ሶማሊላንድ፡ ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ምርካብ ስለምንታይ እዩ ዘገድሳ?

ሃርጌሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃርጌሳ፡ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ
Published

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ከም ሃገር ተፈላጥነት ክትረክብ ዓርሳ እትመሓደር ሶማሊላንድ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ሰነድ ምርድዳእ ፈላማይ ኣፍልጦ ከም ሃገር ከምዝፈጥረላ ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ሰበስልጣን እታ ርእሰ ምምሕዳር፡ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝረኽብዎ ተቐባልነት፡ በቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግዝኣቶም ዝህብዎ ጠቕሚ ምዃኑ ገሊጾም እዮም።

ኢትዮጵያ፡ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ንግዲ ባሕርን እትረኽበሉ ገማግም ባሕሪ ክትካረ ዘኽእል ስምምዕ ሊዝ ከምዝፈረመት ብምግላጽ፡ ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ከምዝህልዋ ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከም ዝበሎ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፍልጦ ምሃብ ሶማሊላንድ ብዝምልከት፡ ከምቲ ኣብቲ ስምምዕ ዝተገልጸ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ “ብዕቱብ ኣጽኒዑ መርገጺ ክሕዝ'ዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍልጦ ምህብ ብንጹር’ኳ እንተዘይተዛረበ፡ እቲ ጉዳይ ኣብታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማልያ ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩ ኣሎ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ግብጽን ሊግ ዓረብን ንሶማልያ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበር፣

ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ኢጋድን ድማ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክለዝብ ጸዊዖም ኣለዉ።

ኣፍልጦ ምሃብ “ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ እትኽእለሉ እንኮ መገዲ” እዩ

ብመሰረት እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ኢትዮጵያ ብናይ 50 ዓመት ሊዝ፡ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ከም እትረክብ ተገሊጹ እዩ።

እቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ቁጠባ፡ ጸጥታ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘጠቓለለ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዒሳ ካይድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት፡ ጉዳይ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ዝተኣሳሰረ እዩ።

እቲ ሚኒስተር፡ “እዚ ናይ ሓባር ስምምዕ እዩ። ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ክህልዉ እዮም፤ ከምቲ ፕረዚደንትና ዝበሎ ኣፍልጦ ምርካብ ቀዳምነትና እዩ። [ኣፍልጦ] እቲ እንኮ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድ "ናጻ ሃገር" ምዃና ብወግዒ ክትእውጅ ከምዘለዋ’ውን ወሲኹ ገሊጹ እዩ።

ሚኒስተር ዜና ሶማልያ ዳውድ ኣዊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ነዚ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ከም ሓደ፡ “ንድሌትን ፍቓድን ህዝቢ ሶማል ዘይውክል ዘይሕጋዊ መዘክር ምርድዳእ" እያ እትርእዮ ኢሉ።

ሚኒስተር ዳውድ፡ ነዚ ዓይነት ስምምዕ ናይ ምፍራም ስልጣን ዘለዎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሞቓድሾ ጥራይ እዩ ብምባል፡ “ከምዚ ዝበለ ኣህጉራዊ ስምምዕ ብዞባዊ መንግስቲ ምፍራሙ፡ ሕጊ ምጥሓስን ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዝፍጸም ቅሉዕ መጥቃዕትን'ዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት “ን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ሓድነትን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ንምግሃስ ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ፈተነ ኣትሪርና ከምዘይንጻወሮ ንኢትዮጵያ ነጠንቅቕ” ኢሉ።

ኢትዮጵያ “እዚ ገይራቶ ዘላ ዘይሕጋዊ ስጕምቲ” ከምዘይትቕጽሎ ክሳብ ዝረጋገጽ ድማ፡ መንግስቲ ሶማልያ “ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዘድሊ ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ምዃኑ” ኣፍሊጡ።

