ሚነሶታ፡ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ሓደ ኢትዮጵያዊ ተኸሲሱ - ሰነዳትከ እንታይ ይብሉ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ፡ ኣብ ሴንት ፖል - ኣብ ዝርከብ ህንጻ ኣፓርታማ ብ20 ሓምለ ብዘጋጠመ ተዅሲ፡ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ዝዕድመኡ ኢትዮጵያዊ መበቈል ከምዘለዎ ዝተገልጸ ሰብ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሰ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እቲ ጸጋኣብ ኣድማሱ ቢነሱ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ዝነበረ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ክራይ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ብጥይት ከም ዝቐተለ ኣኽበርቲ ሕጊ ይኸሱ።

እቶም ግዳያት፡ ጓል 25 ዓመት ናንሲ ፉወንተስ ዛምብራኖ፡ ጓል 56 ዓመት ዲና ሲልኮክስ፡ ከምኡ'ውን ወዲ 43 ዓመት ኣዳም ዊልወርዲንግ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ራምዚ ዝቐረበ ሰነዳት ክሲ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ፍጻመ ብሰንኪ ብዛዕባ ውዕል መቘሚ መካይን (parking) ዝተፈጥረ ባእሲ ዝሰዓበ እዩ።

እቲ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ብዝተወሳኺ፡ ኣቶ ጸጋኣብ መኪናኡ ድሕሪ ምሻጡ ነቲ ወርሓዊ ውዕል ክፍሊት መቘሚ መኪና ክስርዞ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ውዕል ኣብ ቀረባ እዋን ስለ ዝተሓደሰ ክስረዝ ከም ዘይክእል ተነጊሩዎ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቅድሚ እቲ ተዅሲ ምፍጻሙ ኣብ መንጎ ጸጋኣብን ክልተ ካብቶም ሰራሕተኛታትን ዝተፈጥረ ምንህሃር ቃላት ኣብ ዓይኒ መከታተሊ ካሜራ ከም ዝተራእየ ይገልጹ።

ጸጋኣብ ኣድማሱ ኣብታ መዓልቲ ፍጻመ ጸኒሑ፡ ካብቲ ፍጻመ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣስታት 320 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ሰሜናዊ ሚነሶታ ተታሒዙ። ሓደ መናብርቱ ብተሌፎን ምስ ኣዘራረቦ ንፖሊስ ከም ዝሓበረ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ጠቒሶም ኣለዉ።

እቲ ሰነዳት ክሲ ከም ዝሕብሮ፡ ተኸሳሲ ድሒሩ ንመርመርቲ ፖሊስ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ውልቃዊ ጸገማት፡ እንተላይ ኣባላት ስድራቤቱ ንምእታው ዝገብሮ ዝነበረ ነዊሕ ጻዕሪ ኣዘራሪቡዎም እዩ።

እቲ ሰነድ ክሲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣቶ ጸጋኣብ ፓስፖርት ኣመሪካን ካርድ ማሕበራዊ ድሕነትን ዘለዎ'ኳ እንተዀነ፡ ንሰበይቱን ደቁን ናብ ኣመሪካ ንምምጻእ ንሓያሎ ዓመታት ጽዒሩ፣ ክዕወት ግን ከም ዘይከኣለ ንፖሊስ ተዛሪቡ ኣሎ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ዝተናውሐ መስርሕ ኢሚግሬሽን፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሰበይቱ ንኽፋታሕን ካብ ደቁ ንኽፍለን ጠንቂ ኰይኑዎ እዩ።

እቲ ኵነታት ብዝፈጠረሉ ከቢድ ጭንቀት ዝተላዕለ ድማ መራሒ ዓባይ መኪና ጽዕነት ኰይኑ ካብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ስራሕ ብፍቓዱ ከም ዝወጸ እቲ ሰነድ የረድእ።

ሰበስልጣን ነቲ ተዅሲ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ብወግዒ ኣየነጸሩን ዘለዉ።

ጸጋኣብ ብ10 ሚልዮን ዶላር ዋሕስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ኰይኑ፡ ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ቃል ኣይሃበን፤ እቲ ዝቕጽል ቈጸራ ቤት ፍርዱ ን13 ነሓሰ ተታሒዙ ኣሎ።

መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ካብ ናይ ትራፊክ ጥሕሰታት ወጻኢ ዝዀነ መዝገብ ገበን የብሉን።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጸጋኣብ ኣድማሱ ቢነሱ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ብመርትዖ ኣይተረጋገጸን ዘሎ።