እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቓዛ ወደብ እትሃንጽ ወተሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ ተበጊሳ
ኣብ ገምገም ባሕሪ ቓዛ፡ ግዝያዊ ናይ ባሕሪ መሳገሪ መገዲ ንምህናጽ ዝሕግዙ ናውቲታት ዝጽዓነት ወተሃደራዊት መርከብ ኣሪመካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጻ ትጓዓዝ ከም ዘላ ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ።
እታ ‘ጀነራል ፍራንክ ኤስ ቤሶን’ ዝተባህለት ናይ ደገፍ መርከብ ትማሊ ቀዳም ኣብ ግዝኣት ቨርጂኒያ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተበጊሳ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመሪካ እቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ቓዛ ዝወስድ ተንሳፋፊ ጽርግያ ብባሕሪ ረድኤት ናብ ቓዛ ንምእታው ዝሕግዝ ክኸውን’ዩ ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ጥምየት “ዳርጋ ዘይተርፍ” ምዃኑን ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉን ኣጠንቂቑ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ብመሬትን ኣየርን ዝግበር ምብጻሕ ረድኤት ኣጸጋምን ሓደገኛን ምዃኑ ተራእዩ’ዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ቃፍላታት መኻይን መጥቃዕትን ዝምታን ምስ ተፈጸመ፡ ናብ ቓዛ ረድኤት ምብጻሕ ደው ከብሎ ተገዲዱ።
ብዓርቢ ድማ፡ ነቲ ብፓራሹት ዝተጀመረ ምብጻሕ ረድኤት ስዒቡ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ገሊጾም።
ማእከላይ ኮማንድ ኣመሪካ፡ እታ መርከብ ኣመሪካ፡ ባይደን ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ “36 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ” ከም ዝተበገሰት ብኤክስ ሓቢሩ።
“ኣገደስቲ ሰብኣዊ ቀረብ ንምብጻሕ ግዝያዊ ጽርግያ ንምቛም ናይ መጀመርታ ናውቲታት ሒዛ ትኸይድ ኣላ” ይብል።
ፔንታጎን፡ ነቲ ጽርግያ ንምህናጽ ብሓገዝ 1000 ወተሃደራት ክሳብ 60 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት ግን ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክሳብ ክንድኡ ክጽበዩ ከም ዘይክእሉ ይገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ ኣስታት 200 ቶን መግቢ ዝጸዓነት መርከብ ረድኤት ግን፡ ካብ ወደብ ቆጵሮስ ክትብገስ ገና ፍቓድ ትጽበ ኣላ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ሓድሽ መስመር ባሕሪ ክኽፈት ምዃኑን እዚ ድማ ሓገዝ ብቐጥታ ካብ ቆጵሮስ -ናብ ቓዛ ዝቐረበት ኣባል ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ - ክብገስ ዘኽእልን ምዃኑ ምግላጹ ስዒቡ፡ እታ ‘ኦፕን ኣርምስ’ ዝተባህለት መርከብ ሎሚ ክትብገስ ትጽቢት ይግበር።
እታ መርከብ ናይቲ ብተመሳሳሊ ሽም ዝጽዋዕ ‘ኦፕን ኣርምስ’ ዝበሃል ወለንታዊ ትካል ስፔን ኰይና፡ ኣብታ መርከብ ዘሎ መግቢ ድማ ብኣሜሪካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ወርልድ ሴንትራል ኪችን ዝተዳለወ እዩ።
ረድኤት ብኸመይ ብሰላም ናብ ገምገም ባሕሪ ከም ዝበጽሕ ንጹር ኣይኰነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቓዛ ወደብ የብላን፤ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ማያት ድማ ንዓበይቲ መራኽብ ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ።
ይኹን’ምበር መስራቲ ኦፕን ኣርምስ ኦስካር ካምፕስ ንኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉጅለ ወርልድ ሴንትራል ኪችን ኣብቲ እቲ ረድኤት ዝበጽሓሉ ቦታ - ብወግዒ ዘይተፈልጠ - ነቲ ሓገዝ ንምቕባል ጽርግያ ክሃንጽ ጸኒሑ’ዩ ኢሉ።
እስራኤል ነዚ ብባሕሪ ሓገዝ ምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ተበግሶ እኳ እንተተቐበለቶ፡ ኣብ ቆጵሮስ "ብመዐቀኒታት እስራኤል" ጸጥታዊ ምጽራይ ምስ ተኻየደ ሓገዝ ከም ዝበጽሕ ገሊጻ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 253 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምውሳዶም፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ናይ ኣየርን ምድርን ስጉምቲታት ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 30,900 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ፤ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ብውሕዱ 576 ሽሕ ሰባት - ርብዒ ህዝቢ - ኣዕናዊ ደረጃ ውሕስነት መግቢ ከም ዘጋጥሞም ኣጠንቂቑ።
ምዕራባውያን ሃገራት እስራኤል ዝያዳ መስመራት ብምምችቻውን ተወሳኺ መሳገሪታት ብምኽፋትን ብመሬት ዝግበር ምብጻሕ ረድኤት ከተስፍሕ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።
ናይ ጽዕነት መካይን ግብጺ ብእትቈጻጸሮ መሳገሪ ራፋን እስራኤል ብእትቈጻጸሮ መሳገሪ ከረም ሻሎምን ኣቢለን ናብ ደቡብ ቓዛ ክኣትዋ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ፡ እቲ እስራኤል ብሰሜን ዝኸፈተቶ ኣቀዳማይ ምዕራፍ መጥቃዕቲ ኣጋር፡ እቲ ዝበጽሕ ዝነበረ ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ክቋረጽ ገይሩ ይርከብ።
ኣብ ቓዛ፡ 300 ሽሕ ፍልስጤማውያን ሰኣን መግቢ ወይ ጽሩይ ማይ ይነብሩ ኣለው፡ ተባሂሉ ይግመት።
እስራኤል ጻዕርታት ምብጻሕ ረድኤት ብምስንኻል ክትንቀፍ ጸኒሓ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሓደ ናጻ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት “ኣንጻር ኣብ ቓዛ ዝርከብ ህዝቢ ፍልስጤም ወፍሪ ጥምየት” ትገብር ኣላ ክብል ከሲሱ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣማኻሪት ሕጊ ዝዀነት እሰራኤላዊት የላ ሲትሪን፡ ነዚ ክሲ ነፂጋቶ።