ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ቬትናም ዝተሳዕረትሉ 7 ምኽንያት

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣሜሪካ እታ ብቝጠባ ካብ ዓለም ዝሓየለት ሃገር ስለዝነበረት ወተሃደራዊ ዓቕማ እውን ብኡ መጠን ሓያል ከም ዝዀነ ይእመን ነይሩ።
ይዅን እምበር ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ቬትናም፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ደማዊ ውግእ ብዙሕ ህይወትን ንዋትን ከሲራ ብሓይልታት ሰሜን ቬትናምን ተሓባበርቶም ደባይ ተዋጋእቲ ቬን ኮንግ ተሳዒራ።
ኣብ መበል 50 ዓመት ስዕረት ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ቬትናም [29 መጋቢት 1973]፡ ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ቬትናም ብኸመይ ከም እተሳዕረት ንኸረድኡና ንኽልተ ፈላጣትን ምሁራትን ሓቲትና ኣለና።
ኣብቲ ውዕዉዕ ዝሑል ኲናት ሓይልታት ዴስነትን ርእሰ-ማልነትን ኣብ ሓያል ምፍጣጥ እየን ነይረን።
እታ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝኸሰረት ፈረንሳ፡ ኣብ ኢንዶቺና ንዝነበራ ግዝኣታ ከተምልስ ፈቲና ምስላጥ ምስ ኣበያ ብዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ሰሜናዊ ግዝኣት ቬትናም ብኮሚኒስት፡ ደቡባዊ ሸነኽ ከኣ ብኣሜሪካ ዝድገፍ ኰይኑ ኣብ ክልተ ተመቕለት።
ይዅን እምበር ፈረንሳ ኣብ ቬትናም ምስ ተሳዕረት፡ ኵለን ጐረባብቲ እታ ሃገር፡ ኮሚኒስት ክዀና እየን ዝብል ስግኣት ስለዝተፈጥረ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣስታት 10 ዓመት፡ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘህለቐ ውግእ ተሸሚማ።
ብኸመይ’ከ እያ እታ ኣብ ዓለም ዝሓየለትን ግዙፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ እትውንን ኣሜሪካ፡ ብሓንቲ ኣብ ደቡብ ኤስያ እትርከብ ድኻ ሃገርን ሓድሽ መንግስታን ናይ ደባይ ተዋጋእታን ተሳዒራ?
እቶም ክልተ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ፤
እቲ ዕማም ኣዝዩ ዓቢይ እዩ ነይሩ

ኣብ ካልእ ክፋል ሸነኽ ዓለም ውግእ ምክያድ ናይ ብሓቂ ዓቢይ ስራሕ እዩ ነይሩ ።
እቲ ውግእ ቬትናም ኣሜሪካ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊት ነይሮማ።
እቲ ወጻኢታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ኣብ 2008 ጸብጻብ ኮንግረስ ኣሜሪካ፡ ጠቕላላ ወጻኢታት ውግእ ቬትናም ሽዑ 686 ቢልዮን ዶላር (በዘ ናይ ሎሚ መጠን ገንዘብ ከኣ ልዕሊ 950 ቢልዮን ዶላር) ምንባሩ ገሊጹ።
ይዅን እምበር ኣሜሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፊ ወጻኢታት ብምግባር ዝሰዓረትን፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ኮርያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ውግእ ዘካየደት ብምዃና ልዑል ርእሰ ምትእምማን ነይሩዋ።
ኣብ ዩኒቨሪሰቲ ሴንት ኣንድሪውስ ዝምህርን ክኢላ ፖሊሲታት ምክልኻል ኣሜሪካን ወጻእን ዝዀነ ዶ/ር ሉቃስ ሚድዱፐ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት እቲ ውግእ ዘተስፉ ሃዋህው ከም ዝነበረ ይገልጽ።
