ኣመሪካ፡ ንስደተኛታት ካብ ምጥራዝ ክትወሓስ ዝወሰነት ከተማ

ሎስኣንጀሎስ ካብተን ብዝሒ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝርከቡለን ከተመታት ሓንቲ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መረጻ ኣመሪካ ተዓዊቱ ናብ መንበር ክመጽእ ዝቀራረብ ዘሎ ዶናልድ ትራመፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰነድ ዘይብሎም ‘ዘይሕጋዊ’ ስደተኛታት ክወስዶ ዝኣንፈቶ ስጕምቲ ንብዙሐት ጭንቀት ፈጢሩሎም ይርከብ።

ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓዊሱ፡ ብፍላይ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝወርዶም ፖለቲካውን ማሕበረቍጠባውን መድሃኽቲ ክናገፉ ናብታ ከም ምድረ ገነት ትርአ ኣመሪካ ዘቕንዑ ስደተኛታት፡ ገሊኦም ሕጋዊ ሰነድን መንበርን የብሎምን።

እዚ ኰይኑ እናሃለወ እዩ፡ እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኣመሪካ ዝዀነት ሎስ ኣንጀለስ፡ ኣብ ዛዕባ ስደተኛታት ምስ ትራምፕ ክሳብ መወዳእታ ክትፋጠጥ ምዃና ኣፍሊጣ ዘላ።

ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብዚ ሰሙን ምስ ፈደራላዊ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ንዘይምትሕግጋዝን ዘይምትሕብባርን ዝእውጅ፡ "መዕቆቢ ከተማ" ዝብል ድንጋገ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ስርዓተ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ከተማ’ውን፡ ኣብ ተኸታታሊ ህጹጽ ውሳነታት ንነብሱ ከም "መዕቆቢ" ሰነድ ዘይብሎም ተምሃሮ ስደተኛታትን ሕደ-ጾታውያንን ክኸውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ቃለ-መሓላ ዝፍጽም ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመልሰ ሰራዊት እታ ሃገር ኣዋፊሩ፡ ስደተኛታት ብጅምላ ክጥርዝ ይፍክር ኣሎ።

እቲ ዳይረክተር ጉዳይ ስደተኛታት ገይሩ ዝሸሞ ቲም ሆማን፡ እዘን ንስደተኛታት ዋሕስን መዕቆቢን ክዀና ዝወሰና ከተማታት "ካብ መንገዲ ሲኦል ይተኣለያ" ክብል ኣፈራሪሑ።

ንሱ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘውጽኦ ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ብዘይምውልዋል ክትግብራ ክግደዳ ምዃነን ኣተሓሳሲቡ።

"መዕቆቢ ከተማ" ዝብል ቃል ኣብ ኣመሪካ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሱር ዝሰደደ ሰናይ ተግባር ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ኣገላልጻ ድማ፡ ብቐንዱ ፈደራላዊ ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወስድዎም ስጕምታት ምህዳንን ምጥራዝን ዘይቅበላ ምዃነን ዘመልክት እዩ።

ዝተፈላለያ ከተማታት "መዕቆቢ ስደተኛታት" ንምዃን ዝተፈላለየ ኣገባባት እየን ዝጥቀማ።

ከም ፖሊሲታተን፡ ኣብ ሕጊታት ኣስፊርካ ግብራዊ ምግባር፡ ወይ ድማ ብቐሊሉ ኣሰራርሓ ፖሊስ ከባቢ ምቕያር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ 2019 ዝጸደቐ ‘ፈጻሚ ትእዛዝ’ ናብ ሕጊ ከተማ ንምግባር ዝዓለመ ድንጋገ፡ ምምሕዳር ሓንቲ መዕቆቢት ከተማ፡ ምስ ፈደራላዊ ወከልቲ ኢሚግሬሽን ዘይምትሕብባር ዝኣመሰለ፡ ዝዀነ ምምሕዳራዊ መሓውራት ኣብ ረብሓ ከይውዕል ዝኽልክል ምዃኑ፡ ኤንቢሲ ኒውስ ሎስ ኣንጀለስ ኣቃሊሑ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ኒትያ ራማን፡ እቲ ድንጋገ "ፈደራላዊ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ናብ ዝዀነ ማእከላት እታ ከተማ ከይኣትዉ፡ ወይ ድማ ዝዀነ መሓውራት እታ ከተማ ንኣኽበርቲ ኢሚግሬሽን ረብሓ ከይውዕሉ ዝኽልክል'ዩ" ክብል ሲቢኤስ ኒውስ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጐ ሰብመዚ ኢሚግሬሽንን ሰበስልጣንን ትካላትን ከተማን ምልውዋጥ መረዳእታ ከይህሉ ዝኽልክል እዩ።

