እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓዶም ካብ ኲናት ዝሃደሙ ሱዳናውያን ኣብ ኢራን ኣርኪቡዎም
ግጭት ኢራንን እስራኤልን እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኢራን ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ደብዳብ ንምህዳም ተስፋ ኣብ ዘቝርጽ ኵነታት ከምዘለው እዩ ዝግለጽ።
ካብዚኦም እቶም ካብ ዓዶም ብሰንኪ ኲናት ሃዲሞም ስራሕን ትምህርትን ክረኽቡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፋሕ ዝበሉ ሱዳናውያን ይርከብዎም። ርይቶታቶም ድማ ኣብ ክልቲኡ ጫፍ ዝረገጸ እዩ።
ሓደ ካብኣቶም ሱዳናዊ ተምሃራይ መካኒካል ኢንጅነሪን ሳልም ማሕሙድ ኰይኑ፡ ንድሕነቱ ሓቀኛ ስሙ ክጥቀም ኣይመረጸን።
'እታ ኢዳ ዘርጊሓ ዝተቐበለትኒ ኢራን ንባዕላ ናብ ኲናት ትኣቱ ኣላ'
ሳልም፡ ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ከተማ እስፍሃን ልዋም ዝመልኦ ድቃስ የስተማቕር ከምዝነበረ ንቢቢሲ ይዛረብ። ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት እታ ከተማ ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ዒላማ ኰይና ኣላ። ለይቲ ሰማያታ ብድምጺ ድሮናትን ሓሓሊፉ ዝስማዕ ፍንጀራታትን ተረቢሹ ከምዘሎ ይዛረብ።
"ሕጂ ክልተ ጾር እዩ ኣብ ዝባነይ ዘሎ፤ ዓደይ - እታ ብኲናት ዝተሓመሰት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን እታ ሓንጐፋይ ኢላ ዝተቐበለትኒ ግን ከኣ ንባዕላ ሓዳስ ዓውደ ውግእ ኰይና ዘላ ኢራን" ይብል።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝመሃር ዘሎ ሳሊም፡ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ብዙሕ ከምዘየሰክፎ ይዛረብ። እንተዀነ እቲ ብቕልጡፍ ዝዓርግ ዘሎ ኵነታት ኣረኣእያኡ ቀይርዎ።
ሳሊም ከም ብዙሓት ሱዳናውያን ኣብ ኢራን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ መሪር ግጭት ካብ ዓዱ እዩ ሃዲሙ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ግጭት ሱዳን ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ፈጢሩ፣ ሚልዮናት ሰባት ኣመዛቢሉን እዩ።
ሳልም ኣብ እስፋሃን፡ "ኣብ መላእ እታ ከተማ ዝተሰምዐ" ከቢድ ፍንጀራ ከም ዝሰምዐ ጠቒሱ፡ ድሒሩ መጥቃዕቲ እስራኤል ንሓደ ስትራተጂያዊ ቦታ ከም ዝሃረመ ተገንዚበ፡ ይብል።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ሳልም ንግዚኡ ናብታ ኣስታት 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካሻን ክግዕዝ ወሲኑ። ይዅን እምበር እዚ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ክኸውን ከምዘይክእል ብምርዳእ፡ ጠቕሊሉ ካብ ኢራን ክወጽእን ናብ ማሌዥያ ግዒዙ ትምህርቱ ክውድእ ከምዝሓስብን ይዛረብ።
ናብታ ብኲናት ዝተረመሰት ሃገሩ ሱዳን ምምላስ ግን ዝሕሰብ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልጽ።
ብዓርቢ 13 ሰነ ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብ እስፋሃን ንወተሃደራዊ ቦታታትን ኒዩክለሳዊ ትካላትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ።
እዚ መጥቃዕትታት ጽዑቕ'ኳ እንተኾነ፡ ሰበስልጣን ኢራን ዛጊት ዝዀነ መደብ ምውጻእ ሰባት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይገለጹን። ይኹን እምበር፡ ሓያለ ሰባት ካብ ከባቢ ወተሃደራዊ ትካላት እናተኣለዩ፡ ናብ ከም ብዓል ካሻንን ያዝድን ዝኣመሰላ ጽምው ዝበላ ከተማታት ብብዝሒ ይግዕዙ ከምዘለዉ ይርአ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ብልኡላዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ዝተመስረተ መንግስቲ ሱዳን ምስ እስራኤል ዝነበሮ ዝምድና ናብ ንቡር ከምዝመለሰ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ግን ብትሪ ኰኒንዎ እዩ። ሱዳን፡ ሃገራዊ ልኡላውነት ብምድጋፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ንዝፍጸም ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምንጻግን ቀጻሊ መርገጺኡ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ሱዳናውያን ኣፍደገኡ ከምዘርሓወ ብምግላጽ ዘድሊ ምስላጥ ከምዝገብረሎም'ውን ኣፍሊጡ እዩ። ኣምባሳደር ሱዳን ኣብታ ሃገር ዓብደልዓዚዝ ሳልሕ፡ ካብቶም ኣብቲ ኤምባሲ ዝተመዝገቡ ኣስታት 200 ሱዳናውያን እቲ ቀዳማይ ጕጅለ ኣስታት 25 ሰባት ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።
