ናይ ገዛእ ርእሳ ንጉስ ዝኣወጀት 'ናጻ' ግዝኣት

ኣብ መዓሙቕ ገጠራት ምብራቓዊ ጀርመን፡ ሓደ ዘይርአ ዶብ ኣሎ።
ህንጻታት ናይ ሓደ እጹብ ግምቢ ካብቲ ጫፍ ኣግራብ ንላዕሊ ወጺኦም ይረኣዩ። ኣብ ቅድሚት ማዕጾ ናይቲ ግምቢ ምልክት ኣሎ፤ እዚ ንዝመጸ ሰብ - ብሓቂ - ናብ ሓዳስ ሃገር ይኣቱ ከምዘሎ ብኽብሪ ዝሕብር’ዩ።
"ኮኒግሬክ ዶችላንድ" (ንግስነት ጀርመን) ንገዛእ ርእሳ ንግስነት ዝኣወጀት ነጻ ሃገር እያ፤ ንገዛእ ርእሱ ዝሸመ ንጉስ እውን ኣለዋ።
እቲ ንጉስ፡ ፒተር ቀዳማይ ብዝብል ክጽዋዕ ይመርጽ።
ፒተር ቀዳማይ፡ ኣብ ሓደ ብዕንጸይቲ ዝተሸፈነ ቅሩብ ጽልምት ዝበለ ኣዳራሽ ተቐቢሉና።
እቲ ንጉስ ዘውዲ ካብ ዝደፍእን እታ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ እትሓትም፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንነት ወረቐት እተዳሉን ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ ዘለዋ እትበሃል ግዝኣት ካብ ትምስረት ዓሰርተ ዓመት ገይሩ’ሎ።
ፒተር ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ጀርመን "ራይክስበርገር" (ዜጋ ራይክ) ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ብማዕከናት ስለያ እታ ሃገር ንሕጋውነት ናይቲ ድሕሪ ኲናት ዝነበረት መንግስቲ ጀርመን ኣፍልጦ ዘይህቡ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባውያን ተባሂሎም ዝግለጹ ኣስታት 21 ሽሕ ሰባት እዩ።
እዞም ሰባት ኣብዚ ሰሙን ተፈላጥነት ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራይክስበርገር ብዝተኻየዱ ወፍሪታት ንህንጻ ባይቶ ጀርመን ራይክስታግ ንምውራርን ብዓመጽ መንግስቲ ንምዕላውን ውዲት ፈጢሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ንጉስ ፒተር ከምዚ ዓይነት ዕላማ ዓመጽ ከምዘይብሉ ይዛረብ።
ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ጀርመን "ኣዕናዊን ሕሙምን" ምዃኑ ይኣምን።
"ኣነ ኣካል ናይዚ ፋሽሽታውን ሰይጣናዊን ስርዓት ክኸውን ድሌት የብለይን" ይብል።

ንኽንዘራረብ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣምሪሕና - እቲ ክፍሊ ግን ሳሎን ኣይኮነን።
ብመብራህትን ካሜራን ተኸቢብና ኢና። እዚ ናይ ንጉስ ፒተር ናይ ገዛእ ርእሱ ቲቪ ስቱድዮ እዩ፤ ቻነል ቲቪ ክጅምር ተስፋ ኣለዎ።
ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ርክብና (ዘተና) ክቐርጽ ከምዝዀነ ተረዲአ።
ንሱ፡ ከም ከንቲባን ኣባል ባይቶ ጀርመንን ክኸውን ተወዳዲሩ ብዘይምዕዋቱ፡ ነቲ መንግስቱ ካብ ምምስራት ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ይገልጽ።
"ብልሹዋት፡ ገበነኛታት ወይ ካልኦት ክጥቀምሎም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ስርዓት ጀርመን ይስስኑ፤ እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎምን ንዓለም ንሓባራዊ ረብሓ ብዝሓሸ ክቕይርዋ ዝደልዩ ግን ዕድል የብሎምን።"
ናይ ብሓቂ ስሙ ፒተር ፊትዘክ ኰይኑ፡ ንጥፈታቱ ድማ ምስ ሕጊ ጀርመን ብተደጋጋሚ ናብ ጎነጽ ክኣቱ ገይርዎ ኣሎ።
ጀርመን ነታ ግዝኣተ-ንጉስ ይዅን ነቲ ሰነዳታ ኣፍልጦ ኣይትህብን፤ ፒተር ፊትዘክ ብዘይ መምርሒ ፍቓድ መኪና ብምዝዋርን ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ መድሕን ጥዕና ብምምራሕን ሓያሎ ግዜ ተፈሪዱ እዩ። ብተወሳኺ፡ ገንዘብ ዜጋታቱ ብምጥፍፋእ ንሓያሎ ዓመታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ግን እቲ ፍርዲ ተሰሪዙ።
ንኣስታት ክልተ ዓመት ንዕኡን ንግዝኣት-ንግስናኡን ክከታተል ዝጸንሐ ኣገልግሎት ስለያ እቲ ዞባ፡ ከም ስግኣት ከም ዝቘጽርዎ ሓቢሩና። ምስ ሓደ ንሰባት ንውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ኣኽረርቲ ስነ-ሓሳብን ዘቃልዕ ኣምልኾ የመሳስልዎ።
ከምዚኦም ዝበሉ ክልሰ-ሓሳባትን ስነ-ሓሳባትን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እናተጋደዱ መጺኦም እዮም። ኮቪድ-19’ውን ደገፍን ኣባልነትን ናይቲ ግዝኣት-ንግስነት ክውስኽ ዝገበረ ይመስል።
ፒተር ፊትዘክ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ዜጋታት ከምዘለዎ ነጊሩና። ንሱ፡ ምእንቲ እቶም ሰባት ኣብ መወዳእታ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ማሕበረሰባት ንምቛም ኣብ ጀርመን መሬት እናገዝአ ነቲ ንግስነቱ የስፍሖ ኣሎ።

