ንኣፍቃሪቱ ነበር ከም ኣማኻሪቱ ዝሾመ ኢጣልናዊ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

ቦቺያ ምስ ሚንስተር ሳንጊዩልያኖ

ምንጪ ስእሊ, Gennaro Sangiuliano

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሚኒስተር ባህሊ ኢጣልያ፡ ንኣፍቃሪቱ ነበር ከም ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ክትኸውን ምሻሙ ንሰሙናት ዝቐጸለ ክትዕ ድሕሪ ምፍጣሩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ወዲ 62 ዓመት ጀናሮ ሳንጊዩልያኖ፡ እታ ማርያ ሮዛርያ ቦቺያ ዝተብሃለት ኣፍቃሪቱ ነበር ን"ዓበይቲ ፍጻመታት" ኣማኻሪቱ ኮይና ከምዝተመዘዘት ዝሕብር መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሊንክድኢን ምጥቅዓ ስዒቡ’ዩ መዘራረቢ ኰይኑ ቀንዩ።

ኣብ መጀመርታ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ኳ እንተነበረ፡ ብረቡዕ ግን ምስ መንግስታዊት ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ብንብዓት ዝተሰነየ ቃለ መሕትት፡ ምስ ቦቺያ ዝነበሮ ርክብን ዘይክፈላ ኣማኻሪት ገይሩ ከም ዝቖጸራን ተኣሚኑ።

ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ዝገልጽ ደብዳበ ብዓርቢ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ጆርጅያ ሜሎኒ ከረክብ ከሎ፡ ንዝኾነ ይኹን ሕጊ ሚኒስትሪ ከምዘይጠሓሰ ኣነጺሩ።

ሳንጊዩልያኖ ኣብቲ ብረቡዕ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ንበዓልቲ ቤቱ እውን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ። ኣብ እዋን ሓጋይ ምስ ቦቺያ ዝነበሮ ርክብ ከም ዘቋረጾ’ውን ገሊጹ።

ዕርክነቶም ናብቲ ንሱ ዝበሎ "ስምዒታዊ ዝምድና" ቅድሚ ምስግጋሩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ከተማ ናፖሊ ከምዝተራኸባ ተዛሪቡ።

ቦቺያ ምስ ሚኒስተር ሳንጊዩልያኖ ዝገበረቶ ምሉእ ርክብ፡ ሞባይል ስልካ ከምኡ’ውን ብሜታ ዝተነድፈ ካሜራን ማይክሮፎንን ዘለዎ መነጽር ተጠቒማ ከምዝቀድሓቶ ተገሊጹ’ሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዙሓት ካብቶም ስእልታት ኣብ ኢንስታግራም ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብቲ ብምስጢር ዝቐድሐቶ ምስልታት ግን "ዘይሕጋዊ ነገር" ከምዘየለ ሞጒታ።

ቦቺያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጠቀዓቶም ስእልታት ኣብ ወግዓዊ ዑደታት ሚስተር ሳንጊዩልያኖ እናተኸበት ብዙሕ መገሻታት ምስናዳ ዘርእዩ ብምዃኖም ‘ወጻእታታ ብገንዘብ መንግስቲ ድዩ ተሸፊኑ?’ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ።

እቲ ሚኒስተር፡ ነታ ኣፍቃሪቱ ነበር ዝኸውን ወጻእታት ካብ መንግስታዊ ካዝና ከምዝወጸአ ንዝገልጽ ርእይቶታት ብምንጻግ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ንመንግስታዊት ቴለቪዥን ዝሃቦ መግለጺ ድማ "ሓንቲ ዩሮ'ውን" ኣብ መገሻታታ ከምዘየውጽአ ተዛሪቡ።

ቦቺያን፡ ሳንጊዩልያኖን ምስ ካልኦት ሰበስልጣን

ምንጪ ስእሊ, Gennaro Sangiuliano

ነቐፍቲ ካልእ ዘልዓልዎ ስኽፍታ ቦቺያ ምስጢራዊ ሓበሬታ መንግስቲ ክትረክብ ምኽኣላ ዝጥርጥር እዩ። ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎትን ሰነዳትን ዝቐረበት ብምንባራ ምስጢራት ክትረክብ ከም እትኽእል ይሕብሩ።

እዞም መጻምድቲ ካብ ዝፈላለዩ ንደሓር፡ ጓል 41 ዓመት ቦቺያ ኣብ ልዕሊ ሳንጅዩልያኖ ዋሕዚ ክስታት ብምፍናዋ ብጋዜጣታት ኢጣልያ "እታ በዓልቲ ማሽን ከላሽን" ዝብል ሳጓ ተዋሂብዋ።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ሜሎኒ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ሚኒስተር ባህሊ ስለቲ "ዘይትካእ ስራሑ" ብምምስጋን፤ ጻዕርታቱ "መንግስቲ ኢጣልያ ስግር ዶባት ከይተረፈ ኣብ ባህላዊ ውርሻታት ኣገዳሲ ውጽኢት ክረክብ ከምዘኽኣለ" ሓቢራ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜሎኒ ብረቡዕ ምስ ካቢነ ሚኒስተራት ተራኺባ ኣብ ዘሕለፈትሎም ተሪር መልእኽቲ ሚኒስተራት ኣብ ህዝባዊ ንጥፈታቶም ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲባ።