ስነኣእምሮኣዊ ምዝባዕ ክልተ ጫፍ ስምዒታት

ኢለኒ ምስጋናው

ምንጪ ስእሊ, ELENI

Published

ኢለኒ ኣብ 10ታት ዕድሚኣ ባሕሪ ሰጊራ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ንኽትመሃር ዕድል ረኺባ።

ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ኣኮኣ፡ ካብ ስድራቤቱ ሓደ ወሲዱ ከምህር ከምዝደሊ ምስ ተዛረበ፡ ኢለኒ ተመሪጻ።

ዘመድ ኣዝማድ ብሃንቀውታ ዝተፀበይዎ ዘሐጕስ ዕድል እዩ ነይሩ።

"ምስ ከድኩ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ኣይወሰድኩን። ገና ቘልዓ ስለ ዝነበርኩ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ህዝቢ ፈረንሳይኛ ስለዝዛረብ ፈለማ ከቢድ እዩ ነይሩ" ትብል ነቲ ኵነታት ክትዝክር እንከላ።

ኣብኡ ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂራ።

ኢለኒ ንሳን ስድራቤታን ጽኑዓት ሃይማኖተኛታት ከምዝዀኑ እያ ትገልጽ።

ብኣገላልጻኣ፡ "ዓቃባውያን" ዝበሃሉ ዓይነት ስድራ እዮም።

ኣኮኣ ወጻእተኛ ተመርዕዩ ሓዳር ዝመስረተ ስለዝነበረን፡ ኢኣማኒ [ኤቲስት] ስለዝዀነን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢለኒ ዝወርድ ጸቕጢ ኣጋዲድዎ እዩ።

እዚ ባህላዊ ጥሕሰት ኣእምሮ ኢለኒ ምጻር ዝሰኣኖ ከቢድ ጾር ኰነ። በቲ ሓደ ሸነኽ ትምህርቲ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ ባህላዊ ፍልልያት ሓያሎ ጸቕጢ ፈጢሩላ።

ኵሉ ተደማሚሩ ድማ ንሕማም ስለዘቃልዓ፡ ሆስፒታል ኣተወት።

ድሕሪ ሰለሰተ ወርሒ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ፣ ኣደኣ’ውን ተጸዊዓ መጽኣታ።

ገና ጐርዞ ጓል 18ን 19ን ከላ ብስነኣእምሮኣዊ ምዝባዕ ክልተ-ጫፍ ስምዒታት 'ባይፖላር ዲስኦርደር' ከም ዝሓመመት ፈለጠት።

ኵነታታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትጸንሕን ትምህርታ ኽትቅጽልን ኣየኽኣላን፤ ምስ ኣደኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከኣ ግድን ነበረ።

ብድሕሪኡ ትምህርታ ኣቋሪጻ ንሓደ ዓመት ሕክምናዊ ክትትል እናገበረት ጸንሐት።

"ኣብቲ ግዜ ንወጻኢ ሃገር ክትከይድ ዕድል ምርካብ ሎተሪ ከም ምዕዋት እዩ ዝርአ ነይሩ። ነዚ ዕድል እዚ ረኺበ፡ ግን ከኣ ናይ ኣእምሮ ሕምምቲ ኮይነ ክምለስ እንከለኹ እቲ ዝስምዓኒ ጸቕጢ ቀሊል ኣይነበረን። ንዓይ ይዅን ንስድራ ቤተይ ዓቢይ ፀገም ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ፡" ትብል።

ንሳ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ሰባት'ውን ሓሳብ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ኣባላት ስድራቤታ 'እዚ ኣጋጣሚ እዚ እንተ ዝወሃበኒ ነይሩ' ክብሉ ትሰምዕ።

ወፃኢ ሃገር ናይ ምኻድ ዕድል ረኺባ ከም ዘይተጠቐመትሉ ተገይራ ክትረአ እንከላ ነቲ ጸቕጢ መሊሱ ኣጋዲድዎ።

"መድሃኒት ንሓደ ዓመት ክሳዕ ዝለምድን ክሳዕ ዝሃድእን ካብ ቤት ትምህርቲ ርሒቐ ነይረ።"

ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ፣ ማትሪክ ወሲዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውጽኢት ረኺባ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝነበራ ጻንሒት እውን ላዕልን ታሕትን ዝበዝሖ እዩ ነይሩ።

