ኒጀር፡ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ጕጅለ ዕልዋ ‘ከቢድ’ ዝርርብ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣሜሪካ ምስ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይዳ።
ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ቪክቶርያ ኑላንድ፡ እቲ ዝርርብ “ኣዝዩ ግሉጽ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣሸጋሪ” ከም ዝነበረ ገሊጻ።
ኣሜሪካ፡ እቲ ዕልዋ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ከብቅዕን ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ ክምለስን ደጊማ ሓቲታ። ክሳብ ሽዑ ግን ነታ ሃገር እትህቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣጊዳ'ላ።
ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዝመጽእ ሓሙስ ክዝትያ እየን።
እቲ 15 ሃገራት ዝሓቘፈ ዞባዊ ንግዳዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢኮዋስ’ውን፡ መራሕቲ ኒጀር ክሳብ ሰንበት 23፡00 ካብ ስልጣን ክወርዱን ንዝተመረጸ መንግስቲ ናብ ቦታኡ ክመልሱን ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቶም መራሕቲ ግን፡ ንመጠንቀቕታ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እቲ ዞባዊ ውድብ፡ ክሊ ኣየር ኒጀር ብምዕጻው ግብረመልሲ ሂቦምሉ።
ኣብ ርእሰከተማ ኒያመይ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበት ቪክቶርያ ኑላንድ፡ ንክልተ ሰዓታት ምስ መራሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከም ዝተዘራረቡን “ነዚ ተሓተትቲ (ዕልዋ) ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክምለሱ ድሌት እንተሃልዩ” ኣሜሪካ ሓገዝ ከም ትገብር ገሊጻ።
ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ቪክቶርያ ኑላንድ፡ ንሓድሽ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ብርጋዴር ጀነራል ሙሳ ሳላው ባርሙ ዝተራኸበት ክትከውን እንከላ፡ ምስቲ ንርእሱ ሓድሽ መራሒ ኒጀር ገይሩ ዝሸየመ ጀነራል ዓብዱራሕማነ ቲችያኒ ይዅን መሓመድ ባዙም ኣይተራኸበትን።
ቅድም ክብል ምስ ሰብመዚ ኣሜሪካ ብስልኪ ዝተራኸበ ባዙም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መሓዩር እዩ ዘሎ።
ኑላንድ፡ መራሕቲ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኒጀር ነታ ሃገር ንምቍጽጻር፡ ንሩስያዊ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር ሓገዝ ሓቲቶም ኣብ ዝብል ክስታት’ውን ዘሻቕል ከምዝዀነ ተዛሪባ።
“ነዚ ስጕምቲ ዝወሰዱ ሰባት ንቫግነር ክዕድሙ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነቶም ዝወርድ ሓደጋ ብጣዕሚ ይርድኦም’ዩ” ኢላ።
እቲ ሓላዊ ፕረዚደንት ነበር ባዙም ዝነበረ ጀነራል ቲችያኒ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 26 ሓምለ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ብምጭባጥ “ነቲ ቀስ ብቐስ ዘይተርፍ ሞት” ኒጀር ክከላኸል ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ይመጽእ ብዘሎ ዘይምርግጋእ፡ እታ መግዛእታዊት ሓይሊ ዝነበረት ፈረንሳይ፡ ዜጋታታ ናብ ዞባ ሳሕል ከይገሹን፡ ኣብ ውሽጢ ኒጀር ዘለዉ ዜጋታታ ድማ ኣብታ ሃገር፡ ስምዒታት ጸረ-ፈረንሳይ ብምህላዉ ጥንቃቐ ክገብሩን መጠንቀቕታ ክትህብ ተገዲዳ ኣላ።
ጕጅለ ዕልዋ ኒጀር፡ ብሰንበት ከም ዝገለጾ፡ “ሓይሊ ወጻኢ" ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ይዳሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ጁንታ ነዚ ዝበለ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢኮዋስ ሓይሊ ንምጥቃም ዘኽእል ዝርዝር ትልሚ ከም ዘውጽኡ ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም’ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