“እዚ እንተዘይተገይሩ ግዝኣትና ንምክልኻል ድሉዋት ኢና፤ “ኵሎም ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ እዮም ዘለዉ" ክብል እቲ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ። እዚ ይዅን ግን ሶማልያ ምስ ጐረባብታ፡ “ኣብ ዝዀነ ዓይነት ወተሃደራዊ ግጭት ክትኣቱ” ድልውቲ ኣይኮነትን፤ መንግስቲ ሶማልያ እቲ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ንምፍታሕ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ ክብል ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዒሳ ግን፡ ስጕምቲ ሞቓድሾ "ዝዀነ ይዅን ጽልዋ ከምዘይህልዎ" ብምግላጽ፡ እታ ርእሳ እተመሓድር ግዝኣት፡ "ካብ ዝተረፈ ክፋል ሶማልያ ዝተነጸለት" ምዃኑ ኣመልኪቱ።

“[ሶማልያ] ኣብ መርገጺና ጣልቃ ክትኣቱ እትኽእለሉ ሕጋዊ መሰረት የብላን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ይኹን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝበልዎ ዘለዉ፡ ኣብ ልዕሌና ዝዀነ ጽልዋ የብሉን” ክብል መርገጺ መንግስቱ ኣነጺሩ።

ወደብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣፍልጦ ሃገርነትን ሳዕቤናቱን

ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ተሰማሚዓ ዝብል መግለጺ ንመጀመርያ ግዜ ብፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲ እዩ ኣብታ መዘክር ምርድዳእ ዝተፈረመላ ዕለት ዝተሰምዐ።

ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ "ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ልኡላውነት ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር" ምዃና ብምጥቃስ ምስጋናኡ ገሊጹ።

ሶማሊላንድ ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ኣፍልጦ ክትረክብ ክትጽዕር ከም ዝጸንሐት ዝጠቅስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒሳ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ምሃባ ንጻዕሪ ሃርጌሳ ብእወታ ከምዝጸልዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ብዙሓት ሃገራት ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሰገጥ ክብላ ከምዝጸንሓ እውን ኣመልኪቱ።

ሚኒስትር ዒሳ፡ “ኵለን እተን ክሳብ ሕጂ ዝሓተትናየን ሃገራት፡ እንተላይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቀዳመይቲ ሃገር [ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ዝህባ] ክዀና ከምዘይደልያ እየን ክገልጻ ጸኒሐን፣ ግዳ፡ ካልኣይቲ ወይ ሳልሰይቲ ሃገር ክዀና ከም ዝኽእላ እየን ዝነግራና፤ ስለዚ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ሃገር እያ" ብምባል ካልኦት ሃገራት ኣሰራ ክስዕባ ከምዝኽእላ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፡ ንሶማሊላንድ፡ ኣፍሪቃን ካልእ ዓለምን "ኣዝያ ኣገዳሲት ሃገር" እያ ዝብል ሚኒስተር ዒሳ፡ “እዚ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሊግ ዓረብን ሕብረት ኣውሮጳን ኣፍልጦ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪታት ኢትዮጵያ ምሳና ጐስጓስ ኣብ ምግባር ክትሰርሕ እያ” ኢሉ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ደ ዋል ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ምሃባ ካልኦት ሃገራት ክስዕባኣ እየን ዝብል እምነት የብለይን ኢሉ። ኣፍልጦ ምሃብ ሶማሊላንድ ብዝምልከት፡ ምናልባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ቀጻሊ ስጕምቲ እትወስድ ሃገር" ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጹ።

“እንተዀነ ግን እዚ ካልኦት ዝስዕብዎ ስጕምቲ ክኸውን እዩ ኢልካ ብርጉጽ ክዝረብ ኣይከኣልን፤ ብኣንጻሩ ኣብቲ ክልል ቅርሕንቲ ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ክብል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ዕድላትን ስግኣታትን

