እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ምድራዊ ወራር ምድንጓዩ ንኣመሪካ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

መራሕቲ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ቓዛ ምድራዊ ወራር ክፍጸም ምእዋጁ ንኣመሪካ ዝምችእን ዳርጋ ብኣመሪካ ከም ዝተጸልወን’ዩ።

ቤንያሚን ነታንያሁ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ግዜ ገደብ ኣይገለጸን፤ እንተዀነ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ፡ ከም ዝተናውሐ ፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እንተተኻኢሉ ናታንያሁ ሓማስ ተወሳኺ ጅሆ ክሳብ ዝፈትሕ ክጽበ ከም ዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣመሪካ፡ ኣብ እስራኤል ምስ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ተካይዶ ዘላ ኲናት ዘለዋ መርገጽ ዘመልክት እዩ - እስራኤል ንሓማስ ንምጥፋእ ዘለዋ ቈራጽነት ምሉእ ደገፍ ኣለዋ።

ኣመሪካ ብርግጽ ዝዀነ ዕድል ተጠቒማ ምሩኻት ሓማስ ነጻ ክትገብር ትደሊ’ያ፤ ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ናብ ቓዛ እንተኣትዩ ግን እዚ ዕድል ዘይክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ።

ገለ ኣመሪካውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ጅሆ ዝተታሕዙ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣርባዕተ ድሕሪ ምፍታሖም ካልኦት’ውን ክፍትሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕን ሶርያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን ንፔንታጎን ቀንዲ ዘተሓሳስብ ዘሎ ስርዓት ምክልኻል ናብቲ ቦታ ንምእታው ምጉያይ’ዩ።

እዚ ድማ ወራር ቓዛ ምስ ተጀመረ ናብ ዞባዊ ግጭት ከይብርኽ ዝብል ስክፍታታት ክውስኽ ገይሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ድማ ነቲ ምድንጓይ ንረብሓታታ ትጥቀመሉ ኣላ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድሮ ኣገደስቲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት ካብ ኤምባሲታት ዒራቕን ሊባኖስን ክወጹ ፍቓድ ሂቡ እዩ። ናይዚ ምኽንያት፡ እቲ ምስ እስራኤል ስግረ-ዶባዊ ተዅሲ ሮኬት ክለዋወጥ ዝጸንሐ ሓያል ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ እዩ።

ብተወሳኺ ኣድላዪ ኰይኑ እንተተረኺቡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ብዝሰፍሐ ምውጻእ ናይ ህጹጽ ውጥናት ይዳሎ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባይደን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣመሪካ ኣብ ዝጸዓቐ ዲፕሎማሲ ተጸሚዳ ትርከብ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝሰፍሐ ዞባዊ ምልዕዓል ንምክልኻል፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ኣካይዱ እዩ።

ኲናት ደው ክብል ዝግበር ጻውዒት

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣመሪካ ዝነደፈቶ ውሳነ፡ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ኣቀራርባ ናይቲ ግጭት ብሓጺሩ ዝገልጽ’ዩ።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ሓማስ መቕጻዕቲ ክትፍጽም "ግዴታ" ከም ዘለዋ ምግላጹ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘስዓበቶ ሰብኣዊ ዕንወት ኣነኣኢሱ ከም ዝረ'ኣዮ ዘመልክት እዩ።

ሩስያን ቻይናን፡ እቲ ውሳነ ተዅሲ ደው ክብል ዝጽውዕ ኣይኰነን ብምባል ተቓዊመናኦ’የን።

መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ዓረብ፣ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሊባኖስ፡ ዮርዳኖስ፡ ኢማራትን በዓል መዚ ፍልስጤምን ተዅሲ ደው ክብል ንኽጽዋዕ እየን ዝደልያ።

ብዙሓት ካብኣተን ኣድነቕቲ ሓማስ ኣይኰናን፤ ገሊአን ድማ ክጠፍእ ክደልያ ይኽእላ። እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ዕጽዋን ደብዳብን ግን ንግብረመልሰን እናቐረጸ ይርከብ።

እንተዀነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምቍራጽ ተዅሲ "ንሓማስ ጥራይ እዩ ዝጠቅም" ይብል ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ።

ቃዛ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ከተማ ቓዛ ምሉእ ከባቢታት ኣዕንዩ’ዩ። ልዕሊ 7 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሲሶ ካብኣቶም ህጻናት ከም ዝዀኑ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ባይደን ግን ኣብዞም ኣሃዛት "እምነት የብለይን" ኢሉ።

ከምኡ'ውን ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ማቲው ሚለር፡ እስራኤል "ኣብ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዝተሰረተ ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት" ትሃርም ከምዘላ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ንሲቪላት ውሑስ ዞባታት ክትምስርት ትፍትን ከም ዘላ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብዚ ግን ዝዀነ ምዕባለ ኣይተራእየን። ኣመሪካውያን ግን ብዶብ ግብጺ ኣቢሎም ናብ ቓዛ ንእሽቶ ሓገዝ ከእትዉ ድሕሪ ምኽኣሎም፡ ተመሳሳሊ ዕድል ንምርካብ ይሰርሑ ኣለዉ።

'ከም ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ'

ባይደን ዝመዘዞ ገዲም ዲፕሎማት ደቪድ ሳተርፊልድ፡ ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም ፍልስጤማውያን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ወጻእተኛታት ዜጋታትን ዝወጽሉ መንገዲ ንምምችቻእ ይጽዕር ኣሎ።

እዚ ገና ዝጅምር ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምድሪ ወራር ምስ ተጀመረ እንታይ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኰነን።

ዋሽንግተን ግን ንእስራኤል ኣብ ስትራተጂኣን ሜላኣን ጸቕጢ ክትገብረላ ጸኒሓ እያ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ዕቤትን ጭካነን ናይዚ ልዕሊ 1400 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝተረኣዩ ዝተፈልየ ገይሩ ከም ዝርእዮ ኣነጺሩ’ዩ።

ኣመሪካ ትገብሮ ዘላ ጽዑቕ ንጥፈታት ግን እስራኤል ኣብቲ ኲናት እንተተዓወተት እውን፡ ኣብ ርእይቶ ህዝብን ዞባዊ ወጻኢታትን ክመጽእ ከሎ ግን ብሓፈሻ ክትሰዓር ትኽእል’ያ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ የመልክት።