ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ሆስፒታል ኣትዮም

Published

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ብናይ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዎም ግን እቲ ረኽሲ ምስ ኮቪድ ዝተኣሳሰር ነገር ከምዘይብሎም ተሓቢሩ።

ይዅን እምበር እቲ ረኽሲ ብግቡእ ክፍወስ ስለዘለዎ፡ ንሒደት መዓልትታት ግቡእ ናይ ሆስፒታል ሕክምናን ምክትታልን ከድልዮም’ዩ ክብል ቫቲካን ገሊጹ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ካብ ብዙሓት ኣመንትን መሳርሕትን ዝቐረበሎም ሓያል ናይ ምጽንናዕ ጸሎትን መልእኽትታት ልቦም ከምዝተተንከፉ ብኣድናቘት ገሊጾም።

ሓለውቶምን ናይ ቀረባ መሳርሕቶምን ኣብ ሆስፒታል ጄሜሊ ክሓድሩ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ከኣ ሓደ ናይ ቀረባ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ እዋን ብምኽንያት በዓል ትንሳኤን ካልእ ብዙሕ ኣጋጣሚታትን ነቶም 86 ዓመት ዝዕድመኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ጽዑቕ ኣገልግሎታት’ዩ ተመዲቡሎም ነይሩ።

ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ናይ ሆሳእና ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከኣ በዓል ትንሳኤ ቅዳሰ ይጽበዮም ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ናብ ሃንጋሪ ናይ ምብጻሕ መደብ እውን ነይሩዎም።

ረቡዕ ንግሆ፡ ኣብ ኣደባባይ ስተር ፒተር ሰሙናዊ ስብከት ከካይዱ እንከለው ጽቡቕ መንፈስ እኳ እንተነበሮም ናብ ማኪናኦም ክኣትው እንከለው ግን ዝተጸለኦም ይመስሉ ከምዝነበሩ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና AFP ሓቢሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ከጋጥሞም ስለዝጀመረ ተንቀሳቓሲት ብሽክለታ ስንኩላን (ዊልቼር) እዮም ክጥቀሙ ጸኒሖም።

ኣብ 2021 እውን ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ናይ “ኮለን” መጥባሕቲ ተገይሩሎምስ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ጥዕነኦም ተመሓይሹ ናብ ንቡር ኩነት ተመሊሶም ነይሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሽሕ እኳ ናይ ጥዕና ጸገም እንተነበሮም ኣብ ወርሒ ለካቲት እዚ ዓመት ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዑደት ኣካይዶም እዮም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን ናይ መበል 16 ዓመት ናይቶም ብፍታዎም ካብ መዝነቶም ዝወርዱ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክት ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት መሪሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ጥዕናኦም እናኣንቈልቈለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣሰር በነዲክት ክስዕቡ ከም ዝደልዩ ኣቐዲሞም ሓቢሮም ነይሮም።