ኲናት ትግራይ፡ 'ኣደይን ክልተ ኣሓተይን ግን ሃለዋተን ኣይፈልጥን'

ልዋም ሃይለ ኣብ 2020 ካብ ትግራይ ተበጊሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ።
Published

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኲናት ሓድሕድ ሃዲማ ኣብ ዌስት ሚድላንድስ ዓዲ እንግሊዝ ሓድሽ ህይወት ክትጅምር እትፍትን ዘላ ትግራወይቲ፡ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ራዕዲን ድሕሪ ደጊም ስድራኣ ከይትርኢ ከም ዘስግኣ ገሊጻ።

ልዋም ሃይለ ኣብ 2020 ካብ ትግራይ ተበጊሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ።

ብጃልባ ንመትረብ ኢንግሊዝ ከምዝሰገረት እትዛረብ ልዋም፡ ኣብቲ ጕዕዞ ክልተ መኻይዳ መሓዚታ ከም ዝሞቱ ገሊጻ።

ኣብቲ እዋን ኲናት ካብ ስድራኣ ካብ እትፍለ ጀሚራ፡ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ከምዘይትፈልጥ ትዛረብ።

"ብዙሕ ነገራት ርእየ" ትብል እታ ጓል 28 ዓመት ልዋም።

"ወተሃደራት ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉ ነይሮም፡ ጐረባብትና ክቕተሉ፡ ገዛውቲ ከዕንዉን ክዘምቱን ርእየ... ኣብ ማእከል ጽርግያ ተኲሶም ሰባት ይቐትሉን ይዕምጹን ነይሮም።"

ልዋም ካብ ገዛኣ ምስ ሃደመት፡ ዶብ ሰጊራ ናብ ሱዳን ብምእታው፡ ብቱርኪ፡ ግሪኽን ፈረንሳን ኣቢላ እያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ በጺሓ።

"ምስ ስድራይ ክራኸብ ስለዘይከኣልኩ ህይወተይ ከድሕን እየ ዝጓየ ነይረ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኢና ተፈላሊና" ትብል።

"ዶብ ንምስጋር ምስ ዘይሕጋውያን ሰባት፡ ምስ ሰራዊትን ምስ ውቅያኖስን ክትገጥም ኣለካ። እዚ ክሳብ ክንደይ መሪርን ዘፍርሕን ከም ዝኸውን ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣብ ውቅያኖስ ክልተ ኣዕሩኽና ስኢንና።"

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ - ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ኲናት ተወሊዑ።

ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱን ሚልዮናት ሰባት ከምዝተመዛበሉን ይግመት።

ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ሰራዊት ጐረባብቲ ኤርትራን ኣምሓራን ከምዝተዓመፃ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተሰኒዱ ይርከብ።

ሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ይኽሰሱ።

ኣብ ሕዳር ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ’ኳ፡ ርክባት፡ መድሃኒትን መግብን ግዛጊት ድሩት ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድማ ከምዝቐጸለ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ልዋም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሃለዋት ፈተውቶምን ስድራኦምን ካብ ዝጭነቝ ብዙሓት ኣብ ዌስት ሚድላንድስ ዝርከቡ ሰባት ሓንቲ እያ።

ካልእ ስማ ኣቦኣ ከይንጥቀመሉ ዝሓተተት መርሃዊት፡ ኣብ በርሚንግሃም ን10 ዓመታት ዝነበረት እያ። ደሃይ እትፈትዎም ሰባት ዛጊት ዘይምፍላጣ ንዓኣ "ሲኦል" ምዃኑ ገሊጻ።

"ሕሰብ፡ ሃንደበት፡ ናብ ስድራቤትካ ክትድውል ኣይትኽእልን ኢኻ እንትትበሃል" በለት።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰለስተ ደቓይቕ ጽቡቕ ዜና ተስፋ ብምግባር ስልክታትና ንፍትን፣ ኣይሰርሕን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንርኢ።"

ልዋም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ሓቲታ፡ ቃለ መሕትት ክትገብር ትጽበ ኣላ።

ሓዋን ኣቦኣን ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ትገልጽ ልዋም፡ ሃለዋት ኣደኣን ክልተ ኣዋልድ ኣሓታን ግን ዝዀነ ደሃይ የብላን።

"ብህይወት ይሃልዋ ኣይሃልዋ’ውን ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ትብል።

“ናብኡ ክምለስ ኣይክእልን እየ።"