ኢትዮጵያ፡ ብዘይግቡእ ፍቓድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ሰነዳቶም ከጻርዩ ጸዊዓ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ኵሎም ብዘይግቡእ መንበሪ ሰነዳትን ፍቓድን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ይዅኑ ኢትዮጵያውያንን መንበሪ ሰነዳቶም ከስተካኽሉ ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ብትካል ኢሚግሬሽንን ዜግነትን፡ ሰነዳት ሕጋውነት ንምልባስ ዝቐረበ ዘሎ ጻውዒት፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ሓያለ ውልቀሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ብምትላል ይዅን ካልእ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ኣለዉ ወይ’ውን ብዘይ ሕጋዊ ሰነዳት ይነብሩ ኣለዉ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን እዩ።
እዚ መጸዋዕታ ንዜጋታት ኣየነይቲ ሃገር ዘነጻጸረ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ዝተቘጠበት ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት፡ ብዘይ ሕጋዊ ሰነድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ውልቀሰባት ብዙሓት ምዃኖም ኣፍሊጣ።
ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት፡ ናይ ሓሶት ቀዋምን ይዅን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፡ ፓስፖርት፡ ቪዛን ካልእ ሰነዳትን ሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት እታ ሃገር ይነብሩ ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ ኢላ።
መግለጺ እታ ዳይሬክተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሽሕ ዝተሰንዐ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፡ ልዕሊ 1,500 ናይ ሓሶት ቪዛ፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 1,800፡ ግቡእ ሰነድ ዘይብሉ ብሓሶት ዝተዋህበ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዝሓዙ ውልቀሰባት ከምዘለዎ፡ ዝተገብረ መርመራ ኣቃሊዑ፡ ይብል።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ዝነብሩ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያንን ሓተቲ ዑቕባን፡ ብጉዳይ መንበሪ ወረቐት ይዅን ስደተኛነት ይከላበቱ ከም ዘለዉ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን መረጋገጺ ሰነድ የብልኩምን ብዝብል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ከተማታት ኢትዮጵያን፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ተኣሲሮም ከምዘለው ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኤርትራውያን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
ብሰንኪ’ዚ ምስ መንበሪ ፍቓድን ወረቐት ስደተኛነትን ተሳቢቡ ዝግበር ኢሕጋዊ ማእሰርትን ምክልባትን ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ኵነታትን ተደሪኾም ኣሽሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳ ይሰግሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ናብ ዩጋንዳ ዝኸዱ ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ቱርካና ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተቓሊሑ ነይሩ። ብዘይካ እዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኬንያ ከምዘለው ይፍለጥ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