ፈተና ኣብ ዝህልወሉ እዋናት ጭንቀት ስለዝብርትዓ ትወስዶ ዝነበረት መድሃኒት ይልወጠላ ነይሩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ድቃስ ይኣብያ፣ ሕጽረት መድሓኒት ኣጋጢሙ መድሃኒት እንተ ተለዊጡላ ኸኣ እቲ ሕማም ከም እንደገና ይልዓል።

ብምኽሪ ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ብስድራ ቤታ ከምኡ’ውን በቲ እትወስዶ ዝነበረት መድሃኒት ተሓጊዛ ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ወዲኣ።

"ኣብ ባንክ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ጸኒሐ ግን ሞያ ፋይናንስ ጻውዒተይ ከምዘይኮነ ምስፈለጥኩ ሶሲዮሎጂ ተማሂረ ሞያይ ቀይረ። "

ከምኡ እናበለት ከኣ ነቲ ሕማም ለሚዳቶ።

ባይፖላር ዲስኦርደር ምልውዋጥ ስምዒት እዩ ።

ምንጪ ስእሊ, ELENI

ኣብ ክልተ ጫፍ ስምዒታት ምዝባዕ - ባይፖላር ዲስኦርደር እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባይፖላር ዲስኦርደር ምልውዋጥ ስምዒታት እዩ።

እቲ ሕማም ክልተ ጫፋት ዘለዎ ኰይኑ እቲ ሓደ ሕሉፍ ጭንቀት (depression) እቲ ኻልኣይ ከኣ ሕሉፍ ሓጐስ እዩ።

እዚ ሕማም እዚ ዘለዎ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ መንጐ ክልተ ጫፍ ስምዒታት ኣቓልቦኡ ይስረቕ። ጭንቀት ክጸዓኖ እንከሎ ካብኡ ንኽወጽእ መድሃኒት ይወሃቦ።

ካብቲ ናይ ሓቂ ዓለም ምእንቲ ከይባተኽ ከኣ ካልእ መድሃኒት'ውን ሓዊስካ ከም ዝወስድ ይግበር።

ኢለኒ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕውስዋስ መድሃኒት ከም ትወስድ እያ እትገልጽ።

ሓደ ኣብ ጭንቀት (depression) ዘሎ ሰብ ንነገራት ብኣሉታዊ ሸነኽ ጥራይ ምርኣይ፣ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ዘይምኽኣል፡ ዓቕሚን ድቃስን ምስኣን፣ ሸውሃት ዘይምህላው፣ ዓቕሚ እንተሃለዎ’ውን ምንቅስቓስ ዘይምኽኣል ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ።

እቲ ካልኣይ 'ተርባጽ' ወይ ከኣ (manic) ዝበሃል እዩ።

ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ሓያል ሓይሊ ኣለዎ። ኣይድቅስን እዩ።

ዝተጋነነ ዓቢይ ርእሰ-ተኣማንነት ይህልዎ።

ኢለኒ "ንርእሰይ ካብ ፈጣሪ ፍሉይ መዝነት እተዋህቦ ሰብ ገይረ እየ ዝርእያ። ብዙሕ ሓጐስ ይስምዓኒ። ምስ ሰብ ክዘራረብን ክመያየጥን ዓቕሚ ኣለኒ፡" ትብል።

ካልእ ግዜ ክትሰርሖ ዘይትደፍር ነገር ሽዑ ከምትሰርሖን ገንዘብ ከምተባኽንን ትገልጽ።

"ኵሉ ግዜ ንዅሉ ሰብ ምሃብ እዩ። . . .ርቡጽ ሓጐስ ምስ ረኸብኩ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ናብ ስንጭሮ ጭንቀት ዝኣተኹ ኰይኑ ይስምዓኒ።"