ካብ ግምቢ እቲ ንጉስ ኣስታት 240 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ዝርከብ ሓደ ማሕበረሰባት ዝነብርሉ ቦታ በጺሕና።
ካብ በርሊን ንደቡብ ብመኪና ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ዝወስድ ቦታ እትርከብ ቁሸት ባርዋልደ፡ ካልእ ብጥንታውያን ኣግራብ ዝተኸበበ ኣረጊት ግምቢ ይርከብ። ኣስታት 30 ሰባት ኣብቲ ቀንዲ ህንጻ ወይ ድማ ኣብቲ ቀንዲ መእተዊ መንገዲ ኣብ ዝርከቡ ቃፍላይ ይነብሩ።
እቲ ግምቢ ዋላ'ኳ ዝሃሰሰ ጽባቐ እንተሃለዎ፡ ጽልምት ዝበለ ቦታ እዩ። ገና ነቶም ህንጻታት ኣብ ምሕዳስን ቀጽሪ ኣብ ምጽራይን ይርከቡ።
እቶም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ግን በቲ ከም ግዝኣት መንግስቲ ዝቘጽርዎ ገዛኦም ይሕበኑ እዮም።
እቶም ዜጋታት ንጀርመን ግብሪ ኣይከፍሉን፡ ከምኡ’ውን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይሰዱን። እዚ ድማ ኣብ ጀርመን ዘይሕጋዊ እዩ።
ብንጉስ ፒተር ዝምራሕ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጋዊ ኣቃውማ ኣለዎም። ኣብ ግዜ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ክንክን ጥዕና ክህልዎም ይሓስቡ።
"እታ ግዝኣት-ንግስነት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘድልየካ ኵሉ ክተቕርበልካ ትኽእል እያ። መግቢ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ እዚ ዅሉ ስርዓታት ኣሎ" ይብል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ስድራኡ ዝገዓዘን ሓላፍነት ርክብ ህዝቢ ዝተወሃቦ ቤንጃሚን።
ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ዘላቒ ሓምላይ ማሕበረሰብ ንምህናጽ መደባት’ኳ እንተሃለዎም፡ ዜጋታት ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ዘለዎም እምነት ግን ትሑት ይመስል።
ኣብዚ ዝዀነ ሰብ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝተኸተበ ከምዘየለ ቤንጃሚን ነጊሩና። እዚ ኣብ ራይክስበርገር ናይ ሓባር መርገጺ'ዩ፣ ብዙሓት ድማ ኣብቶም ነቲ ለበዳ ንምቍጽጻር ዝውሰዱ ስጕምትታት ዝቃወሙ ሰልፊታት ተሳቲፎም እዮም።
"ሎሚ ንነብሶም ዝሓስቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳባውያን ይዅነኑ እዮም" ይብል ቤንጃሚን። "እዞም ሰባት ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ጸገማቶም ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ጸገማት ሕብረተሰብን ፖለቲካን እናሓሰቡ ዝሓድሩ ምዃኖም ሓቂ'ዩ።"
ካብቲ ከባቢ ወጺእና ብመኪና እናተመለስና ከለና፡ ሓደ ነባሪ ኣብ ሸኻኡ ደው ኢሉ ረኺብና።
ብዛዕባ እቶም ነበርቲ እታ ግዝኣተ-ንግስነት እንታይ ከምዝሓስብ ምስ ሓተትኩዎ፡ ተጸዊጉ። ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም ኢሉ። ስለምንታይ ሕጂ’ውን ካብ ጸጋታት ጀርመን ረብሓ ይረኽቡ እዮም። ኰይኑ ግን እቲ ኣዝዩ ዘጨነቖ ብዛዕባ ደቁ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ። "እዚ ነገር ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዎ'ዩ?" ይብል።
ንብዙሕ ዓመታት ራይክስበርገር ቅሩብ ሃገራዊ ላግጺ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ጀርመን ብዕቱብ ክትወስዶም ከምዘለዋ ትፈልጥ ኣላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
