ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ፕረዚደንት ምዃን ዝበቕዐ ወተሃደራዊ መራሒ ማዳጋስካር መን እዩ?

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ጐደናታት ማዳጋስካር ብዛዕባ ኮሎነል ማይክል ራንድሪያኒሪና እንተ ትሓቱ ዝፈልጦ ሰብ ንምርካብ ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ግን ኣብታ ሃገር እቲ ዝሓየለ ሰብ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ ኣሎ።

ንሱ፡ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝርከብ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ካፕሳት ኰይኑ፡ ምስ ሰራዊቱ ብመኪና ናብ ማእከል ርእሰ-ኸተማ እታ ከተማ ብምእታው፡ ምስቶም ንነዊሕ እዋን ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልቡ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ተጸንቢሩ።

ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆሊና ኣብ መወዳእታ ካብታ ከተማ ሃዲሙ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምድማጾም፡ ወዲ 51 ዓመት ራንድርያኒሪና ኣብ ቅድሚ እቲ ባዶ ዝነበረ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ደው ኢሉ፡ ካፕሳት ስልጣን ይሕዝ ከም ዘሎ ንማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢሩ።

እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሎሚ'ውን መራሒ ከም ዝዀነ'ኳ ይገልጽ እንተሎ፡ ቤትፍርዲ ግን ንራንድርያኒሪና ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ኣዊጁ'ሎ።

ራንድርያኒሪና ብ1974 ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣንድሮይ ኣብ እትርከብ ቍሸት ሰቮሂፖቲ ከም ዝተወልደ ድሕረ ባይታኡ ይገልጽ።

ድሒሩ ኣመሓዳሪ ኣንድሮይ ኰይኑ፡ ካብ 2016ን ክሳዕ 2018ን ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ነበር ሄሪ ራጃኦናሪምምፒያኒና ኣገልጊሉ።

ራንድርያኒሪና ኣብ ከተማ ቶልያራ ሓላፊ ቦጦሎኒ ኣጋር ሰራዊት ብምዃን ክሳብ 2022 መሪሑ።

ናይቲ ኣብ 2009 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘን ኣብ 2013 ድማ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ፡ ድሕሪኡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት መረጻ ብምዕዋቱ ዝተመልሰ ብዓል ሃብቲ ራጆሊና ነቓፊ እዩ ነይሩ።

ራንድርያኒሪና ናዕቢ ኣለዓዒሉን ዕልዋ መንግስቲ መሪሑን ተባሂሉ ስለ ዝተኸሰሰ፡ ኣብ ሕዳር 2023 ብዘይ ፍርዲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ።

ተምሃሮ፡ ብጾቱ ወተሃደራትን ፖለቲከኛታትን ካብቶም ራንድርያኒሪና ብዘይፍትሓዊ ፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሩ ኢሎም ዝተማጐቱ ኰይኖም፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ለካቲት ተፈቲሑ።

ራንድርያኒሪና ብሰሉስ ንማዳጋስካር ክቈጻጸር ምዃኑ ቅድሚ ምግላጹ ተራ "ኣገልጋሊ" ህዝቢ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኮሎነል ጽኑዕ ክርስትያን ምዃኑ እውን ይፍለጥ። ማላጋሲያዊ ጋዜጠኛ ሪቮናላ ራዛፊሰን፡ "ምቕሉል ግን ከኣ ተሪር፡ ትኽ ዝበለን ሃገራውን" ክብል ይገልጾ።

ንሕቶታት ቢቢሲ ብፈረንሳኛ ክምልስ ኣማራጺ ምስ ተዋህቦ፡ ራንድሪያኒሪና፡ "ንምንታይ ብቛንቋይ ክምልስ ዘይክእል?" ንልሳን መግዛእቲ ከቃብጥር ከም ዘይደሊ ወሲኹ ገሊጹ።

መራሒ ካፕሳት ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀዳምነቱ፡ "ማሕበራዊ ድሕነት" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ኣብታ ብግምት 75 ምኢታዊት ሰባት ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብሩላ ሃገር ተኣፋፊ ጉዳይ እዩ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅድሚ መረጻ ምክያዱ ኣብ ጐድኒ ስቪላዊ መንግስቲ ኰይኑ ክሳብ ክልተ ዓመት ክመርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

"ምስ ዝሓለፈ ኵነታት ክንባተኽ ቃል ኣቲና ኣለና፡" ዝበለ ንሱ፡ ነቲ ሱር ጠንቂ ተቓውሞታት ጀን ዜድ - ብሰንኪ ቀጻሊ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክን ማይን ዘሎ ቍጥዐ - ንምግጣም ቃል ኣትዩ።