ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ እንታይ'ዩ? ብኸመይ ከ ተሰሪዙ

Published

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ 2003 ካብ ቤት ማእሰርቲ ሚስራታ ሊብያ፡ ናብቲ ዝነበሩሉ ሮማ፡ ኢጣልያ ስልኪ ተደወለሎም። እቲ ዝደወለ ሰብ፡ ኣብ ጋዜጣ ሬዳቶረ ሶሻለ ዝጽሕፍ ዝነበረ ጸኒሑ ፍስትረስ ኢሩፕ እትብል ናይ ገዛእ ርእሱ ብሎግ ዝፈጠረ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ጋብርኤለ ዴል ግራንደ እዩ።

ጋብርኤለ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እናተጓዕዘ፡ ጸገማት ስደተኛታት ዝጽሕፍን ኣህጉራዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዝጣበቕን ስሙይ ጋዜጠኛ እዩ።

“ኣብ ሊብያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ’ሞ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል?” ክብል ነቶም ኣቐዲሙ ቃለመጠይቕ ዝገበረሎም ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሕቶ ኣቕረበሎም።

በታ ጻውዒት ስልኪን ሕቶን፡ ኣባ ሙሴ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያን መገዲ ባሕርን ንዝተጸገሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር)ን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ማልታን ጽኑዕ ርክብ ፈጢሮም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ስደተኛታት ክሕግዙ ጀሚሮም።

“ጭንቂ ናይቶም ካብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸገም ኣጋጢምዎም ዝድውሉ ስደተኛታት ኣሕዋት ካብ ምስማዕ ንላዕሊ ዘቐንዙ የለን። ከም ካህንን ሰዓብ ክርስቶስን ከኣ ሞያውን ሕልናውን ሓላፍነተይ ክፍጽም ተጊሀ ብዓቕመይ ሰሪሐ” ይብሉ ነቲ ብቐጻሊ ዝሰምዑዎ ክሳብ ሕጂ ዘየዕረፈ ናይ ርድኡና ጻውዒት ብምዝካር።

ኣባ ሙሴ፡ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ናይ ታሪኽን ኦሬንታል ትምህርቲን ተማሂሩ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ 'ለልዮ ባሶ ፋውንደሽን' ብጋዜጠኛነት ዝሰልጠነ ፍሉጥ ተጣባቒ ስደተኛታት ጋብሪኤል ደል ግራንደን፡ ምስ ካልኦት ግዱሳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምትሕብባር ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ንኽረክብ ብዝከኣሎም ጽዒሮም።

ኣብ 2003 ነቶም ድሕነተን ብዘይተሓለዋ ጀላቡ ፕላስቲክን ዕንጸይትን ብማእከላይ ባሕሪ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ቍጽሪ ተሌፎኖም ንዝኾነ ተጸጊመን ተወጺዐን ዝብል ወገን ንኽድውለሎም ዝወፈዩ ኣባ ሙሴ፡ ረድኤት ናይ ዝደልዩ ኣሽሓት ጻውዒት ስልኪ ተቐቢሎም ሓጊዞም። ኣብ 2015 ከኣ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ንሽልማት ኖበል ተረቚሖም።

“ሓደ ግዜ” ይብሉ ኣባ ሙሴ፡ ኣብ 2009 -2010 ኣብ ሓደ እዋን መንግስቲ ጥልያን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንጻር ዓለማዊ ሕጊ ንሊብያ ስለዝመለሶም፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት ኰይኖም ነቲ መንግስቲ ከሲሶም፡ እቶም ብግፍዒ ዝተመልሱ 14 ኤርትራውያንን 14 ሶማላውያንን ንነፍሲ ወከፎም 15 (ዓሰርተ ሓሙሽተ) ሽሕ ዩሮ ካሕሳ ከምዝኽፈሎም ገይሮም።

ካልእ እዋን'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ባሕሪ ንሊብያ ተመሊሶም ናብ እስራኤል ንዝቐጸሉ ሽዱሽተ ስደተኛታት ብምጥባቕ፡ ንመንግስቲ ጥልያን ከሲሶም ብሕጊ ናብ ጥልያን ንኽኣትው ሓጊዞም።

እንተኾነ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ በዝሐን ኣብ ኢጣልያ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ናይ የማን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ ስልጣን ምስ መጽኡን፡ እቶም ክሳብ ሕጸ ሽልማት ኖበል ዝበጽሑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምስጢራዊ ርክብ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጠራ ቴሌፎኖም ንዓመት መመላእታ ኣብ ትሕቲ ምስጢራዊ ምክትታል መንግስቲ ጥልያን ኣተወ።