"እቲ ምሉእ ኵናት ቬትናም ብኣሉታ በቲ መንገዲ ክውዳእ ግን ዘገርም ነገር እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣሜሪካ ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣጸቢቓ ትፈልጦ ነይራ እያ። ሰራዊታ ኣብ ከምቲ ሃዋህው ክዋጋእ ይኽእል’ዶ ዝብል ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር ነይሩ እዩ። ይዅን እምበር መንግስቲ ኣሜሪካ ክሳዕ 1968 ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዕወት ምትእምማን ነይሩዎ።"
እንተዀነ፡ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ 1968 ኮምዩኒስት ቴት ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፡ ንውግእ ቬትናም ተወሳኺ ገንዘብ ከውጽኡ ስለዘይደለዩ፡ መንግስቲ ብ1973 ካብ ቬትናም ሰራዊቱ ከውጽእ ተገዲዱ።
ዶ/ር ሚድዱፕ፡ ልክዕ ከም ፕሮፌሰር ቱንግ ቩ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን ኣሜሪካ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት፡ ብመሰረቱ’ኸ ወተሃደራት ኣሜሪካ ንቬትናም ክኸዱ ይግባኦም ዶ ነይሩ ዝብል ሕቶታት የልዕል’ዩ።
ወተሃደራት ኣሜሪካ ንኸምቲ ዓይነት ውግእ ብቝዓት ኣይነበሩን

ፊልምታት ሆሊዉድ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ጫካታት ቬትናም ክሽገሩን፡ ደባይ ኣሃዱታት ቬት ኮንግ ነቲ ዕሙር ጫካን ዓዘቕትን ሰጊሮም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክፍንዉሎም የርእዩ።
ዶክተር ሚድዱፐ፡ "ከም ኣሜሪካ ገዚፍ ሰራዊት ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ጫካታት ንኽዋጋእ የጸግሞ እዩ" ክብል ይእመን።
“ኣብ ካልእ ቦታ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ ዝርከብ ጽዑቕ ጫካ ክህሉ ይኽእል እዩ። ይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝነበረ ናይ ብቕዓት ፍልልይ እውን ዝተጋነነ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ" ይብል።
"ኣብ እዋን እቲ ውግእ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ነቲ ኣከባቢ ክቈጻጸሮን ክለምዶን ከምዘይከኣለ ብሰሜን ቬትናምን ቬት ኮንግን ዝዝንቶ ጽውጽዋይ ኣሎ። ግን ፈጺሙ ሓቂ ኣይኰነን። ሰራዊት ሰሜን ቬትናምን ቬት ኮንግን እውን ኣብቲ ቦታ ንኽዋግኡ ይጽገሙ ነይሮም እዮም፡" ኢሉ።
ዶ/ር ሚድዱፐ፡ እቲ ውግእ ዝካየደሉ ግዜን ቦታን ዝመረጹ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ብምንባሮም ንሓይልታት ኣሜሪካ በዳሂ እዩ ነይሩ።
ምኽንያቱ እቶም ደባይ ኣሃዱታት መጥቃዕቲ ኣካይዶም ምስ ላኦስን ካምቦድያን ናብ ዝዳወብ ውሑስ ቦታ እዮም ዘንሳሕቡ ነይሮም። ሰራዊት ኣሜሪካ ከኣ ናብቲ ቦታ ክኣትው ኣይከኣሉን።
ፕሮፌሰር ቩዩ፡ ኣሜሪካ ምስ ደባይ ቬት ኮንግ ክትዋጋእ ብምፍታና እያ ተሳዒራ ይብል።
