ጕዳይ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝሕተሙ ዝነበሩ ጋዜጣታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዘውጽእዎም ዝነበሩ ሓበሬታታት ስዒቡ፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ነቲ ኵነታት “ወቕቲ ዝጠፍኡ ሳናጡ” ብምባል ገሊጾምዎ’ዮም።

እቲ ክስተት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ሳንጣ ፈቲሾም ዘእትው ኣካላት ጸጥታ መገዲ ኣየርን በቶም ሳንጣ ተጓዓዝቲ ናብ ነፋሪት ክጽዕኑን ከውርዱን ዝተቘጽሩ ሰራሕተኛታት ዘጋጠመ’ዩ ተባሂሉ ተነቒፉ።

ኩባንያ መድሕን ስጳኛ - ማፕፍሪ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቍጽሪ'ቶም ሳንጣ ጠፊኡና ዝብሉ ተጓዓዝቲ 30 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ይሕብር። እዚ ልዕሊ እቲ ኣብ 2019 ዘጋጠመ’ዩ።

ኣብዚ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ምድንጓይ ወይ ምጥፋእ ሳናጡ ዘመላኽት ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብ2019 ዝወጽኡ ሰነዳት ግን እቲ ጸገም ከም ዝነበረ የርእዩ።

ኣብ ኢንዳስትሪ መጓዓዝያ ኣየር ሓበሬታ ኣቍሑ ዝህብ ሲታ [SITA] ዝተባህለ ሶፍትዌር፡ ኣብቲ ግዜ ብደረጃ ዓለም 19 ሚሊዮን ሳናጡ ደንጕዮም ናብ ዋናታቶም ከም ዝበጽሑን፡ 1.3 ሚሊዮን ድማ ከም ዝጠፍኡን የመልክት።

ዝተበላሸውን ዝተዘምቱን ሳናጡ ሓዊሱ፡ ኣብ ሳንጣ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሽሕ ተጓዕዝዝቲ ድማ፡ 5.6 ኣቝሑ “ሕማቕ ኣተሓሕዛ” ገጢሙዎም።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ሳናጡኦም ንምሕላው ዘኽእሎም ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ጀሚሮም ኣለው።

ብቐንዱ፡ ከም ኣፕል ኤይር ባግ ዝበለ ሳንጣ ዘለወሉ ኣድራሻ ክሕብር ዝኽእል ጂፒኤስ ኣብቲ ሳንጣ ክለግብ ይገብሩ ኣለው።

እዚ፡ ሞባይል ወይ ኮምፒዩተር ተጠቒምካ እቲ ዝጠፍአ ሳንጣኻ ኣበይ ምህላው ክትፈልጥ ዘኽእል'ዩ።

ብሉምበርግ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓደ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ስኮትላንድ ንመርዓ ዝተጓዕዘ ሰብኣይ፡ ሳንጣኡ ናብ ቶሮንቶ ካናዳ ቀጺሉ ድማ ናብ ዲትሮይድ ክኸይድ ርእይዎ ይብል።

ከምዚኦም ዝበሉ መተግበሪታት፡ ተጓዓዝቲ ብመጠኑ ቅሳነት ክረኽቡ እንተሓገዙ’ውን፡ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ዝውገድ ከም ዘይኰይኑ ግን ክኢላ ኢንዳስትሪ ጕዕዞ ኤሪክ ሊዮፖልድ ይዛረብ።

“እዞም ምልክት ዝህቡ መተግበሪታት፡ 99 ሚእታዊት ኣብ ሰዓቱ ዝበጽሕ እሞ እቲ ጸገም ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እንተዀይኑ ሓገዝቲ እዮም። ኣሽሓት ሳናጡ ኣብ ለንደን ወይ ካልእ ኣብ ዝጠፍኡሉ ግዜ ግን፡ ሓገዝቲ ኣይኰኑን” ይብል።

ሲትሩ [SeeTrue]፡ መገዲታት ኣየርን መዓርፎ ነፈርትን ሳንጣ ተጓዓዝቶም ብግቡእ ናብ ነፈርቲ ንኽጽዓን ዝሕግዝ ኩባንያ እዩ።

እዚ ኩባንያ እስራኤል፡ ኣብ መእተዊ መገዲ ኣየር ኣብ ዝግበር ፈተሻ፡ ሰባት ካብ ዝሰርሑዎ ንላዕሊ ዝቐልጠፈ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ሶፍትዌር ይሰርሕ።

“ሲትሩ፡ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ኮምፒዩተር ኣልጎሪዝምን ተጠቒሙ፡ ኣብ ሳንጣ ምሓዝ ዝተኸልከሉ ነገራት የለሊ። እዚ ኣብ ልክዕ ሰዓት፡ ዝቐልጠፈን ዝተጻፈፈን ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል’ዩ። በዚ፡ እቲ ሳንጣ ኣብ ሰዓቱ ናብ ነፈርቲ ይበጽሕ፤ ንድሕሪት ክተርፍ’ውን ኣይክእልን” ይብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣሳፍ ፍረንኬል።

ኤየርፖርተር [Airporter] ዝተባህለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ፡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ሰዓት በረራኦም ሳንጣኦም ንምፍታሽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሕዙዎ ሪጋ ብምውጋድ እቲ ጸገም ንምቅላስ ጻዕሪ ይገብር።

ተጓዓዝቲ፡ ኣክንዲ ሪጋ ዝሕዙ፡ እቲ መተግበርን ድሕረገጽን ተጠቒሞም ሳንጣኦም ዝውሰድሉ መስርሕ ከመቻችኡ ይኽእሉ።

እዚ መተግበሪ፡ ሕጂ ኣብ መገዲ ኣየር ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ በረራታት መገዲ ኣየራት ስዊዝን ካብ ለንደን ናብ ጄነቫ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ይሰርሕ ኣሎ።

በዚ፡ ሰራሕተኛ ኤየርፖርተር፡ ሳንጣ እቲ ተጓዓዚ ካብ ገዛኡ ወሲዱ ኣክንዲ ናብ ናይ ተጓዓዝቲ፡ ናብ ቦታ ኣቝሑ የብጽሖ፤ ኣብኡ ተፈቲሹ ኸኣ ብቐጥታ ናብ ነፋሪት ይኣቱ።

እቲ ተጓዓዚ ኣብ ዝዓርፈሉ ቦታ ምስ በጽሐ ድማ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ምስ ኤየርፖርተር ዝሰርሑ ሰባት፡ እቲ ሳንጣ ተቐቢሎም እቲ ተጓዓዚ ናብ ዝዓርፈሉ ቦታ የብጽሑዎ።

ነዚ ኣገልግሎት፡ ንሓደ ሳንጣ 40 ፓውንድ ትኸፍል።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤየርፖርተር ዳንደል ዳርባይ፡ ክሳብ ሕጂ ሳንጣ ተጓዓዝቲ ንሚእቲ ዓመት ብዝጸንሐ ኣሰራርሓ ኣቪየሽን ይቕጽል ምህላው ከም ዘተሓሳስቦ ይዛረብ።

ንሱ፡ ነቲ ትካል ብ2013 ከቝሞ እንከሎ፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ ትጽቢት ይገብር።