ኣብ ሓደ ክልተ ስምዒታዊ መዳይ ዝጠሓለ ሰብ ዝወሃቡ ሕውስዋስ መድሃኒት ጠባዮም ንኸተዓራርዩ ይሕግዞም እዩ።

ኢለኒ ናብ ጭንቀት ክትኣቱ ከላ ስራሕ ምስራሕ ዘይእምኽኣልን ኣትኵሮ ምስኣንን የፀግማ ከምዝነበረ ትዛረብ።

ካብ ስምዒታ ንኽትላቐቕ ዘኽእላ መድሃኒት ጥራይ ዘይኰነስ ምኽሪ ሰብ ሞያ ሕክምና'ውን ንኽትሃድእ ከም ዝሕግዛ ትገልጽ።

መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

መንቀሊ እዚ ምዝባዕ ስምዒታት እንታይ ከምዝኾነ ዛጊት ኣይተረጋገጸን።

ኰይኑ ግን፡ ኣብ ኣባላት ስድራ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ እንተሃልዩ፡ እቶም ካልኦት ኣባላት'ውን በዚ ሕማም ክጥቅዑ ዘሎ ዕድል ልዑል ከምዝዀን ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልጹ።

ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘጋጥም፡ ዕድመኦም ልዕል ምስበለ ክኸውን እንከሎ፡ ከም ኢለኒ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዘጋጥሞም'ውን ኣለዉ።

ጠንቂ ናይዚ ኣብ ንእስነት ዘጋጥም ተርእዮ'ዚ ሕማም፡ ሰባት ሃንደበት መስመር ሂወቶም ክቕየር እንከሎ፣ ካብ ስድራ ቤት ምርሓቕ ከምኡ’ውን ካብ ትፈትዎ ሰብ ምፍልላይ ወይ ትፈትዎ ሰብ ክመውት እንከሎ ክኸውን ይኽእል።

ምልክታት ምዝባዕ ክልተ ጫፍ ስምዒታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

‘እቶም ምልክታት ለሚደዮም እየ’

ኢለኒ ከምእትብሎ ምዝባዕ ስምዒታት ዘለዎ ሰብ ዘርእዮም ምልክታት ክልተ ጫፋት እዩ። ምስቲ ሕማም ነዊሕ ስለዝጸንሐት ነቶም ምልክታት ኣቐዲማ ክትፈልጦም ከምትኽእል ትዛረብ።

"ናብ ጭንቀት ዝኣቱ ክመስለኒ ከሎ ጽቡቕ ገይረ እድቅስ። ሽዑ ንሽዑ ስምዒተይ ይለዋወጥ። ካልእ ግዜ ንዘሐጉሰኒ ነገር ሽዑ ስምዒት ኣይህልወንን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክስማዓኒ እንከሎ ናብ ጭንቀት ይኣቱ ከምዘለኹ ይርድኣኒ።”

ንሳ ጥራይ ዘይኮነትስ ስድራ ቤታ’ውን ነቶም ምልክታት ክርእዩ ከለዉ መድሃኒት ምውሳዳን ዘይምውሳዳን ይሓትዋ እዮም።

“ንእሽተይ ስምዒት ለውጢ ከርኢ እንከለኹ እቶም መድሃኒታት ስምዒተይ ከስተኻኽል ይሕግዙኒ” ትብል።

“እቲ ካልእ ጫፍ ስምዒት ከኣ ከይደቀስኩ እንተተሪፈ፡ ኣእምሮይ ብጣዕሚ ንቝሕ ይኸውን፣ ካልእ ግዜ ዘይደፍሮ ሰብ ብድፍረት ከዛርብ እንተጀሚረ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ካልእ ግዜ ዘይገብሮ ነገር እንተገይረ፡ ብህፁፅ ናብ ሕክምና እየ ዝኸይድ።”

እዚ ሕማም ካብ ዝዀነ ይዅን ንላዕሊ ርእስኻ ምግታእን ርእስኻ ምግሳጽን ዝሓትት ከምዝዀነ ኢለኒ ትገልፅ።

"ህድእ ዝበለ ሂወት ንምምራሕ ምትዕርራይ ይሓትት እዩ" ትብል። ብዙሕ ሓጐስ ኣብ ዘለዎ ወይ እቲ ስምዒት ኣብ ዘለዓዕል ቦታ ክጸንሕ ኣይግብኣንን እዩ።"

"ናብ ዝያዳ ሓጐስ ዝኸይድ እንተሃልየ፡ ከቋርፆ ዘለኒ ርክባት ማሕበረሰብ ኣለዉ ማለት እዩ። ርእሰይ ክገትእ ኣለኒ፡" ትብል።

ዝተሓዋወሰ መድሓኒት

ኢለኒ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስራሕን ኣቓልቦ ምግባርን ከም ዝኣበያ ትዝክር። ሽዑ ነቲ ጭንቀት ዝቕንስ መድሃኒት ተዋሂብዋ።