"እቲ ናይ ደቡባዊ ደባይ ተዋጋኢ ሓይሊ ንሳይጎን ክስዕራ ኣይምኸኣለን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እንተዀነ ካብ ሰራዊት ሰሜን ቬትናም ንደቡብ ተዋጋእቲ ኣሃዱታት ክኣትው ምፍቃድ ስትራተጂያዊ ጌጋ እዩ ነይሩ። እቶም ነቲ ውግእ ዝሰዓርዎ ከኣ እቶም ሰሊኾም ዝኣተው ሓይልታት እዮም ይብል።
ኣሜሪካ ንቕድም ኣብ ዓዳ እያ ተሳዒራ

እዚ ውግእ መብዛሕትኡ ግዜ "ፈላሚ ናይ ተለቪዥን ውግእ" ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ቅድሚ ሽዑ ከምኡ ዝኣመሰላ ሸፈነ ሚድያ ዝተዋህቦ ውግእ ኣይነበረን።
ብ1966፡ ሃገራዊ መዛግብቲ ኣሜሪካ፡ 93% ካብ ስድራቤታት ኣሜሪካ፡ ተለቪዥን ከም ዝነበረን ይግምት። እቲ ዝረአ ዝነበረ ውግኣት ከኣ ካብቲ ቅድሚ ሽዑ ዝረአ ዝነበረ ብዙሕ ሳንሱር ዘይተገብሮ ቅሉዕ ግጭታት እዩ ነይሩ።
ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ’ዩ እቲ ኣብ ሳይጎን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናይ ቴት መጥቃዕቲ ሓያል ዝነበረ። ደባይ ተዋጋእቲ ቬት ኮንግ ነቲ ግጭት ኣብ ማእከል ደቡባዊ መንግስቲ ኣሜሪካን ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ኣሜሪካን ኣእትዮሞ። ተዓዘብቲ ነቲ ውግእ ዳርጋ ብህያው ይርእዩዎ ነይሮም።
ድሕሪ 1968 ሸፈነ ናይቲ ውግእ ተስፋ ዝህብ ኣይነበረን። ምስሊ ናይ ዝተቐትሉ፡ ዝሰንከሉን ዝሳቐዩን ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ቲቪን ጋዜጣታትን ይቐርብ ስለዝነበረ ኣሜሪካውያን ኣንጻር እቲ ውግእ ደው ኢሎም። ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ጀሚሩ።

ብ4 ግንቦት 1970፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬንት ስቴት ኦሃዮ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣርባዕተ ተመሃሮ ብኣባላት ጸጥታ ተቐቲሎም። "እቲ ናይ ኬንት ጃምላዊ ቅትለት" ከኣ ዝገደደ ናይ ተቓውሞ ስምዒትን ሰልፍን ኣለዓዒሉ።
ብቐጻሊ ኣብ ውግእ ቬትናም ናይ ዝሞቱ ሳንዱቕ ሬሳ ወተሃደራት ንኣሜሪካ ይኣቱ ስለዝነበረ፡ እቲ ብብዙሓት ዘይፍቶ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዋጅ ዕስክርና መንእሰያት ንሞራል እቲ ህዝቢ ብኣሉታ ጸልይዎ። ሽዑ ኣስታት 58,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብቲ ውግእ ሞይቶምን ደሃዮም ጠፊኡን።
እቲ ምዕባለታት ንደቂ ሰሜን ቬትናም ዓቢ ረብሓ እዩ ነይሩ፡ ይብል ፕሮፌሰር ቩዩ። ዋላ'ኳ ንሳቶም እውን ዓቢ ክሳራ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ምሉእ ቍጽጽር ሚድያ ስለዝነበሮም ዝሓሸ ዕድል ነይርዎም።
"ኣሜሪካን ደቡብ ቬትናምን ልክዕ ከምቲ ኮምዩኒስት ዝገብርዎ ዝነበሩ ህዝባዊ ርእይቶ ናይ ምቕራጽ ዓቕምን ድልውነትን ኣይነበሮምን። እቶም ኮሚኒስት ግን ዓቢይ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስርዓት ነይርዎም። ዶባት ብምዕጻው ነቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ይዕፍኑዎ፡ ኣብቲ ውግእ ርእይቶ ዘለዎን ዘይተሰማምዐን ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይልእክዎ፡" ይብል።
ኣሜሪካ ደቡብ ቬትናማውያን'ውን ኣይመሰጠትን