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሳልሳይ ዲግሪ ዘጽንዕ ዘሎ ኣቶ ነጋራ ጉደት፡ እቲ ስምምዕ ንሶማሊላንድ ዓቢይ ረብሓ ከም ዘምጽኣላ ይገልጽ። “ብዓይኒ ዲፕሎማሲ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ ናይ ምርድዳእ መዘክር፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክረኽቡ ዘኽእሎም’ዩ፡ እዚ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ” ብምባል፡ ኢትዮጵያ ልዑል ወጻኢታት ወደብ ጅቡቲ ከም እትቕንሶ እውን የረድእ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣብ እትረኽቦ 20 ኪሎ ገማግም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከም እትኽእል ከም ዕድል ይቐምጦ። “ሓንቲ ሃገር ብቴክኖሎጂ ዝድገፍ ሓይሊ ኣየር፡ ምድርን ባሕርን ምስ ዝህልዋ እዩ ሓያል ሰራዊት ሃኒጻ ክበሃል ዝከኣል” ብምባል፡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ምህናጽ ዘለዎ ረብሓ የመልክት።

እዚ ይዅን ግን ኣቶ ነግራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝበጽሖ ስምምዕ “ምርቓን መርገም ሒዙ ድማ ይመጽእ” ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ወይ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እንተሃኒጻ፡ እቲ መስርሕ ነተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ስክፍታ ክፈጥረለን ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ፖለቲካዊ ሳይንስ ስክፍታኡ ገሊጹ።

እዚ ስምምዕ ተግባራዊ እንተዀይኑ እቶም ጸላእቲ መንግስቲ ሶማልያ ኰይኖም ዝጸንሑ ጕጅለ ኣልሸባብ ከይተረፈ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ኣንጻር ኢትዮጵያ ክስለፉ ይኽእሉ እዮም፡ ዝብል ኣቶ ነግራ፡ እቲ ስምምዕ ንርክብ ኢትዮጵያ ሶማልያን ክጐድእ ስለዝኽእል ጥንቃቐ ይሓትት ኢሉ።

ኣሌክስ ደ ዋል ነዚ ኣመልኪቱ፡ ካብቲ ስምምዕ ነቒሉ፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ “ሓጺር እዋን” ናብ ወተሃደራዊ ኵነታት ክቕየር ተኽእሎ ከምዘየለ ይገልጽ።

“እቲ ዲፕሎማስያዊ ኣቀራርባ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ኤርትራን ዘለዋ ዝምድና እንታይ ዓይነት ትርጕም ከም ዝህቦ ክርአ'ዩ፡" ብምባል ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ጉዳይ ርግጸኛ ኴንካ ምዝራብ ከምዘይከኣል ኣሌክስ ኣመልኪቱ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣመና ወተሃደራዊ” ኰይኑ “ብቐጻሊ ዝዓጥቕ ዘሎን"፡ ኣካይዳኡ ቅጥዒ ዘይብሉ ምዃኑን ስክፍታ ዝፈጥር እዩ ይብል።

"ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ይዅን ኲናት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ኣብ ዶባት እታ ሃገር እንተ ኣሐይሉ፡ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት ክኽሰት ይኽእል'ዩ” ክብል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ኣሌክስ ደ ዋል፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዘለዋ “ኣሰር ክርአ ይከኣል እዩ” ብምባል፡ ኣቡዳቢ “ኣብ ሶማሊላንድን ወደባን ኣዝያ ተገዳስነት ከምዘለዋ” ይገልጽ።

እቲ ተንታኒ ኣተሓሒዙ፡ “ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠርን ካልኦት ሃገራትን ንጥፈታት ሕቡራት ኢማራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ባብኤል መንደብን ብዓቢ ስክፍታ ይዕዘባኦ ኣለዋ” ብምባል፡ ነዚ ስምምዕ’ዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዝውሰድ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ኣብቲ ዞባ ምትፍናን ከጓሃህር ከምዝኽእል የጠንቅቕ።