ብሉፅ ኣፍሪቃዊ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ 2018፡ ንሸልማት ብሕፁይነት ዝቐረቡ

መድሂ በናትያ (ሞቶኮ)፣ ካሊዱ ኮሊባሊ (ሰኔጋል) ፣ ሳድዮ ማኔ (ሰኔጋል)፣ ቶማስ ፓርተይ (ጋና)ን ሞሓመድ ሳላሕ (ግብፂ) ን - (ካብ ፀጋም ንየማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መድሂ በናትያ፣ ካሊዱ ኮሊባሊ፣ ሳድዮ ማኔ፣ ቶማስ ፓርተይን ሞሓመድ ሳላሕ (ካብ ፀጋም ንየማን)
Published

ናይዚ ዓመት ሓሙሽተ ሕፁያት ሽልማት ቢቢሲ ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2018 ዕላዊ ኮይኖም።

ናይዚ ዓመት ሕፁያት፡ መድሂ በናትያ (ሞሮኮ)፣ ካሊዱ ኮሊባሊ (ሰኔጋል) ፣ ሳድዮ ማኔ (ሰኔጋል)፣ ቶማስ ፓርተይ (ጋና)ን ሞሓመድ ሳላሕ (ግብፂ)ን ኮይኖም ኣለዉ።

መስርሕ ምሃብ ድምፂ ካብ ቀዳም 17 ሕዳር (ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ)፡ ምሸት ሰዓት 10፡00 ብኣቆፃፅራ ቀርኒ ኣፍሪቃ (4፡00 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ተኸፊቱ፡ 2 ታሕሳስ ሰዓት 11፡00 (5፡00) ይዕፆ።

ናይ መወዳእታ ውፅኢት፡ 14 ታሕሳስ፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 5:30 ብኣቆፃፅራ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ (11፡30 ኣ.ኢ) ኣብ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ይግለፅ።

ናይ መወዳእታ ሕፁያት፡ ብጉጅለ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተሰሪዖም።

ኣጥቃዓይ ጋንታ ሊቨርፑል ሳላሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሸልማት ተዓዊቱ ነይሩ። ካልኦት ናይ ሕሉፍ ውድድራት ተዓወትቲ፡ ጄ-ጄ ኦካቻ፣ ማይክል ኢሴን፣ ዲድየር ድሮግባ፣ ያያ ቱሬን ሪያድ መሃሬዝን እዮም።

ናይዚ ዓመት ሕፁያት ተወዳደርቲ

በናትያ - ኣብ ጋንታ ጁቬንቱስ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል - ዕድመ 31፤ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ዋንጫ ዓቲሩ።

ክልተ ምስ ባየርን ሙኒኽ፣ ክልተ ምስ ጁቬ፤ ንሞሮኮ ኣብ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ክትሳተፍ ከላ'ውን ሓለቓ ጋንታ ነይሩ።

ኮሊባሊ - ተኸላኻሊ ጋንታ ናፖሊ - ዕድመ 27፤ ጋንትኡ ንዋንጫ ሰሪ-ኤ ምስ ጁቬንቱስ ክትገጥም ከላ ዝከኣሎ ፅዒሩ። ንሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ዋንጫ ዓለም 270 ደቒቓ ተፃዊቱ።

ማኔ - ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል - ዕድመ 26፤ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ኩሎም ግጥማት ክፃወት ከሎ፡ ክልተ ግዘ ሓለቓ ጋንታ ኮይኑ ነይሩ።

ኣንፃር ጃፓን ኣብ ዝነበረ ፀዋታ'ውን ሸቶ ኣቑፂሩ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ግጥማት ቻምፒዮንስ ሊግ ንሊቨርፑል ብዘቑፀረን ሸቶታት ካልኣይ ሸቶ መቑፀሪ ክኸውን ኪኢሉ።

ኣብ ፍፃመ ጋንትኡ ብሪያል ማድሪድ 3 ብ 1 ክተሰዓር ከላ'ውን ሸቶ ኣቑፂሩ።

ፓርተይ - ኣትሌቲኮ ማድሪድ ክፍሊ ማእኸል - ዕድመ 25፤ ንጋንትኡ ከም ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ክፃወት ዝኸኣለ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ ማርሴል ዓወት ዋንጫ ኢዩሮፓ ሊግ ክረኽቡ ከለዉ'ውን ኣብ መወዳእታ ተቐይሩ ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ጋና ምስ ጃፓንን ኣይስላንድን ኣብ ዝገበረቶም ምሕዝነታዊ ፀዋታታት ሸቶ ኣቑፂሩ።

ሳላሕ - ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል - 26፤ ንሊቨርፑል ብዘቑፀረን 32 ሸቶታት ተዓዋቲ ወርቂ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ክኸውን በቒዑ።

ናብ ፍፃመ ቻምፒዮኒስ ሊግ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ማዕረ ምስ ማኔ 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ንሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክልተ ሸቶታት ኣቑፂሩ።