ኣሜሪካ ንልብን ኣእምሮን ደቡብ ቬትናማውያን እውን ክትምስጥ ኣይከኣለትን።
ኣሜሪካ ኣብቲ ውግእ ብ 2,700 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝቃጸል ንሰብ፡ ጥሪትን ዘራእትን ኣግራብን ዘቃጽል ኣብ ኵሉ ክፋል ኣካላት ሰብ ዝጣበቕ ናፓልም፡ ነቲ ጽዑቕ ጫካን ኣዝርእትን እንስሳታትን ለመምታን ዘጥፍእ 'ኤጀንት ኦሬንጅ' ዝተባህለ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣሰቃቒ ኣጽዋር ተጠቒማ እያ።
ከም ሳዕቤኑ ብፍላይ ኣብ ነበርቲ ገጠር ኣሉታዊ ጽልዋ ነይርዎ።
ብኸምቲ ኣብ 1968 ዝተኻየደ ተልእኾ "ህደን ኣጥፍእ" ወተሃደራት ኣሜሪካ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ቬትናማውያን ብጃምላ ቀቲሎም እዮም።
እቲ ስፍርን ቍጽርን ዘይነበሮ ጃምላዊ ህልቂት፡ ነቲ ውግእ ኮነ ቤት ኮንግ (ኮሚኒስታውያን) ዘይድግፉ ዝነበሩ ሰባት እውን ከተሓሳስቦም ጀሚሩ እዩ።
ዶር ሚዲዱፐ፡ “መብዛሕትኦም ደቡብ ቬትናማውያን ኮምዩኒስታዊ ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። ዝበዝሑ ህይወቶም ብሰላም ክመርሑ እቲ ውግእ ከብቅዕን ዝደልዩ እዮም ነይሮም" ይብል።
ፕሮፈሰር ቩዩ፡ ኣሜሪካ ንልብን ቀልብን ህዝቢ ቬትናም ክትከስብ ትጽዕር ከምዝነበረት ይሰማምዓሉ እዩ።
"ፍቱው እንተዘይኮይኑ ብፍላይ፡ ንሰራዊት ባዕዲ ከተሐጕስ ኵሉ ሳዕ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል።
እቶም ኮሙኒስታውያን ዝሓሸ ሞራል ነይሩዎም

ዶ/ር ሚዲዱፐ፡ እቶም ምስ ኮሙኒስታዊ ስርዓት ክቃለሱ ዝወሰኑ፡ ካብቶም ብደቡብ ቬትናም ንኽዋግኡ እተኸትቡ ሰባት ንላዕሊ ናይ ውግእ ድሌትን ናይ ሰዓርነት መንፈስን ከም ዝነበሮም ይኣምን።
"ኣሜሪካ ኣብቲ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኮሙኒስት ዝገበረቶ መርመራታት ዝተኣከበ መጽናዕትታት ኣሎ" ይብል።
"ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ናይ ራንድ ኮርፖረሽን [ምስ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተሓሓዝ ናይ ቲንክ ታንክ] ጕጅለ፡ ስለምንታይ እዮም ሰሜን ቬትናማውያን ልዕሊ ደቡብ ናይ ምውጋእ መንፈስ ነይርዎም ንዝብል፡ እቲ ቀንዲ ነታ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለት ቬትናም ንኸሕብሩ ከም ዝቃለሱ ሓርበኛታት ስለዝረኣዩ ምዃኖም ዝተረኸበ መጽናዕቲ የረድእ።
እቶም ኮሙኒስት ሓይልታት ዋላ'ውን ብዙሕ ጕድኣት እንተ ኣጋጠሞም ስኖም ነኺሶም ክቕጽሉ ምኽኣሎም ንብርታዐኦም ዘንጸባርቕ ምልክት እዩ።
መሪሕነት ኣሜሪካ፡ ዓቕሚ ተዋጋእቲ ኮሙኒስታዊ ሓይሊ ንምድኻም ስለዝጽዕር ብዝያዳ ኣብ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ወተሃደራት እዩ ዘተኩር ነይሩ። ጸላኢ ዓቕሚ ሰቡ ክትክእ እንተዘይክኡሉ እቶም ተዋጋእቲ ተስፋ ክቘርጹ እዮም ዝብል ሓሳብ ነይርዎ።
ካብ ምትካእ ብዝቐልጠፈ ክቐትልዎ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ እቶም ኮሙኒስት ነቲ ናይ ምቅላስ ድሌት የጥፍእዎ እዮም።
ኣብቲ ውግእ ኣስታት 1,100,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ሰሜን ቬትናምን ቬት ኮንግን ተዋጋእቲ ተቐቲሎም እዮም። ይዅን እምበር እቲ ኮሙኒስታዊ ሓይሊ ግን ንዓቕሚ ሰቡ ብቕልጡፍ ክትክእ ኣይተጸገመን።