ድሕሪ ዓመት ከኣ መንግስቲ ጥልያን ምስ ስደተኛታት ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ጥርጣረ ስለዘሕደረ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረ ብወግዒ ተሓበሮም። 

እቲ ሽዑ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ መንግስቲ፡ ዝኾና ስደተኛታት ዝሓዛ መራኽብ ኣብ ወደባት ጥልያን ንኸይጽጋዓን ከይራገፋን ዝኣወጀሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኣባሙሴ ቅድሚ ሽዑ ንዝቐርበሎም ዝነበረ ናይ ርድኡና ጻውዒት፡ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያንን ማልታን ብስልክን ኢመይልን ይሕብርዎም ስለዝነበሩ፡ ነቶም መርመርቲ ኵሉ ሰነዳቶም ብምቕራብ ተሓባቢሮምዎም እዮም።

“እቲ ጥርጠራን መርመራን ኣብ ጋዜጣታት ከይተረፈ ምስ ወጽአ፡ ዝገብሮን ዝሰርሖን ስለዝፈልጥ ምንም ኣይተሰመዓንን። እኳ ደኣ ብመገዲ ጠበቓታተይ እቶም መርመርቲ ብዛዕባይ ክፈልጥዎን ክሓቱንን ዝደልዩ ነገራት ንኽተሓባበር ብለወንታ ፍቓደኛ ኰይነ ኵሉ ሰነዳተይ ብምቕራብ ብዝከኣለኒ ተሓባቢረዮም እየ” ይብሉ ኣባ ሙሴ ነቲ ዝነበረ ኵነታት እንክገልጹ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ መርመራ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ እቲ ክምርመር ዝጸንሐ ክሲ ከምዘብቀዐን ምንም ዘኽስስ ነገር ከምዘይተረኽበን ብምግላጽ ነጻ ምዃኖም ብወግዒ ሓቢርዎም።

ኣባ ሙሴ፡ እቲ “ነጻ ኢኹም” ዝብል መልእኽቲ ምስበጽሖም “ምናልባት ግዜ ይበልዕ ይኸውን እምበር ውዒሉ ሓዲሩ ፍትሒ ከም ዝምስክር ጥርጠራ ኣይነበረንን” ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ መን እዮም?

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብ1975 ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዘርኣይ ዮሴፍን ወላዲቶም ወይዘሮ ስላስ ሃይለን ኣብ ገጀረት ከተማ ኣስመራ ተወሊዶም ዓብዮም። ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ከኣ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካምቦንን እድገትን፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣማኑኤል፡ ላዕለዋይ ደረጃ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንታኣናን ተማሂሮም ብልዑል ነጥቢ ትምህርቶም ዛዚሞም።

ኣብ 1990፡ ከተማ ባጽዕ ብስርሒት ፈንቅል ኣብ ከበባ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ኢጣልያ ናብ ዝነብር ዝነበረ ወላዲኦም ከይዶም ትምህርቶም ንኽቕጽሉ መስርሕ ቪዛ ንከሳልጡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከዱ። ቅሩብ ግዜ'ኳ እንተበልዐ ጉዳዮም ሰሊጡዎም ብ1992 ናብ ኢጣልያ ኣተው።

እንተዀነ እቶም ምስ ሓንቲ ዓባይ ኢጣልያዊት ኩባንታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ወላዲኦም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ናይጀርያ ገይሾም ስለዝጸንሑ፡ ኣብ ኣስመራ ዝተላለይዎ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቐቢሎም ሕቶ ዑቕባኦም ንኸሳልጡ ተሓባበርዎም።

ኣባ ሙሴን መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኢጣልያን

ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበሩ፡ ቤት ፍርዲ ጥልያን “ውሕስነት ክወሃቦ ኣለዎ” ስለ ዝበለ፡ መንበሪ ፍቓድ ቀልጢፉ ሰለጦም። ኣብ ኣስመራ እንከለው ቋንቋ ጥልያን ይፈልጡን ይመልኩን ስለዝነበሩ ከኣ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሖም ኣብ ከተማ ሮማ ፍረታት ንዝሸጡ ዕድመ ንዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን ኢጣልያውያን ብምሕጋዝ ስራሕ ጀሚሮም ነብሶም ክኢሎም።

