እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ዋጋ 10 ቢልዮን ፓውንድ መራኽብ ውግእ ንኖርወይ ክትቅርብ ተሰማሚዓ
ዓባይ ብሪጣንያ ንሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሓደስቲ መራኽብ ውግእ ንምቕራብ ናይ 10 ቢልዮን ፓውንድ ስምምዕ ኣካይዳ።
እቲ ስምምዕ 26 ፍሪጌት ዝዓይነተን መራኽብ ንምቕራብ ኰይኑ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ "ዝዓበየ ሰደድ መራኽብ ኲናት" ክብል ክገልጾ ከሎ፡ ኖርወይ ድማ "ንዓቕሚ ምክልኻል ዘጐልብት ዝዓበየ ወፍሪ" ኢላቶ።
መንግስቲ እቲ ስምምዕ ክሳዕ 2030ታት ኣብ ዘሎ ግዜ ንኣስታት 4000 እንግሊዛውያን ስራሕ ከም ዝፈጥርን ልዕሊ 2000 ካብዚኦም ድማ ኣብቲ እተን ፍሪጌት ዝበሃላ መራኽብ ዝስርሓሉ መደበር 'BAE Systems' Glasgow' ከም ዝዀኑ ይገልጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እቲ ስምምዕ "ዕብየት ዝድርኽን ንዝሰርሑ ሰባት ሃገራዊ ድሕነት ዝሕሉን'ዩ፡" ኢሉ።
"እዚ ዓወት ካብቶም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣሽሓት ሰባት ዝመጽአ ኰይኑ፡ ንዝመጽእ መድረኽ ዓቕሚ ሓይልታትና ዘጐልብት ጥራይ ዘይኰነስ ንዓባይ ብሪጣንያ፡ መሻርኽትና ኖርወይን ኔቶን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ንውሕስነቶም ዝድግፍ እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ስምምዕ ንልዕሊ 400 ትካላት ንግዲ ብሪጣንያ ክድግፍ እውን ትጽቢት ከም ዝግበርን ካብዚኦም እቶም 103 ኣብ ስኮትላንድ ከም ዝርከቡን እቲ ምኒስተር ኣፍሊጡ።
ምኒስተር ምክልኻል ሉክ ፖላርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ስምምዕ መራኽብ ውግእ እንግሊዝ" ከምኡ'ውን "ኣብ ሰራሕተኛታት እንግሊዝን ኢንዱስትሪ ምክልኻል እንግሊዝን ዓቢይ ናይ እምነት መልእኽቲ፡" ክብል ገሊጹዎ።
እዚ ስምምዕ'ዚ ብገለ ኖርወያውን ግን ነቐፌታ ስዒቡዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣካዳሚ ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ካፕቴን ሓይሊ ባሕሪ ቶር ኢቫር ስትሮመን፡ ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ዝፈርያ መራኽብ ካብተን ናይ እንግሊዝ ይበልጻ እየን ኢሉ።
ንሱ ንኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን መራኽብ እንግሊዝ ናይ ቀደምን ድሩት ምክልኻል ኣየር ከም ዘለወንን ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ኖርወይ እተን መራኽብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መራኽብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣመሪካን ኣብ ግምት ኣእትያ ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ትገልጽ። እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ንብሪጣንያን ኢንዱስትሪ ምክልኻላን ኣብ ልዕሊተን መወዳድርታ ካልኦት ሃገራት ዓወት ኰይኑ ይርአ።
እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ብሓባር ዝሰርሓ 13 ጸረ ሳብማሪን ፍሪጌት (ሸሞንተ ብሪጣንያውያን፡ ሓሙሽተ ኖርወያውያን) ዝሓቘፈ ጽምዶ ብሪጣንያን ኖርወይን ክፈጥር'ዩ፣ እዚ ድማ ንሰሜናዊ ሸነኽ ኔቶ ዘደልድል ክኸውን'ዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶረ ምስ ሰር ኬር ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት ተለፎን፡ እቲ ሽርክነት ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንዘሎ ምትሕብባር ምክልኻል ዘሐይል'ዩ ኢሉ።
ስቶረ፡ መንግስቲ ኣብ ውሳነኡ ንምብጻሕ፡ "መን እዩ እቲ ዝበለጸ ስትራተጅያዊ መሻርኽትና፡ መን'ዩኸ ዝበለጻ ፍሪጌት ዝቕርብ?" ዝብሉ ሕቶታት ከም ዝተመልከተን፡ "መልሱ ድማ ኣብ ክልተኡ ዓባይ ብሪጣንያ እያ፡" ኢሉ።
እተን ብሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ዝተዓደጋ ፍሪጌት 26 ዝዓይነተን መራኸብ ምስተን ዓባይ ብሪጣንያ እትጥቀመለን ዘላ ዝመሳሰላ እየን።
ንሳብማሪናት ጸላኢ ንምጽንታው፡ ምክትታልን ምቃዕንን ዝተዳለዋ ኰይነን፡ ካብ 2030 ጀሚረን ድማ ንኖርወይ ክርከባ ክጅምራ ምዃነን ተገሊጹ።
ምኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሂሊ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምስ ኖርወይ ኣብ ብዙሕ መዳያት ምክልኻል ብሓባር ከም ዝሰርሑ ገሊጹ።
ፕላርድ ዝተገብረ ዳግመ-ግምት ኣብ ስትራተጂ ምክልኻል ብምጥቃስ፡ "[ሩስያ] ንጸጥታ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኰነስ ንጸጥታ ኔቶ'ውን ቀንዲ ሓደጋ ምዃና፡" ከም ዝተለለየት ገሊጹ።
ሓደ ምንጪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ውጥን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ሸሞንተ ፍሪጌት 26 መራኽብ ንሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ንምርካብ ምዃኑ ገሊጹ።