ፕሮፌሰር ቪዩ፡ ሰሜናውያን፡ ዝሓሸ ስነምግባር'ኳ እንተነበሮም፡ ብትምህርትን ፕሮፖጋንዳን ንኣእምሮ እቲ ህዝቢ ብምሕጻብ ነቲ ሰብ ናብ ኣጽዋርን ጥይትን ቀይሮምዎ እዮም ይብል።
መንግስቲ ደቡብ ቬትናም ብልሹው ጽሉእን ነይሩ

ዶ/ር ሚድዱፐ፡ እቲ ብደቡብ ሸነኽ ዝነበረ ሓይሊ ምስቲ ናይ ቀደም መግዛእታዊ ሓይሊ ምሕዝነት ስለዝነበሮ ብህዝቢ ተኣማንነት ኣይነበሮን ይብል።
"እቲ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ቬትናም ዝነበረ ምፍልላይ ብሰንኪ ዝሑል ኵናት ዝሰዓበ ሰብሰርሖ እዩ። ንቬትናም ናብ ክልተ ሃገር ንኽትመቕላ ዘኽእል ባህላዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ናይ ቋንቋ ፍልልይ የለን" ከኣ ይብል።
ደቡብ፡ በቶም ብውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከም እተዓብለለ እዩ ዝኣምን ዶ/ር ሚድዱፐ።
እዚ ጕጅለ እዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ 10 ክሳብ 15% ጥራይ እዩ ዝውክል ነይሩ። ቬትናም ዳርጋ ብዅሉ ተኸታሊት እምነት ቡድሃ እያ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ሰባት ሃይማኖታዊ ጸቕጢ ፈሪሖም ካብ ደቡብ ዝሃደሙ እዮም። ስለዝዀነ ከኣ እቲ ውግእ ምስ መጽአ ኣብ ፖለቲካ [ወዲ ሰሜን ኢኻ ወሳኒ] ዝብል ስምዒት ከምዝፈጠረ ዶ/ር ሚድዱፐ የረድእ።
እዞም ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ቬትናም፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ደቡብ “ዲን ዲየም”፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ከም ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ሓያላት ፈተውቲ ካቶሊክ መሓዙት ነይሮሞም።
እዚ ናይ ውሑዳን ኣመንቲ ካቶሊክ ዕብለላ በቶም ኣብ ደቡብ ቬትናም ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እምነት ቡድሃ ተቓውሞን ጽልኣትን ኣሕዲሩ እዩ ይብል ዶ/ር ሚዲዱፐ።
ኣብ ርእሲኡ ብዙሓት ቬትናማውያን ካቶሊክ ምስ ፈረንሳውያን ሓቢሮም ተዋጊኦም ስለዝነበሩ፡ እቲ ናይ ደቡብ መንግስቲ ከም መቐጸልታ ውርሻ ቃልሲ መግዛእቲ ፈረንሳ ስለዝረአ፡ ብዙሓት ቬትናማውያን ቡድሃ ኣይድግፍዎን ነይሮም።
"ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ቬትናም ምንባሩ'ውን ከም መቐጸልታ መግዛእትን ብዅሉ መዳዩ ብ ወጻእተኛታት ይውከል ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ነይሩ" ይብል ዶ/ር ሚዲዱፐ።
"ደቡብ ቬትናም ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቃልሲ ክጽንበሩን ክስውኡን ዘእምን ፖለቲካዊ ፕሮጀክት ኣይነበራን" ይብል ።
እዚ ከኣ፡ ኣሜሪካ ብብልሽውና ናብ ዝተቘማጥዐ መንግስቲ ወተሃደራታ ክትልእኽ ይግበኣ’ዶ ነይሩ ዝብል ሕቶ እውን ከምዘልዓለ ይዛረብ።
"[ሪፓብሊክ ቬትናም] ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ክሳብ እትጠፍእ ብብልሽውና እተጨማለቐት ሃገር እያ ነይራ። እቲ ካብ 1960 ክሳዕ 1975 ብኣሜሪካ ዝተገብረላ ገዚፍ ሓገዝን ዕብለላን ንቝጠባ ደቡብ ቬትናም ምሉእ ብምሉእ ኣበላሽይዎ’ዩ" ይብል።