ቅርቃር - መንጎ ክልተ ውግኣት
ጠቕላላ ቍጽሪ ሱዳናውያን ኣብ ኢራን ኣስታት ሓደ ሽሕ ከምዝኸውን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተመራማሪን ጋዜጠኛን ዓጥፍ ሓሰን ይሕብር።
ዓጥፍ ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኦም ኣብታ ካብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰባት ዝመጹ ተምሃሮ ፍልስፍና ሕጊ፡ እስላማዊ ኣተሓሳስባ ሺዓ፡ ከምኡ'ውን ቋንቋ ፋርስ ንምጽናዕ መስሕብ ዝዀነት ህብብቲ ማእከል ሃይማኖታት ባህልን ሺዓ ዝኾነት ከተማ ቆም እዮም ዝነብሩ።
ቢቢሲ ንኻልእ ኣንዋር ዝተባህለ ኣብ ኢራን ንሰለስተ ዓመታት ዝተቐመጠን፡ ኣብ ስራሕ ትርጕምን ትምህርትን ንሓደሽቲ መጻእቲ ዝነጥፍ ሱዳናዊ መንእሰይ ኣዘራሪቡ።
ኣንዋር፡ "ዝሓለፈ ሰሙን ኵሉ ነገር ተቐይሩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ቴህራን ሕጂ እንሰምዖ ሳይረን፡ መጠንቀቕታ ደወልን፡ ፍንጀራታትን ጥራይ'ዩ።"
"ኣብ ውሽጢ እታ ንኽረጋጋእ ዕቝባ ዝደለኹላ ሃገር ከምዚ ከጋጥመኒ'ዩ ኢለ ተጸቢየ ኣይፈልጥን" ክብል ኣንዋር ይውስኽ።
እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ምብራቓዊ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ናርማክ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሳይረን ደብዳብ ነፈርቲ ስዒቡ ከቢድ ፍንጀራታት ሰሚዑ።
"ኣብ ዝቐጸሉ ሰዓታት፡ ካልኣይ ማዕበል መጥቃዕቲ እስራኤልን፡ ብዝተፈላለየ እንፈታት ዝተወንጨፈ ምላሽ ሚሳይል ኢራንን ዝምልከት ዜናታት ክዝርጋሕ ጀሚሩ፡" ይብል።
"ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንዓና ወጻእተኛታት ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ፤ ርክባት ሓደ ሓደ ግዜ ይቋረጽ ነይሩ፣ ከቢድ ጻዕቂ ትራፊክ ድማ ነይሩ።"
ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ኣንዋር ናብታ ዝዀነ ወተሃደራዊ መዓስከር ይዅን ትካላት ጸጥታን ዘይብላ ካብ ቴህራን ንምዕራብ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካራጅ ክግዕዝ ወሰነ።
"ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝፈልጦም ኢራናውያን ስድራቤት ንእሽቶ ግዝያዊ ኣፓርታማ ተኻርየ ነይረ፤ ኣመና ሕያዎት፡ ተሓባበርትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን እዮም ነይሮም" ይብል።
"ሕጂ ተረጋጊአ'ኳ እንተለኹ፡ ህይወት ቀሊል ኣይኰነን። እንተወሓደ ግን ሳይረን ወይ ድሮን ከማን ኣይትሰምዕን።"
ኣብታ ርእሰ ከተማ ግን ሰብኣዊ ኵነታት እናኸፍአ እዩ፤ ዘይርጉእ ኣገልግሎት መራኸቢ፡ ጻዕቂ ሆስፒታላትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ይርአ ከምዝነበረ፡ ኣንዋር ይዛረብ።
እዚ ማለት ግን ኵሎም ኣብ ኢራን ዘለዉ ሱዳናውያን ኣብ ጭንቂ ኣለዉ ማለት ኣይኰነን።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ዓሊ ኑር ዝተባህለ ኣብ ቴህራን ዝነብር ካልእ ሱዳናዊ'ውን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ፍሉያት ከባቢታት ዘተኮረ ምዃኑን ንመላእ እታ ከተማ ከምዘይሽፍንን ገሊጹ።
ብዛዕባ ኵነታት ጸጥታ ኢራን ዝቐርብ ጸብጻባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝተጋነነ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ካብታ ሃገር ክወጽእ መደብ የብለይን፡" ይብል።
"ካብ ኢራን ናብታ ብዘስካሕክሕ ኲናት ትሳቐ ዘላ ሱዳን ምምላስ ትርጕም የብሉን" ይብል።