ብቕትለት ሩስያዊ ጀነራል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ኣብ ሞስኮ ብዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዋይ ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭን ተሓጋጋዚኡን ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።
እዚ ካብ ኡዝቤኪስታን ዝመጽአ ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ ከም ዝዀነ ድማ ተገሊጹ።
ሓላፊ ኒዩክለራዊ፡ ባዮሎጂካዊን ኬሚካላዊን ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ፡ ትማሊ ሰሉስ ካብ ሓደ ህንጻ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ 'ስኩተር' ብዝተሓብአ ነታጒ ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ፡ እቲ ጥርጡር ብስለያ ዩክረይን ዝተመልመለ'ዩ ምባሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሓደ ዩክሬናዊ ምንጪ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅትለት ብኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ዝተዋደደ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ምንጪ ጸጥታ ዩክረይን፡ ኪሪሎቭ - ሓላፊ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝነበረ - "ሕጋዊ ዒላማ" ምዃኑን ገበናት ኲናት ብምፍጻም ከም ዝኽሰስን ተዛሪቡ።
ብሰኑይ፡ ዩክረይን ንወዲ 54 ዓመት ኪሪሎቭ "ብጅምላ ዝተኸልከለ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ብምጥቃም ተሓታቲ እዩ" ብዝብል ክሲ ፈሪዳቶ እያ።
ፈደራላዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ወዲ 29 ዓመት ውልቀሰብ "ሽበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ከም ዝተጠርጠረ" ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እቲ ጥርጡር መርመራ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን "ብፍሉይ ኣገልግሎት ዩክረይን ከም ዝተመልመለ ገሊጹ" ይብል።
ወሲኹ ድማ ብመምርሒ ዩክሬን ናብ ሞስኮ ብምእታው መንበሪ ኪሪሎቭ ንምክትታል መኪና ከምዝተኻረየ ሓቢሩ።
ነቲ ነታጒ ኣብ ብኤሌክትሪክ እትሰርሕ 'ስኩተር' ከም ዘቐመጦን፡ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ኪሪሎቭ ዝነብረሉ ዝነበረ መንበሪ ህንጻ ከም ዘቐመጦን ኤፍኤስቢ ገሊጹ።
ኤፍኤስቢ፡ እቲ ጥርጡር 100 ሽሕ ዶላር ገንዘብን ናብ ኤውሮጳዊት ሃገር ክገሸሉ ዝኽእል "ዋሕስን" ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ ብመምርሒ ዩክረይን ናብ ሞስኮ ብምእታው ነቲ ገዛ ዝተሰርሐ ነታጒ ከም ዝተቐበለ ሓቢሩ።
ብድሕሪኡ ንመንበሪ ኪሪሎቭ ንምክትታል መኪና ተኻርዩን ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ናብቶም ኣብ ዩክረይን ከተማ ድኒፕሮ ዝርከቡ ነቲ ነታጕ ዝእዝዙ ዝነበሩ ሰባት ብቐጥታ ቪድዮ ዘመሓላልፍ ካሜራ ተኺሉ ከም ዝነበረን ተሓቢሩ'ሎ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኪሪሎቭ ካብቲ ገዛ ክወጽእ ምስ ረኣዩ፡ እቲ ጥርጡር ነቲ ቦምባ ከም ፈንጀሮ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ኪሪሎቭ፡ ሩስያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ካብ ዝተቐንጸሉ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሓደ ምዃኑ ይግመት።
እዚ ወዲ 54 ዓመት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ብዝብል ብብሪጣንያ እገዳ ተገይሩሉ ነይሩ።
ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ጀነራል ልዕሊ 4800 ግዜ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕመት ገሊጹ።
ሞስኮ ነዚ ትነጽጐ፤ ኣብ 2017 ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ ዝተረፈ ሰፊሕ ዕቑር ኬሚካላዊ ኣጽዋር ከም ዘዕነወቶ ትገልጽ።
ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ሩስያ ብዛዕባ ቅትለት ኪሪሎቭ ኣብቲ ዓርቢ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከተልዕሎ ምዃና ገሊጹ።
ሰበስልጣን ሩስያ ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ሰባት ከም ዝቐጽዑ ገሊጾም ኣለው።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