"ብመሰረቱ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ጉቦ ከይከፈለ፡ ኣብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኮነ ወተሃደራዊ ስልጣን ክረክብ ኣይክእልን ነይሩ። እዚ ከኣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዓቢ ሽግር ከምዝፈጠረ ይኣምን።
"ስለዝዀነ ከኣ እያ ኣሜሪካ፡ ካብ ደቡብ ቬትናማውያን ዘተኣማምንን ብቝዕን ሰራዊት ክትሃንጽ ዘይከኣለት" ይብል።
"ስለዚ ድማ፡ እቲ ውድቀት ዘይተርፍን ርኡይን እዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሪቻርድ ኒክሰን፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ምስ ዝስሕቡ መንግስቲ ደቡብ ቬትናም ንእለቱ ከምዝፈርስ ብግልጺ ይርደኦ ነይሩ።"
ኣሜሪካን ደቡብ ቬትናምን ሓይልታት ሰሜን ዘይነበሮም ጸገም ኣጋጢሙዎም

ፕሮፈሰር ቩዩ፡ እቲ መንግስቲ ደቡብ ምስዓሩ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ ንዝብል ኣይሰማምዓሉን እዩ። ኣሜሪካ ነቲ ካብ ቬትናም ክትረኽቦ እትኽእል ትምህርቲ መመኽነይታ ትደልየሉ ከምዝነበረት ኰይኑ እዩ ዝስምዖ።
"በቲ ዘጋጠመ ጥፍኣትን ሞትን ተሓታቲ ስለዘድልዮም ንደቡብ ቬትናማውያን ብቐሊሉ ተሓተትቲ ንምግባር እዮም" ከምኡ ዝብሉ ይብል። እቲ ብዛዕባ ብልሽውናን ካቶሊካውያንን ዝተዋህበ ገምጋምን ነቐፌታን ኣብ ጸብጻባት ኣሜሪካ ተጋኒኑ እዩ ዝቐርብ ኢሉ።
"[ሓቂ እዩ] ብዙሕ ብልሽውና ነይሩ እዩ። እንተዀነ ነቲ ስዕረት ዝውስን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ብልሽውና ብዙሕ ዝረብሕን ዘይረብሕን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት'ኳ እንተ ፈጠረ፡ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ግን፡ ሰራዊት ደቡብ ቬትናም ሓያል ቃልሲ እዩ ኣካይዱ" ይብል።
ስለዚ፡ ፕሮፌሰር ቩዩ፡ እቲ ኣብ እዋን ውግእ ዝጠፍአ ካብ 200,000 ክሳዕ 250,000 ዝግመት ሰራዊት ደቡብ ብዘይ ናይ ኣሜሪካ ገንዘብን ኣጽዋርን ጥራይ እንተዝግበር ምሓሸ ነይሩ ኢሉ ይኣምን።
ኣብ መወዳእታ፡ ፕሮፌሰር ቪዩ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ፡ ሰሜናውያን እታ ዝያዳ ሊበራል ዝዀነት መንግስቲ ደቡብ ክትገብሮ ዘይከኣለት ንነዊሕ እዋን ክጸንዑን ኵናት ክቕጽሉን ምኽኣሎም እዩ ይብል።
እቲ ናይ ሰሜን ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኣብቲ ውግእ ከም ዝኣምንን ብዛዕባ እቲ ውግእ ብዙሕ ከም ዘይፈልጥን እዩ ዝሕብር ነይሩ ።
ፕሮፌሰር ቩዩ፡ "ኣሜሪካን ደቡብ ቬትናምን፡ ንርእይቶ ህዝቢ በቲ እቶም ኮምዩኒስት ዝገበርዎ ኣገባብ ክቐርጻ ኣይከኣላን።
"[ወላ’ኳ]ብዙሕ ሓይሊ ሰብ እንተ ኸሰሩ፡ ዝኸፈሉ ከፊሎም ክቕጽሉ ክነቕሉ ይኽእሉ ነይሮም፣ እዚ ከኣ፡ ከም ርእሰ ቅትለት ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ስልትታት ዘጠቓልል እዩ ነይሩ፤ ሰሜናውያን 'ሰብኣዊ ማዕበል’ ይጥቀሙ ነይሮም - ብደቡብ ግን ከምኡ ኣይነበረን፡ " ይብል።
ብተወሳኺ ልክዕ ከምቲ ኣሜሪካ ንደቡብ እትህቦ ዝነበረት ደገፍ፡ ሕብረት ሶቭየትን ቻይናን እውን ንሰሜን ገንዘባውን ወተሃደራውን ደገፍ ኣየቋረጻን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