እቲ ሓድሽ ድንጋገ ብከንቲባ እታ ከተማ ምስተፈረመ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝኽእል ይግመት።

ካልኦት ከተማታት ከ?

ቦስተንን ከተማ ኒውዮርክን ኣብ ዝኣመሰላ ካልኦት ሓያለ ከተማታት ዝርከቡ ሰበስልጣን ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ንምሕጋዝ መሓውራት ውሽጢ ዓዲ ከምዘይምደብ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ትራምፕ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝምረጽ ንደሓር፡ ዓሰርተታት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ተምሃሮአን ከምዘይስጐጉ ንምርግጋጽ፡ ንነብሰን "መዕቆቢ" ወይ "ውሑስ መዕቆቢ" ክዀና ኣዊጀን ኣለዋ።

ኣብ ውሽጢ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ተምሃሮን ስድራቤታትን ዝምልከት ፖሊሲ መዕቆቢ ዳግማይ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ምስ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ብኸመይ ክረዳድኡ ከምዘለዎም ስልጠና ክወሃቦም እውን ይጽውዕ።

ቅድሚ እቲ ውሳነ ምሕላፉ፡ ጋዜጣ ኤል.ኤ.ታይምስ፡"ብፍርሒ ኣይንደሃልን ኢና፤ ክንቃለሰልካ ኢና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መንገዲ።"

እዚ ስጕምቲ ከተማ ሎስኣንጀሎስ ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ሓያል ግጭት ከእትዋ ተኽእሎ ኣሎ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር እዚ ሰፊሕ ጃምላዊ ምስጓግ ክጅምር ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ትራምፕ ዝሸሞ፡ ግዝያዊ ዳይረክተር ኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን ነበር ቶም ሆማን፡ "መዕቆቢ" ከተማታት ምምልካት እቲ ምምሕዳር ዕላማታት ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ካብ ምፍጻም ከምዘይዓግቶ ብተደጋጋሚ ገሊጹ።

ሆማን ብ11 ሕዳር ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ንስደተኛታት ገበነኛታት ካብ ምስጓግ ዝዓግተና የለን" ኢሉ።

"እቲ ስራሕ ምሳኻትኩም ኴንና ወይድማ ብዘይ ብኣኹም ክንሰርሖ ኢና።"

ትራምፕ ብሓቂ ስደተኛታት ክሰጉግ ድዩ?

ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ጃምላዊ ምስጓግ ከካይድ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅን ወተሃደራዊ ጸጋታት ተጠቒሙ “ጃምላዊ መደብ ምስጓግ” ክመርሕን ምዃኑ ንዝጸሓፈ ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ “ሓቂ!!!” ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ንምፍጻም ዝኣተዎ ቃል ብኸመይ ክፍጽም እዩ ዝብል ሕቶታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ ርእይቶ'ዩ።

ንሱ 20 ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምስጓግ ከም ዝጅምር’ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ሓደ ምምሕዳር ኣመሪካ ነዚ ውጥናት ብሕጋዊ መገዲ ከሰጕሞ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ሰበስልጣን ግን ዓበይቲ ሎጂስቲካዊ ብድሆታት ክገጥሞም ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እዋን ትካል ኢሚግሬሽንን ጕምሩክን 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት እዮም ዘለውዎ።

እዚኦም ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምርካብን ንምክትታልን እኹላት ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ይግለጽ።

እዚ መደብ ዓቢ ፋይናንሳዊ ወጻኢታት'ውን ክሓትት’ዩ፤ እንተዀነ ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይዓግቶ ገሊጹ።