ዘገርም ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ብኸመይ ንፈረንጂ ተዋሂቡ ጸኒሑ?

ምንጪ ስእሊ, DM
ሓደ ንኣፍሪቃውያን ከሐብን ዝግብኦ ዛንታ እንተሎ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ከይኰነ ኣይተርፍን።
እቲ ሓተታ ብትሕዝትኡ ዓሚቝ፡ ብፍልስፍንኡ መስተንክር፡ ብመጐታዊ ትንተናኡ ድማ ቅድሚ ግዜኡ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ብምዃኑ፡ ንዓበይቲ ጸሓፍትን ፍላስፋታትን ዘዛረበ ሓተታ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ይዅን'ምበር፡ ብገለ-ገለ ፈረንጂ ተመራመርቲ ህዝቢ ሓበሻ ከምኡ ዘኣመሰለ ዓቕሚ ኰነ ኣፍልጦ ሃልዩዎም ነቲ ሓተታ'ዚ ከቕርቡ ኣይክእሉን ካብ ዝብል መጐተ፡ ቅቡልነት'ቲ ሓተታ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣተወ።
እዚ ብዛዕብኡ ዘዘንቱ ሓድሽ መጽሓፍ ግን ነቲ ምጕት'ቲ መዕለቢ ገይርሉ ኣሎ።
እቲ ብ1668 ብቛንቋ ግዕዝ ዝተጻሕፈ ድርሳን ብዛዕባ ፈጣርን ፍጥረቱን ዘዘንቱ ፍላስፋዊ ጽሑፍ ኰይኑ፡ ብዓይነቱን ጽባቐኡን ቈላሕታ ምሁራን ወጻእተኛታት ዝሰሓበ ግን ብዙሕ ከኣ ዘካትዐን ንተቐባልነቱ ዘማትአን ከም ዝነበረ'ዩ ዝዝንቶ።
እቲ ዝተረፈ ሓተታ ድማ ብብጻይን ተመሃራይን ዘርኣ-ያዕቆም ዝነበሩ - ወልደህይወት - ተመምዩን ኣብ መደምደምታ ከም ዝበጽሐን ሰነዳት ታሪኽ ይገልጹ።
ወልደህይወት ብዘቕረብዎ ጽሑፍ መሰረት ድማ ዘርኣ-ያዕቆብ ኣብ ጥቓ ኣኽሱም ብ1599/1600 ከም ዝተወልዱን ብ1693 ከኣ ዕድመ ጸጊቦም ከም ዝሞቱን'ዩ ዝገልጽ።
ዛንታ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ልክዕ ከም'ቶም ብፈረንጂ ዝቐርቡ ሓተታታት ክኸውን ኣይክእልን፣ ምኽንያቱ ድማ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ዞባና ዝነበረ ምዕባለ ስነጽሑፍ ምስ ናይ ኤውሮጳውያን ምዕባለ ክነጻጸር ዝኽእል ስለ ዘይነበረ።
ርግጽ'ዩ፡ ህዝብና ብናትና ኣካይዳ ዘገም ኢሉ ስለ ዝጐዓዝ፡ ኣብ ዝዛሕተለን ዝደኸየን ኵነታት ኰይኑ ይመላለስ ከም ዝነበረ ሓተታ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኰነን።
እዚ ማለት፡ ጸብጻባትና ዝተዳቐቐ ዝርዝር ዝጐደሎ፣ ብሰንኪ ጕድለተ ትምህርቲ፡ መሳርሕን መሳለጥያን ከኣ ይድሕር ከም ዝነበረ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ እቶም ፈረንጂ ዝነበሮም ሓለፋታት ከም ዘይነበሮ እንርድኦ ሓቂ'ዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጸላም'ዩ ዝነብር ካብ ዝብል ኣድልዎ ዘንጸላልዎ ትዕቢት ዝተበገሰ ምጕት፡ "ህዝብና ክጽሕፍ ኣይክእልን'ዩ፣ ከምኦም'ውን፡ ክመራመርን ኣይክእልን'ዩ" ኢልካ ፍርድኻ ዝወሃቦ ኣይኰነን።
እምበኣርከስ ንዘርአ-ያዕቆብ ነቲ ብግዕዝ ዘበርከትዎ ሓተታ እቲ ኣድልዎ'ቲ ፊት-ንፊት ስለ ዝገጠሞም ፈረንጂ ንምቕባሉ ኣሸገሮም። መጐትኦም ድማ ኣብ ክንዳኦም ኰይኑ ሓደ ፈረንጂ'ዩ ጽሒፉዎ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ ከኣ ዓሰለ።
እቲ ብዛዕባ'ቲ ሓተታ ዝቐረበ ሓዲስ መጽሓፍ ኣብ ኢድና ምስ በጽሐ ንሕብረተሰብና ዘገድስን ዝጠቅምን ንሞራልና ድማ ዝድርኽ ኰይኑ ረኸብናዮ። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ድፍረት ጸሓፍቲ ገለ ወፃእተኛታት ገደብ ከም ዘይብሉ ቅድመ-ፍርዲ ክንርዳእ ከኣልና።
ቍልቍል ዝኣፉ፡ ዘርአ-ያዕቆብ ከምቲ ዝቐረበ ሓተታ ንከቕርቡ ብቕዓት ኣይነበሮምን፡ ብስሞም ካልእ ፈረንጂ'ዩ ጽሒፉዎ ዝብል ክትዕ ምንባብ ምስ ነብስኻ ዘባእስን ማር-ማር ዘብል ስምዒት ዝፈጥር'ዩ ምባል'ውን ምግናን ኣይኰነን።
ከም ዕድል ከኣ፡ ሓንቲ ኣብ ጀርመን (ሃይድልበርግ) እትነብር ልዋም ተስፋልደት ኣብርሃ ዝተባህለት ኤርትራዊት፡ በቲ ጕዳይ ተገዲሳ ኣብ ሃምቡርግ-ዩኒቨርሲቲ (ጀርመን) ዝነበረትሉ እዋን ናይ ባዕላ ድርሳን ዘቕረበት ሰብ ክንረክብ ከኣልና።
ልዋም ብ2007 ብቛንቋ ጀርመን ዘቕረበቶ ድርሳን፡ እቲ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ብሓደ ቀሺ ጣልያን (ጅዩስቶ ደ-ኡርቢኖ) ዘይኰነስ ብዘርኣ-ያዕቆብ'ዩ ተጻሒፉ ኢላ ዝተኻትዐት ተመራማሪት'ያ።
እቶም ክትዓት ዘካይዱ ዝነበሩ ተመራመርቲ ኣብ ክልተ ተገሚዖም ፍርