እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ ንኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ናጻ-ቪዛ ክትከውን እያ
ኬንያ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመተ-2023፡ ንኵሎም ኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ናጻ-ቪዛ ክትከውን ምዃና ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ገሊጹ።
"ኣብ መንጐና ናይ ቪዛ ገደብ ምህላው ይጐድኣና ከምዘሎ ክንርድኣሉ ዝግባእ ግዜ'ዩ" ክብል ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ገሊጹ።
ዛዕባ ቪዛ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።
ገለ ዞባዊ ስምምዓትን ክልተኣዊ ምድላዋትን'ኳ እንተሃለወ፡ ናብ ዝዀነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዘይ ገደብ ዝግበር ጕዕዞ ግን ከይተጀመረ ድንጒዩ ኣሎ።
ዛጊድ፡ ሲሸልስ፡ ጋምብያን ቤኒንን ጥራይ እየን ብዘይ ቪዛ ንዅሎም ኣፍሪቃውያን ዜጋታት መእተዊ ዝህባ ዘለዋ - ይብል ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ 2022።
ብመሰረት መዐቀኒ 'ኣፍሪቃ-ቪዛ- ኦፕንነስ'፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹ ኣጋይሽ ናይ ምቅላል መስርሕ ምእታወንን፡ ንገለ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ገደብ ንምቍራጽን ገስጋስ ይገብራ ኣለዋ።
ኣብ 2022 ኬንያ ኣብቲ መዐቀኒ ካብ 54 ግዝኣታት መበል 31 ደረጃ ሒዛ ነይራ።
ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ኮንጐ-ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ፡ እዚ - መሰል ገደባት ንንግዲ ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ ገሊጹ።
"ሰባት ብነጻ ክጓዓዙ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን፡ ነጋዶ ክጓዓዙ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን፡ ሰብ ሃብቲ ክጓዓዙ ምስ ዘይክእሉ፡ ኵላትና ከሰርቲ ጥራይ ኢና" ኢሉ።
"እዚ ክብል እደሊ፡ ካብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ናብ ኬንያ ንምምጻእ ቪዛ ክሕዝ ኣይክግደድን" ኣብ ዝበለሉ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዓው ዝበለ ዕልልታን ጨብጨባን ተሰሚዑ።
"ደቅና ኣብ ዶባት ኣውሮጳ ዝዕጸውዎ ከይኣኽሎም፡ ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ዶባት ክዕጸዉ የብሎምን።"
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፡ ንገለ ዓበይቲ ጫካታት ዓለምና ድሕነት ንምሕላው ኣብ ዝዓለመ ዓለማዊ ዋዕላ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፓስፖርት-ኣፍሪቃ ኣብ 2016 ጀሚሩ።
እዚ ናይ ፓስፖርት ሓሳብ ኵሎም ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ብዘይ ቪዛ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ክጓዓዙ ዘኽእል እዩ፡ እንተዀነ ግን ክሳብ ሕጂ ብሰፊሑ ኣይተተግበረን።
እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ስክፍታታት ጸጥታ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ኣብ ዕዳጋታት-ሸቕሊ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ጽልዋን እዩ።
እቲ ናይ ዓሚ ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኵሉ ናይ ቪዛ ገደባት ምቍራጽ ዝኸብድ እንተዀይኑ፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ክውሰዱ ይምዕድ።
እዚኦም ድማ ምጕዳል ክፍሊት፡ ንኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ቪዛ-ምስ በጽሑ ምሃብን፡ ውሑስ ስርዓተ ኢ-ቪዛ ምትግባርን ይርከብዎም።