ፍሉጥ ተጻዋታይ ቴንስ ሮጀር ፈደረር ካብ ውድድር ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉጥ ተጻዋታይ ቴንስ ባይታ ሮጀር ፈደረር: ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብ ውድድራት ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ 20 ግራንድስላም ዝተዓወተ ስዊዘርላንዳዊ ፈደረር፡ ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ወርሒ ዝካየድ ናይ ለንደን ውድድር ከቋርጽ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ'ሎ።
ወዲ 41 ፈደረር፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ውድድር ዊምበልደን (ለንደን) ካብ ውድድር ወጻኢ'ዩ ኮይኑ ጸኒሑ።
"ናይ ኣካላተይ መልእኽቲ ንጹር'ዩ" ዝበለ እቲ ኮኾብ ተጻዋታይ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ውድድር ብምጽንሑ፡ ኣካላቱ ካብዚ ንላዕሊ ክምጠጥ ከምዘይክእል ኣሚቱ።
"ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ 1,500 ውድድራት ተሳቲፈ። ሕጂ ድማ፡ መዓስ ፕሮፈሽናል ውድድራተይ ክቋርጽ ከምዘለኒ ክውስን ኣለኒ" ኢሉ።
ኣብቲ ብትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "ንጸወታ ቴንስ፡ የፍቅረኩም'የ፡ ኣይክገድፈኩምን'ዩ" ክብል ካብቲ ስፓርት ከምዘይርሕቕ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ውድድራት ቴንስ ዓለም፡ እቲ 22 ዓወታት ዝተጓናጸፈ ስጳኛዊ ራፋኤል ናዳልን፡ 21 ዋናጩ ዝዓተረ ሰርቢያዊ ኖቫክ ጃኮቪች ጥራይ'ዮም ንፈደረር ዝሓልፍዎ።
ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ ፕሮፌሽናል ውድድራት ክሳተፍ ዝጀመረ ሮጀር ፈደረር፡ ኣብ 2003 ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ዊምበልደን ፈላሚ ግራንድስላም ተዓዊቱ።
ንመወዳእታ ግዜ ግራንድስላም ዝተዓወተሉ ድማ እቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ኣውስትራልያ ኦፐን እዩ ነይሩ። ወዲ 36 ብምባሩ ድማ፡ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ግራንስላም ዝተዓወተ ተጻዋታይ ምዃኑ ይፍለጥ።
ዝብልዎ ዝጠፍኦም ኣዳለውቲ ናይቲ ፍሉጥ ውድድራት ዊምበልደን "በይን ክንጅምሮ ኢና" ድሕሪ ምባል፡ ንፈደረር ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም።
እቲ ዜና ድሕሪ ምውጽኡ ድሮ ካብ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቴንስን ደገፍቱን፡ ናይ ሞሳን ሓበንን መልእኽትታት ክውሕዝ ጀሚሩ'ሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