ሕቶ ዑቕባኦም ከሳልጡ እንከለው፡ ምስ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኢጣልያን ምስ ብዙሓት ዑቕባ ዝሓቱ ዝነበሩ ስደተኛታትን ተላልዮም። ብዝነበሮም ምልከት ቋንቋ ጥልያን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቶም ንስደተኛታትን ዝሕግዙ ዝነበሩ ፒተር ጄምስ ቦን ዝተባህሉ ስኮትላንዳዊ ካህን ኰይኖም ጸገም ቋንቋ ንዝነበሮም ስደተኛታት ብወለንታ ክተሓጋገዙ ጀሚሮም። ካብ ሽዑ ኣትሖዞም ከኣ ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ብዛዕባ መሰልን ግዴታን ስደተኛታት እኹል ኣፍልጦ ደለቡ።

ኣባ ሙሴን መገዲ ክህነትን

ካብ ንእስነቶም ካህን ናይ ምዃን ድላይ ዝነበሮም ኣባ ሙሴ፡ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮኑ ኣብቲ ዘምልኽሉ ዝነበሩ ቤተ-ክርስትያን ካህን ንምዃን ትምህርቲ ክህነት ክመሃሩ ክውሰድ ዝነበሮ ፈተና ወሲዶም ሕቶ ኣቕሪቦም።

እንተኾነ፡ ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበሩ ናይ ወለዲ ፍቓድ ምስ ተሓተቱ ንስደት ካብ ዝኸዱ ወለዶም ሕድሪ ተቐቢላ እተዕብዮም ዝነበረት ዓባዮም “ኣቦኻ ከፍቅደልካ ኣለዎ” ስለ ዝበላኦም ኣይሰለጦምን።

ወላዲኦም ኣቶ ዘርኣይ ዮሴፍ፡ ኣብ ኢጣልያ ማህደረ ትምህርቲ ረኺቦም ብኢንጀሪንግ ተመሪቘም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ክሰርሑ  ድሕሪ ምጽናሕ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ንጥልያን ተሰዲዶም ነበሩ። ኣብዚ ሕቶ ክህነት ምስ ተሓተቱ፡ “ወዲ 18 ዓመት በጺሕካ ባዕልኻ ክሳብ ትውስን ኣየፍቅድን እየ” ስለዝበሉ ሓሳቦም ኣይሰመረን።

ወለዶም በቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ንስደት ስለ ዘምርሑ ምስ ኣደ ኣቦኦም፡ ምስ ዓባዮም እዮም ዓብዮም። ወላዲቶም ወይዘሮ ስላስ፡ ካብ ሱዳን ናብ ስዑድያ ተሰዲደን ብ1981 ደቀን ክርእያ ንዓዲ ምስ ተመልሳ፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ሳልስቲ ኣብ ኣስመራ ዓሪፈን።

ዳሕራይ ግን ከምቲ ኣቦኦም “ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልካ ትውስን ዝበልዎም” ዓለማዊ ናብራ ምስ ገምገሙን ብህይወት ስደት ምስ ተመኰሩን፡ ነቲ ካብ ንእስነቶም ዝበሃግዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ፡ ስካሊብሪንያን ፋዘርስ ምስ ዝተባህሉ ንስደተኛታት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ካቶሊካውያን ኣሕዋት ትምህርቲ ክህነት ጀሚሮም።

እቲ ዝተማህርሉ ማሕበር፡ ኣብ 1800 ዓመተ ምሕረት ኣቢሉ፡ ኢጣልያውያን ፈቐዶ ኣህጉር ዓለም ክስደዱ ምስ ጀመሩ፡ ስካላብሪኒ ዝበሃሉ ኣብ ቢያቸንሳ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣቡን፡ ነቶም ስደተኛታት ኣኣብ ዝዓለቡሉ ሃገር እናኸዱ ኣገልግሎት ዝህቡ ካህናት ንምምልማል ዘቘምዎ ማሕበር እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ 1970ታት እቲ ስደትን ፍልሰትን ስለ ዝቐጸለ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እቲ ማሕበር ንዅሉ ስደተኛ ምእንቲ ኸገልግል ነቲ ዕማም ደፊኣትሉ።

ኣባ ሙሴ ኣብ ቢያቸንሳ ንሰለስተ ዓመት ፍልስፍና፡ ኣብ ሮማ ንሓሙሽተ ዓመት ቲዮሎጂ ምስ ተማህሩ፡ ብ2010 መዓርግ ክህነት ለቢሶም ኣብ 14 ከተማታት ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊክ ስደተኛታት፡ ንሽዱሽተ ዓመት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ሂቦም። ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ሮማ ኢጣልያ ተመሊሶም ኣገልግሎቶም ይቕጽሉ ኣለው።