ሓስያ 'ተጨውየ' ዝበለት ኣሜሪካዊት 18 ኣዋርሕ ክትእሰር ተፈሪዳ

Published

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ተጨውየ ብምባል ብሓሶት ናብ ኤፍቢኣይ ዝመልከተት ውልቀ ሰብ ን18 ኣዋርሕ ክትእሰር ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እታ ሸሪ ፓፒኒ ዝተበሃለት ጓል 39 ዓመት ኣብ ሕዳር 2016 ክትጐዪ ኢላ ምስ ወጽአት’ያ ሃለዋት ኣጥፊኣ።

ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ዳግማይ ብምምጻእ፡ ቋንቋ ስጳኛ ትዛረብ ሰበይቲ ከምዝጨወየታ ስለዝሓበረት፡ ነታ ጨውያ ዝተበሃለት ሰብ ንምርካብ፡ ኤፍቢኣይ ሰፊሕ ቦታ ኣብ ዝሸፈነ ድልያ ጀሚሩ።

ኤፍቢኣይ፡ ድሕሪ ዝገበሮ ምጽራይ ሸሪ ፓፒኒ፡ እቲ ሰለስተ ሰሙን ተጨውየ ኢላ ዝጠፍኣቶ እዋን፡ ምስ ዓርካ ዝነበረ ሰብ ከምዘሕለፈቶን፡ ነቲ ተጨውየ ዝብል ክሲ ንኸተእምን፡ ኢዳ ባዕላ ከምዝሓርሐረቶን ክፈልጥ ክኣለ።

ሸሪ ፓፒኒ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት ከኣ፡ ከምዝሓሰወት ብምእማን ንቤት ፍርዲ ይቕሬታ’ኳ እንተሓተተት፡ ሓሶታ ዘስዓቦ መዘዝ ግን ካብ ማእሰርቲ ከናግፋ ኣይከኣለን።

ሸሪ፡ “ነቶም ጠፊኣ ኢሎም ዝተሻቐሉለይ ሰብን ነቶም ኣብ ምድላየይ ዝተዋፈሩን ይቕሬታ ክብሎም እፈቱ” ኢላ።

እቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ሸሪ ፓፒኒ፡ ኣብ ልዕሊ ፌዴራል ፖሊስ ሓስያን ኣታሊላን ኣብ ዝበል መደምደምታ’ዩ በጺሑ።

ጠበቓ ሸሪ ፓፒኒ፡ ዊልያም ፖርቶኖቫ ንላግጺ ኢላ ዝጀመረቶ ናብ ከምዚ ከምዝዓበየ ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝህቦ ውሳነ ኣሸላሻል ክገብረላ፡ መቃለሊ ፍርዲ ዝኸውን ሓሳብ ሂቡ።

እቲ ጠበቃ ብተወሳኺ፡ ምሕሳዋ፡ ብዙሕ ሰብ ስለዝፈለጠ ንሱ ንባዕሉ ናይ መዋእል መቕጻዕቲ ሕልና ስለዝዀነ ኣብ እዋን ፍርዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ተላብዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ክሳብ 25 ዓመታት ከእስር ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተወሃበ መፋኾሲ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 8 ክሳብ 14 ኣዋርሕ ክትእሰር ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ሸሪ ኣብ ልዕሊ ዝተወሃባ ፍርዲ፡ ፖሊስ ነታ ጨውያትኒ ዝበለታ ሰብ ንምድላይ ዘውጽእዎ ወጻኢታት መከሓሓሲ ዝኸውን 300 ሽሕ ዶላር፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአት ክትከፍል’ውን ተሰማሚዓ’ያ።

ሸሪ ክትጐዪ ኢላ ምስ ወጽእት [ሕዳር 2016]፤ በዓል ቤታ፡ ደቁ ካብ መውዓሊ ህጻናት ከምዘይመጽኡ ምስ ፈለጠ’ዩ ከምዝጠፈአት ናብ ፖሊስ ሓቢሩ።

ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት፡ ሓንቲ ቋንቋ ስጳኛ ትዛረብ ሰበይቲ ብብረት ኣፈራሪሓ ጨውያታ ከምዝቐነየት ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ፖሊስ ቃል ሂባ።

ኤፍቢኣይ ጽጹይ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ሸሪ ፓፒኒ ኵሉ ዝበለቶ ሓሶት ምንባሩ ከቃልዕ ክኢሉ።

ኤፍቢኣይ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ ሸሪ ምስቲ ካብ ታሕሳስ 2015 ጀሚራ ብተሌፎን ብቐጻሊ ትረኽቦ ዝነበረት ናይ ቀደም ዓርካ ብገዛእ ፍቓዳ ከምዝቐነየት ከረጋግጽ ክኢሉ።