እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ግዝኣት ቴክሳስ ንዘውጸአቶ ተሪር ሕጊ ኣንጻር ሰደተኛታት ኣጊዱ
ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ግዝኣት ቴክሳስ ንዘውጸአቶ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ተሪር ሕጊ ኣንጻር ስደተኛታት ኣጊድዎ፡፡
እታ ግዝኣት ዘውጸኣቶ ሕጊ፡ ሰብመዚ ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዩ ዝበልዎ ስደተኛ ክኣስሩን ክቐጽዑን ዘፍቅድ እዩ፡፡ ዛጊት ፌደራል መንግስቲ ኣመሪካ ጥራሕ እዩ እዚ ሓላፍነት ዘለዎ፡፡
እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኣብያተ ፍርዲ ክመላለስ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰሉስ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ተግባራዊ ኮይኑ ነይሩ፡፡
ረቡዕ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ እዩ፡፡
እቲ 'ኤስቢ4' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕጊ ካብ 5 መጋቢት ጀሚሩ ኣብታ ግዝኣት ተግባራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ግን ስደተኛታት ናይ ምእሳር ሓላፍነት ኣብ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ክጸንሕ ኣለዎ ብምባል ተቓዊምዎ፡፡
ቁጽሪ ብደቡባዊ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ እዋን መሪሕነት ጆ ባይደን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝለዓለ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ ቀንዲ ሻቕሎት መረትጽቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡
እቲ ጉዳይ ግዝኣት ቴክሳስ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዋስና ዶብ ተሪር ስጉምቲ ክትወስድ ደፊእዋ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ነዚ ሕጊ እንተኣጽዲቕዎ ድማ ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካ ክስዕባ ተኽእሎ ኣሎ፡፡
ነቲ ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ስደተኛታት ብምባል ዝተቓወመቶ ሜክሲኮ፡ ብሰብመዚ ቴክሳስ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ገሊጻ፡፡
ቅድም ክብል ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ፡ ሕጊ ስደተኛታት ብሓድሕድ ግዝኣታት ዘይኮነስ ብመንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ክፍጸም ዝወሰና ኮይነን፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ እንተጸዲቑ ግና ኣብ ኣፈጻጽማ ሕጊ ስደተኛታት ዓብዪ ለውጢ ክህሉ እዩ፡፡
ዘይሕጋዊ ምቁራጽ ዶብ ኣመሪካ ብፌደራል ዝረአ ገበን ኮይኑ፡ እቶም ጥሕሰታት ግና ብልሙድ ኣብ ስርዓት ቤት ፍርዲ ስደተኛታት ከም ሲቪላዊ ገበን እዮም ዝዳነዩ፡፡
በቲ ሓድሽ ሕጊ ኤስ4፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ቴክሳስ ምእታውን ደጊምካ ንምእታው ምፍታንን ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ የቕጽዕ፡፡
ኣብቲ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ኮይኑለን ዝነበራ ሰዓታት ዝተኣሰረ ስደተኛ እንተሃልዩ ግን ኣይተፈለጠን፡፡
መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ሕጊ ሓድሕድ ግዝኣት ናይ ባዕለን ሕጊ ከውጽኣ ዝደፋፍእ እዩ ብዝብል እዩ ኣጊድዎ፡፡