እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም፡ ሸውዓተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም
ኣብ ምብራቓዊ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ምኵራብ 7 ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም፤ ብውሕዱ ተወሳኺ ሰለስተ ሰባት ድማ ቆሲሎም።
እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ ኔቨ ያኮቭ እታ ከተማ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 20፡15 (18፡15 GMT) እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ "ሽበራዊ" ክብል ብምግላጽ፡ "ስጉምቲ ተወሲድዎ" ከምዝኾነ ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ካብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝመፅአ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ ምዃኑ ጸብጺበን።
ኮሚሽነር ፖሊስ እስራኤል፡ ኮቢ ሻብታይ፡ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዘጋጠሙና ዝኸፍኡ መጥቃዕትታት ሓደ" ክብል ገሊጽዎ።
እስራኤላውያን ኣምለኽቲ፡ ብሰንበት ኣብቲ ምኵራብ ንጸሎት ተኣኪቦም ስለዝነበሩ፡ እቲ ዕጡቕ ክወጽኡ ክብሉ እዩ ተኹሲ ከፊቱ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ፖሊስ፡ ብድሕሪኡ ጸጥታ መንግስቲ ብጥይት ከምዝቐተልዎ ይሕብር።
ጉጅለታት ፎረንሲክ፡ በቲ ዕጡቕ እትዝወር ዝነበረት ትመስል ጻዕዳ መኪና ይምርምሩ ኣለዉ።
ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንኢዶም እኳ እንተጫደሩ፡ ሓደ ካብ ኣባላቶም ከምዝፈጸሞ ግን ኣይገለጹን።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምድረበዳ ጋዛን ብሰልፍታትን ምኩልላስ ምግብን ኣኽቢሮምዎ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ናዚ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እዚ መዓልቲ እዚ ነቶም ኣብ ጀርመን ብስርዓት ናዚ ብዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት [ጄኖሳይድ] ዝተቐትሉ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁዳውያንን ካልኦት ግዳያትን ዝዝከርሉ እዩ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ኣብ ትዊተር "ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ናዚ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ግዜ ሻባ ኣብ ምኵራብ ንኣምለኽቲ መጥቃዕቲ ምፍጻም ዘስካሕክሕ እዩ። ምስ እስራኤላውያን ኣዕሩኽትና ደው ኢልና ኣለና" ክብል ጽሒፉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡"ኣመሪካ ነቲ ዘስካሕክሕ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝሓየለ ብርኪ ትኹንኖ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምዝርራብ ኩሉ ዓይነት"ግቡእ መገዲ ደገፍ" ከምዘቕርብ ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሚስተር ናታንያሁ፡ ከምኡ'ውን ኣካታዒ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ናብቲ ቦታ በጺሖም።
ሚስተር ቤን-ግቪር፡ ንጎደናታት እስራኤል ድሕነት ክመልስ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕዚ ከምኡ ከምዘይገበሮ ግን ቁጥዐ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዮላንደ ክነል ገሊጹ። እስራኤል፡ ብሓሙስ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ጀኒን ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ትሽዓተ ፍልስጤማውያን - ዕጡቓትን ሲቪላትን - ካብ ዝሞቱ ንደሓር ወጥሪ ልዑል ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ስዒቡ ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ሮኬት ተተኲሱ፡ እስራኤል ድማ ብመጥቃዕቲ ኣየር ምላሽ ሂባቶ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ የሻቕሎ" ክብል ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
ስቴፈን ዱጃሪክ፡ "እዚ ዝለዓለ ልጓም ክንገብር ዝግበኣና ህሞት'ዩ" ኢሉ። እስራኤል ካብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ 1967 ጀሚራ ንምብራቕ ኢየሩሳሌም ሒዛቶ ኣላ፡ ንብምልእታ እታ ከተማ ድማ ርእሰ ከተማኣ እያ ትቖጽራ፡ እዚ ግን ብመብዛሕትኦም ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይተውሃቦን።
ፍልስጤማውያን፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም መጻኢ ርእሰ ከተማ ናይታ ተስፋ ዝግበረላ ናጻ ሃገር ምዃና ይገልጹ።