ኣብ እስራኤል ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ቆሲሎም

መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ እስራኤል ከተማ ኢየሩሳሌም ዕጡቓት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ሓንቲ ኣውቶብስን ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ታሪኻዊ ምዕራባዊ መንደቕ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ተኹሲ ከምዝኸፈቱን ሰበስልጣን ህጹጽ ረድኤት ገሊጾም።

ፖሊስ ነቶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝሃደሙ ዕጡቓት ኣብ ምድላይ ከምዝርከብ ተሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻመ ብግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝጥርጠር ተግባር ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ከምዘሎ ኣእንፊቱ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ማገን ዳዊት ኣዶም (ኤምዲኤ)፡ ኣብ ፅንኩር ኩነታት ዝርከቡ ክልተ ሰባት ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ይሕክም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ሰበይትን ናብ ሆስፒታላት ኢየሩሳሌም ከምዝተወስዱ ኤምዲኤ ወሲኹ ገሊፁ።

ነቲ ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ክንደይ ከምዝነበሩ’ኳ ንፁር እንተዘይኮነ፡ ማዕከን ዜና እብራይስጥ ግን ፖሊስ ብውሑዱ ክልተ ጥርጡራት ይደሊ ከምዘሎ ፀብፂባ።

ኣብቲ ቦታ ከቢድ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ፖሊስ ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዘርእይ ኮይኑ፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ድማ ኣምለኽቲ ንሓጺር እዋን ካብ ቀጽሪ ምዕራባዊ መንደቕ ንኸይወጹ ከምዝተኸልከሉ ሓቢረን።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ "ኣባላት ፖሊስ ነቲ ከባቢ ውሑስ ምግባር፣ ነቲ ጉዳይ ምጽራይን ነቶም ዝሃደሙ ጥርጡራት ምድላይን ጀሚሮም ኣለዉ" ኢሉ።

እንተወሓደ ሓደ ዕጡቕ ተሳፈርቲ ኣብ ዝድይቡሉ ዝነበሩ እዋን ተኹሲ ቅድሚ ምኽፋቱ እታ ኣውቶቡስ ደው ክሳብ እትብል ክፅበይ ምፅንሑ ፀብፃብ ታይምስ ኦፍ እስራኤል የመልክት።

መራሒ መኪና ዳኒኤል ካኒየቭስኪ "ኣብ መቓብር ንጉስ ዳዊት ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ደው ምስበልኩ ድሕሪኡ ተኹሲ ሰሚዐ፤ ሰባት ዓውዓው ክብሉ ጀሚሮም፤ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ዝተጎድኡ ሰባት እውን ነይሮም” ክብል ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያየር ላፒድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ "ነቲ ኣሸባሪ ንምሓዝ ይሰርሑ ከምዘለዉ" ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን ሰብ "ኣብ ልዕሊ ሲቪላትና ንዝበፅሐ ጉድኣት ዋጋ ክኸፍል እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ምዕራባዊ መንደቕ [‘ዌስተርን ዎል’] ኣብ እምነት ኣይሁድ ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ቦታታት ኮይኑ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣምለኽቲ ናብኡ ብምኻድ ስርዓተ ፀሎት የካይዱ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ 44 ሰባት ካብ ዝቕተሉ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ኣብ ዝመልአ እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።