"ነዚ መድሃኒት እዚ ብግቡእ እንተ ዘይተቘፃፂርናዮ ናብ ዘይተደልየን ብዙሕ ሓጐስ ናይ ምውሳድ ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ንእኡ ዝገትእ መድሃኒት ብሓባር ክወስድ ኣለኒ።"

“ብተወሳኺ ሙድ ስታቢላይዘር [ስምዒት ዘረጋግእ] እውን ይወስድ” ትብል።

እዞም መድሃኒታት ብሓደ ግዜ ምውሳድ ከም ዝኸብድን ሓደ ሓደ ግዜ ኣየናይ መድሃኒት ክትወስድ ከምዘለዋን ምፍላይ ከምዝሓትት ኢለኒ ትገልጽ።

ዝሰማምዓ መድሃኒት ክሳብ ትረክብ ካልእ ምፍታን ከምዘሎ'ውን ትሕብር።

ሓገዝ ስድራ ቤት

ኢለኒ ሕማማ ክለዓላ እንከሎ ስድራ ቤታ ኣብ ጐድና ከምዝዀኑ ትገልጽ።

ብፍላይ ምስተመርዓወት ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ከምዘይሓመመት ትዛረብ።

ስድራ ቤታ ምልውዋጥ ስምዒት ክህልዋ ከሎ ስለዝፈለጡ ሕክምና ንኽትረክብ ወይ መድሃኒት ንኽትወስድ የዘኻኸርዋ እዮም።

ሓደሓደ ግዜ ብፍላይ ሕሙማት ኣብ ዘይክውንነታዊ ስምዒታት ክኣትዉ እንከለዉ፡ ድምጺ ወይ ብሕታዊ ዝርርብ ክህሉ ስለዝኽእል ነዚ ፈልዩ ዝርዳእ እቲ ስድራ ቤት እዩ።

ጭንቀት እንተዀይኑ እቲ ዝሓመመ ሰብ ባዕሉ ክፈልጦ ይኽእል እዩ።

ሓደ ባይፖላር ዲስኦርደር ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ብዘይ ቈየቛ ሰላም ዘለዎ ህይወት ክነብር ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

"ብዙሕ ተጠቒመ እየ፣ ድሕሪ ምምርዓወይ ከኣ ንሰለስተ ዓመት ብዘይ ዝዀነ ምልክት እየ ዝነብር ዘለኹ" ክትብል ደገፍ ስድራ ቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ።

ካልኦት ንምሕጋዝ ዝመስረተቶ ማሕበር

ኢለኒ ንሓያሎ ዓመታት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ድሕሪ ምርካባ፡ ማሕበር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና መስሪታ እያ።

እዚ ማሕበር፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብስሩዕ ኣባልነት ዝመዝገበ እዩ።

ስድራቤታት ሕሙማት ከኣ ናይ ክብሪ ኣባል ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትገልጽ።

እቶም ኣባላት በብ 15 መዓልቲ ቀዳም-ቀዳም እናተራኸቡ ተመኵሮ ይለዋወጡ።

እቲ ዘተ ምስ መድሃኒት ብዘይ ፀገም፡ ምስ ስድራቤት ብዘይ ብድሆታት፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ብዘይ ዕንቅፋት ክካየድ ይኽእል።

ኣብ ህይወቶም ተመሳሳሊ ተመኵሮ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጸገማት ጥዕናን እቲ ዝሰገርዎ ኣሳልጦን ብዝምልከት ይዛተዩ።

ብዛዕባ'ዚ ሕማም ንሓኪምን ንስድራ ቤትን ምንጋር ከፍርሕ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ጥዕና ንዘለዎም ሰባት ምዝርራብ ግን ዓቢይ ዕረፍቲ ከምዘምፅእ ኢለኒ ትገልፅ።

ንሳ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ካብ ሕብረተሰብን ስድራቤትን ዝመጽእ ኣድልዎ ከምዝኾነ፡ እዚ ድማ ናብ ሕክምና ንምኻድ ጸገም ከምዝፈጥርን ተብርህ። ነዚ ኣድልዎን ምግላልን ጥሒሱ ናብቲ ማሕበር ዝመጽእ ሰብ ውሑድ ከምዝዀነ ድማ ትዛረብ።