ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝተጣሕሰ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ገሊጻ

ኣቡነ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, MAHBERE KIDUSAN FACBOOK

Published

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ብዕርቂ ከም ዝተፈትሐ ምስተገለፀ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ እቲ ስምምዕ መሊሱ ብሓደ ወገን ከም ዝተጣሕሰ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ገሊፆም።

ዋና ኣካያዲ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኣብርሃምን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ጴጥሮስን ዓርቢ 10 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቶም በቲ ዕርቂ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ዝተኣዘዙ ኣቦታት መሊሶም ጥሕሰት ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝበልዎ፡ እቶም ቅድሚ ሕዚ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተፈልዮም ዝነበሩ ኣቦታት፡ መመሊሶም ነቲ ቀኖናን ስምምዕን ብዛዕባ ሽመት ኣመልኪቶም ጥሒሶም ኣለዉ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ኣቡነ ኣብርሃም እቲ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ድሕሪ ክልተ መዓልታት፡ ካብቶም ብስምምዕ ክምለሱ ዝተኣዘዙ ኣቦታት፡ "ኩሉ እቲ ንሰምዖ ነገር፡ ኣእዛን ዘደንጹ፡ ንቤተ ክርስትያን ዝፈላልይ፡ ኣቦታት ዝፈላልይ ነገራት'ዩ" ክብሉ ገሊጾም።

እቶም ውግዘቶም ክለዓል ዝተወሰነሎም ሰለስተ ኣቦታት፡ ኣብቲ ሽመት ዝሃብሉ ዘይተገልጸ ቦታ ዀይኖም፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ መግለጺኦም፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጻረር ሓሳብ ኣንጸባሪቖም ተባሂሉ።

ኣብቲ 'ሓድሽ ሲኖዶስ' ተባሂሉ ዝተጸውዐ መግለጺኦም፡ ሹመት እቶም ብሰለስቲኦም ኣቦታት ዝተመዘዙ ኤጲስ ቆጶሳት ብመሰረት ሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ጠቒሶም።

ነዚ ብዝምልከት ኣቡነ ኣብርሃም ከም ዝበልዎ፡ ካብቲ ክሳብ ሕዚ ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ "ሓድሽ ሲኖዶስ" ዝብል ኣጸዋዋዓ ስም ዝተዋህበ መግለጺ ምዃኑ ጠቒሶም።

እቲ ኩነታት "ካብ ሃይማኖታዊ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣለዎ" ክብሉ'ውን ከሲሶም።

እቶም ነቲ ወጥሪ ዝፈጠረ 25 ጳጳሳት ዝሸሙ ኣቦታት ተቐባልነት ከምዘይረኸቡን ነቲ ሽመት ከምዝተቐበሉን ተገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እታ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣብርሃም፡ "ኣተሓሳስባኦምን ርክቦምን ኣብ ማዕረ ደረጃ ከምዘሎ ካብ ምእዋጅ ብተወሳኺ፡ እቶም 25 ካህናትን ኣገልገልትን ክሳብ ሕጂ ኤጲስ ቀቆጶሳት ከምዝኾነ እዮም ዝኣምኑ" ኢሎም።

መግለጺ እቶም ኣቦታት፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጥሕስ ብምዃኑ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ መግለጺ ክትህበሉ ተገዲዳ።

ኣብ መግለጺኦም፡ ስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተጣሕሰ፡ ኣብ ቅድሚ ሽማግለታትን ሓለፍቲ መንግስትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዝተረግጸ ብምጥቃስ፡ ዝምልከቶ ኣካል "ነቲ ኩነታት ክምልከት ይግባእ” ኢሎም።

ብሲኖዶስ ተወጊዞም ናይ ባዕሎም ሓድሽ "ሲኖዶስ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ዝነበሩ ሰለስተ ጳጳሳት፡ ብመንጎኝነት ኣተዓረቕትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ዕርቂ ወሪዱ ነይሩ።

ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ውሻጣዊ ጸገም ብመሰረት ስርዓትን ቆኖናን እታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተፈትሐ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለዉ ኣቦታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዘጠናኽር፡ ምፍልላይ ዘጥፍእ፡ ኣገልግሎት ዘስፍሕ መንገዲ ክኽተሉ ከም ዝግባእ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታትን ምስ ቋንቋ ብዝተኣሳሰር ዝለዓል ሕቶ ብቤተ ክርስትያን ክምለስ ከም ዘለዎን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ክቕፅል ምዃኑን ተገሊፁ ኣሎ።