ፖርቱጋል: ብደገፍ ሕክምና ዝፍጸም ርእሰ-ቅትለት ዝፈቅድ ሕጊ ከተጽድቕ ትጽቢት ይግበር

ተቓውሞ ብሓገዝ ቅትለት ነብሲ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

Published

ፓርላማ ፖርቱጋል ኣብ ውሱናት ኩነታት ብሕክምናዊ ሓገዝ ርእሰ-ቅትለት ዘፍቅድ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ንዓበይቲ ሰባት ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ድሌት "እዋናውን ተደጋጋምን፡ ዕቱብ፡ ነጻን ፍቓድ ዝተገልጸሉን" ምስ ዝኸውን ጥራይ'ዩ ዝፍቀድ ።

እቲ ሰብ "ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ስቓይ፡ ሕሉፍ ሳዕቤን ዘለዎ ጉድኣት ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ፡ ወይ ከቢድን ዘይፍወስን ሕማም ዘለዎ" ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት ጥራይ ምስ ዝተወሰነ ሕግታት ዝመሳሰል እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ቅዳሕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮሚቴ ጸዲቑ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ሓያል ክትዓት ዝተገብረሉ'ዩ ነይሩ።

ብኣባላት ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ'ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።

ኣብታ ብብዝሒ ኣመንቲ ካቶሊክ ዝነብሩላ ሃገር ብግምት ፍርቂ ካብቶም መረጽቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ነብሰ ቅትለት ምፍቃድ ዝድግፉ ከምዝኾኑ ርእይቶታት መረጻ ይሕብሩ። ቤተክርስትያን ካቶሊክ ግን ኣትሪራ ከም ትቃወሞ ይንገር።

ሰልፊ ማሕበርነታዊ ዲሞክራስያዊ፡ መስርሕ ሓጋጊ ኣካል ደው ክብልን ረፈረንደም ክካየድን ዝቐረቦ ጻውዒት ድሕሪ ምንጻጉ'ዩ ሎሚ ዓርቢ ንዝግበር ናይ መወዳእታ ውሳነ መንገዲ ጸሪጉ ዘሎ።

ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝፍቀድ ነብሰ ቅትለት (ዩተናዥያ) ንምፍቃድ ዝዓለመ እማመታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2020 ዝቐረበ ኮይኑ፡ ፖርቱጋል ነዚ ዝፈቐደት ራብዐይቲ ሃገር ኣውሮጳ ክትከውን ከምእትኽእል ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ይኹን እምበር ዓቃባዊ ፕረዚደንት ፖርቱጋል ማርሴሎ ረቤሎ ደ ሶሳ፡ ኣብ ሕጋውነት ገለ ክፋል ናይቲ ሕጊ ሕቶታት ብምልዓል ናብ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ልኢኽዎ።

ብድሕሪኡ እቲ ባይቶ ነቲ ተቓውሞታት ብዘማልእ መልክዕ ነቲ እማመ ዳግማይ ኣመሓይሽዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ክሕገግ ናብቲ ፕረዚደንት ምስ ተላእኸ ግን፡ እቶም ንዘይሓውዩ ኩነታት ዝገልጹ ዓንቀጻት ዝጋጨውን መብርሂ ዘድልዮምን እዮም ብዝብል ምኽንያት መሊሱ ዓጊትዎ።ኣብቲ እዋን'ቲ ግን ነቲ ቤት ፍርዲ ከየሳተፈ፡ ንዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ተጠቒሙ እዩ ክዓግቶ ክኢሉ።

እቲ መስርሕ ዝያዳ ተጓቲቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተመሓየሸ እማመ እውን ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ተጠቒሙ፤ ድሕሪኡ ነቲ ባይቶ ኣፍሪሱ ብኣግኡ ሓፈሻዊ መረጻ ክካየድ ጸዊዑ።

እዚ፡ እቲ መስርሕ ምሕጋግ ዩተናዥያ ዳግማይ ካብ ባዶ ክጅምር ኣለዎ ማለት'ኳ እንተኾነ፡ እቲ መረጻ ግን ንሶሻሊስት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶንዮ ኮስታ ንመጀመርታ ግዜ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣኽኢልዎ እዩ።

እቲ ንመትከል ብደገፍ ሕክምና ዝካየድ ነብሰ ቅትለት ብትሪ ዝድግፍ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስቲ ዝሓለፈ ኣዝዩ ዝመሳሰል ሓድሽ እማመ ከዳልው ጀሚሩ፣ ዋላ'ኳ ካብቲ ሕቶ ዝቐረበሉን ኣብቲ ሰብ ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም ዝተገብረሉን እዋን ጀሚሩ እንተወሓደ ናይ ኽልተ ኣዋርሕ ግዜ ዝጠልብ ረቓሒታት እንተተወሰኸ።

ብዙሓት ኣባላት ተቓወምቲ እውን ነቲ ምምሕያሽ ስለ ዝድግፉ፡ ብቐሊሉ ክጸድቕ ተኽእሎ ኣሎ።

ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፡ እዚ ሓድሽ እማመ ስለዝኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት መሊሱ ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ክጥቀም ይኽእል'ዩ፡ እዚ ዝፍጠር ግን ኣይመስልን።

ብመሰረት ሕጊ እንግሊዝ፡ ዩተናዥያ ዘይሕጋዊ ኮይኑ ከም ቅትለት ሰብ እዩ ዝቑጸር።

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ - ቤልጅየም፡ ሉክሰምበርግን ሆላንድን - ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ሕጋዊ ኮይኑ ይርከብ።

ዝተፈላለየ ዓይነት ብደገፍ ሕክምና ዝግበር ሞትን ኣብቶም ሃለዋቶም ዘይፈልጡ ዝካየድ ዩተናዥያ (ንኣብነት ዝወሃቦም ሕክምናዊ ደገፍ ብምስሓብ) ግን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ሕጋዊ ከምዝኾነ ይፍለጥ።