ጋና፡ ሃይማኖታዊ ሰበኽቲ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ትንቢታት ከይዛረቡ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጋናውያን ትንቢታት ክሰምዑ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኸዱ።
ፖሊስ ጋና ድማ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዝመፅእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍርሒ፣ ጭንቀት ወይ ሞት ከስዕቡ ዝኽእሉ ትንቢታት ከይዛረቡ ኣጠንቂቑ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምስ ዝኣትው ሓድሽ ዓመት 2023 ብዝተሓሓዝ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ ፖሊስ እታ ሃገር፡ ናይ እምነት ናጽነት ንመሰል ካልኦት ዝግህስ ክኸውን ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
ኣብ ጋና መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዝተፈላለየ ትንቢታት ንሰዓብቶም ምዝራብ ልሙድ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ዝዝረቡ ትንቢታት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጭንቀት ከም ዘኸትሉ ፖሊስ ገሊፁ።
ነቲ መጠንቀቕታ ዝተቓወሙ ገለ ሰባት፡ ነቲ ብሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝሕሎ ናጽነት ሃይማኖት ዝጻረር ውሳነ ምዃኑ ብምሕባር ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ነቒፎሞ።
ኣብ ጋና ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ነቲ ብፓስተራት ዝእወጅ ትንቢታት ሓድሽ ዘመን ክሰምዑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት’ዮም ዝውሕዙ።
እቶም ብሰበኽቲ ሃይማኖት ዝዝረቡ ትንቢታት ድማ መብዛሕትኡ ሰናይ ተስፋ ዝህቡን ሕማቕ ነገራት ከም ዝኽሰቱ ዝሕብሩን እዮም።
ፖሊስ ነዚ መምርሒ ኣውፂኡ ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተነበየ ትንቢት ሞትን መዓትን፡ ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ጭንቀት ፈጢሩ ብምንባሩ ከም ዝዀነ ጋናዊ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።
ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትካላት ሃይማኖት "ትንቢታት ብሕጊ ቅቡልነት ብዘለዎ መንገዲ" ብምግላፅ ክተሓባበሩ ጸዊዑ’ሎ።
ጋናዊ ጠበቓ ሳሚ ዳርኮ ግን ነቲ ትእዛዝ ፖሊስ "ዘይሕጋዊ" ክብል ይቃወሞ።
እቲ መጠንቀቕታ "ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ናብ ክትዕ ወይ ትርጉም ንምቕራብ ዝበቅዕ ኣይኰነን። ኣብ ጋና ፖሊስ ትንቢታት ክቆጻጸር ዘኽእሎ ሕጋዊ ስልጣን የለን" ክብል ድማ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ መዓልቲታት፡ ትካላት ሃይማኖት እታ ሃገር ንትንቢት ዝምልከት መልእኽትን ሓበሬታን ዝዝርግሓሉ ከም ዝዀነ መግለፂ ፖሊስ የመልክት።
"ኣብዚ እዋን ሃይማኖታዊ ስርዓታትና ክንፍጽም እንከለና ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕጊ፣ ኣብ ውሑስ ቦታ ከምኡ’ውን መጉዳእቲ፣ ሓደጋ ወይ ሞት ከም ዝኽሰት ካብ ዝገልፁን ጭንቀት ካብ ዘስዕቡን ነገራት ዝረሓቐ ክኸውን ኣለዎ” ይብል መግለጺ ፖሊስ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
