እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ካማላ ሃሪስን ሂላሪ ክሊንተንን 'ምስጢራዊ ሓበሬታ' ከይርእያ ከልኪሉ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ካማላ ሃሪስ ምስጢራዊ ሓበሬታ ናይ ምርኣይ መሰላ ኣልዒሉ።
ግዳይ እገዳ ጸጥታ እቲ ፕረዚደንት፡ እታ ቀንዲ መነሓንሕቱ ዝነበረት፡ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ካማላ ሃሪስ ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ ሂላሪ ክሊንተን እውን ምስጢራዊ ሓበሬታ ጽጥታ ናይ ምርኣይ መሰላ ከልኪሉ ኣሎ።
ንቐንዲ ተነሓናሕቱ ዝዀኑ ዒላማ ዝገብር ዘሎ ትራምፕ፡ ፍቓድ ጸጥታ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ስድርኡን'ውን ከሕድግ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።
ትራምፕ፡ "ናይዞም ውልቀሰባት፡ መሰል ምርኣይ ሚምስጢራዊ ሓበሬታ ጸጥታ ክስረዝ ወሲነ ኣለኹ፣ ምኽንያቱ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ምርካቦም ንሃገራዊ ረብሓና ዋጋ ስለ ዘይብሉ፡" ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስርዓት፡ ሰበስልጣን ነበር እታ ሃገር፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንምርካብ መሰል ነይሩዎም።
ሓድሽ ትእዛዝ ትራምፕ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ደጊም ካብ ስልጣን ዝተኣልዩ ተነሓናሕቲ ዓበይቲ መራሕቲ ነበር እታ ሃገር፡ ናብ መንግስታዊ ትካላት ክኣትዉን ምስጣራዊ ሓበሬታ ክረኽቡን ፍቓድ ኣይክህልዎምን እዩ።
"ምስጢራዊ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ ንፕረዚደንት ዝወሃቡ መግለጺታትን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ትካላት ጸጥታ ዝርከብ ሓበሬታን ኣይክረኽቡን እዮም።"
ትራምፕ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ነበር ባይደን ዒላማ ብምግባር እዩ ስጕምቲ ወሲዱ ዘሎ።
ቀንዲ ነቐፍቱን ንትራምፕ ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረቡ ዓቃቢ-ሕጊ እውን ኣብቲ እገዳ ተኻቲቶም እዮም።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ባየደን፡ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱሊቫንን ምክትል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሊዛ ሞናኮን ኵሎም ዝጸንሐ መሰሎም ተገፊፉ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳሩ ዝነበሩን ኣብ ቤትፍርዲ ዝመስከሩን ክልተ ሰባት ተመሳሳሊ ፍቓድ እውን ሰሪዙ።
ኣብ መርመራ ናዕቢ ካፒቶል ሂል ዝተሳተፉ እንኮ ኣባላት ሰልፊ-ሪፓብሊካን ሊዝ ቸኒን ኣዳም ኪንዚንገርን እውን ካብ መንጎ መሰሎም ዝተሓድጉ እዮም።
ንትራምፕን ናይ ንግዲ መሻርኽቱን ዝኸሰሰት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ ንቲሻ ጀምስ'ውን ተኣጊዳ ኣላ።
ትራምፕ፡ በዚ ጉዳይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተፈሪድዎ'ኳ እንተ ነበረ፡ ይግባይ ኢሉ እንከሎ፡ ናብ ሃገራዊ መረጻ ኣምሪሑ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ከሰስቱ፡ ደያኑን መስከርቱን ወፍሪ የካይድ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ ዝተወስደ ናይ ምንካይ ስጕምቲ ብዝተኣሳሰር ክሲ ዘቕረበ ኖርም ኤሪሰን እውን ፍቓዱ ተሰሪዙ ኣሎ።
"እገዳ ትራምፕ ንዝያዳ ክስታት ጥራሕ እዩ ዘዕድም፡" ክብል መልሲ ሂቡ።
ብዙሓት፡ ንትእዛዝ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቒፎም ኣለዉ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ፍቓድ ናይቶም ነበር ኣባላት ጸጥታ ሰሪዙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ትራምፕ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ጸጥታ፡ ኣብ 2020 ንምምሕዳር ባይደን ከም ዝወገኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖ ግን ኣየቕረበን።
ኣብ 2021 ባይደን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ "ዘይግቡእ ባህርያት" ትራምፕ ብምጥቃስ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንኸይረክብ ገዲቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ክፍሊ ፍትሒ፡ ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘይግቡእ ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ኣብ 2024 ከሲሱ ነይሩ።
ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣብ 2023 ምስጢራዊ ሓበሬታ ብዘይግቡእ ብምርካብ ተኸሲሱ ነይሩ።