ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመጥቃዕቲ ሑቲ ዝፍጠር ዘሎ ምትዕንቓፍ ዝቕባበ ከየስዕብ ኣስጊኡ

መርከብ ጽዕነት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

Published

ኣብቲ ወሳኒ መስመር ንግዲ ዝዀነ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ምኽባር ዋጋ ኣቝሑ ከስዕብ ከምዝኽእል ፍሉጥ ምሁር ስነቊጠባ ኣጠንቂቑ።

ምትዕንቓፍ ጽዕነት ከምቲ ኣብ እዋን ኮቪድ ዝነበሮ ከምዘይኰነ ዝገልጽ ምሁር ስነቊጠባ መሓመድ ኢልኢርያን፡ ዋጋ ኣቝሑ ክውስኽን ቊጠባዊ ዕብየት ክንክን ከምዝኽእል ግን የጠንቅቕ።

ብዙሓት መራኽብ ንግዲ ብዘንኪ እቲ ዕጡቓት ሑቲ የመን ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝገብራኦ ጕዕዞ ደው ኣቢለን ኣለዋ።

ነቲ እቶም ዕጡቓት ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ኣመሪካን ዩኬን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕዝቶታት እቶም ተዋጋእቲ ደብዳባት ኣካይደን።

ፕረዚደንት ኮሌጅ ኲንስን ኣማኻሪ ቊጠባን ዶ/ር ኢልኢርያን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ “ምስቲ እቶም ጸገማት እንተዘየጋጥሙ ዝህሉ እንክነጻጸር፡ ዝለዓለ ዝቕባበ፡ ዝለዓለ ወለድ ልቓሕን ትሑት ቊጠባዊ ዕብየትን ክንርኢ ኢና” ኢሉ።

እንተዀነ እቲ ጽልዋ ምስቲ ኣብ 2021ን 2022ን ዝተርኣየ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝዀነ እዩ እቲ ምሁር ዝዛረብ።

“እቲ ጉድኣት ከምቲ ምሕማቑ ኣይክኸውንን።”

ካብ 12 ክሳብ 15 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም፡ በቲ ብወገን ኣፍሪቃ ንኤርትራን ጂቡቲን ዝፈሊ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣቢሉ ብቐይሕ ባሕሪ ይመሓላለፍ።

ብኢራን ዝድገፉ ተዋጋእቲ ሑቲ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተጀመረ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ጀሚሮም።

ዋላኳ ምዕራባውያን ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እንተፈተኑ፡ ሑቲ ነታ ትማሊ ብሚሳይል ዝወቕዕዋ መርከብ ኣሜሪካ ሓዊሱ መጥቃዕቶም ቀጺሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ወነንቲ መራኽብ፡ ጕዕዞ መስመሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ ብምቕያር፡ እዚ መስመር ካብ ሲንጋፖር ናብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ 12 መዓልቲታት ወሲኹ ኣሎ።

ካብ ሲንጋፖር ናብ ምብራቓዊ ሜዲተራንያን ኣብ ዝግበር ጕዕዞ ድማ ክሳብ 18 መዓልቲታት ከምዝውስኽ፡ ዓርሞሸሽ ትካል መራኽብ ሃፓግ-ሎይድ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋጋ ዝውስኸሉ መጠን ዝገልጽ ዝቕባበ፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ካብ ዝነበሮ 11.1 ሚእታዊት ኣብ ሕዳር ናብ 3.9 ወሪዱ ነይሩ።

ሩስያ ምስ ዩክረይን ዘካይዳኦ ዘለዋ ኲናት፡ ዋጋ ነዳድን ምግብን ክውስኽ ገይሩ።

ኤስ ኤን ፒ ዝተባህለ ትካል ንግዲ ከምዝሕብሮ፡ ናብ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ዝኣቱ ንብረት እቲ 15 ሚእታዊት ካብ እስያ ወሽመጥን ብባሕሪ ኣቢሉ ዝኣቱ እዩ። እዚ 21.5 ሚእታዊት ዝተጻረየ ነዳድን 13 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳድን ዘጠቓልል እዩ።

ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ምስፈጸማ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንበርሚል ናብ 80 ዶላር ክድይብ እንከሎ ብሰኑይ ድማ ናብ 77.75 ዶላር ወሪዱ ውዒሉ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠሙ ቅልውላዋት "ብምኽንያት ትሕት ዝበለ ጠለብን ልዑል ፍርያትን” ኣብ ዋጋ ነዳዲ ልዑል ወሰኽ ከምዘይተርኣየ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ነዳዲ ፓንሙር ጐርደን ዝዀነ ኣሽሊ ከልቲ ይዛረብ።

ሓደ ምኽንያት ቻይና ኵሎም እገዳታት ምስ ኣልዓለት ጠለብ ነዳዲ ክውስኽ እዩ ዝብል ትጽቢት ምንባሩ ዝገልጽ እቲ ዳይረክተር፡ “ቻይና ግና በቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ደረጃ ኣይሓወየትን” ኢሉ።

ቀይሕ ባሕሪ ቀንዲ መስመር መተሓላለፊ ፈሳሲ ባህሪያዊ ጋዝ (ኤልኤንጂ) ዝጸዓና መራኽብ እውን እዩ።

ቀንዲ ለኣኺ ባህሪያዊ ጋዝ ዝዀነ ቐጠር ኢነርጂ፡ ብመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ዝሓልፉ መራኽቡ ደው ከምዘበለ ብሰኑይ ዝወጹ ሰብጻባት ሓቢሮም። ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ሓሙሽተ መራኽብ ደው ክብላ ከምዝተገበራ ብሉምበርግ ጸብጺቡ።

ብኻልእ ገጽ፡ ፋብሪካታት ቻይና ብምኽንያት ኣብ 10 ለካቲት ዝኽበር ሓድሽ ዓመት ቻይና ኣብ ዝዕጸዋሉ፡ ኣብ ቀረብ ንብረት ዕዳጋ ዓለም ዓቢይ ሕጽረት ከጋጥም ከምዝኽእል ይግመት።

ቀረብ ዕዳጋ ዓለም ምድኻም ከምዘርኣ ዝገልጽ ዶ/ር ኢልኢርያን፡ እዚ ድማ “ዝቕባበ ናይ ምውሳኽ ዕድሉ ካብቲ ዝነበሮ ዝዓበየ ምዃኑ” ከምዘመልክት ይጠቅስ።

ካብ 21 ታሕሳስ ጀሚሩ ብቀይሕ ባሕሪ ጕዕዞ ደው ዘበለ ትካል መራኽብ ንግዲ ሃፓግ-ሎይድ፡ እቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊልካ ዝግበር ጕዕዞ ተወሳኺ ነዳዲ ሚልዮን ዶላራት ከውጽኡ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጡ።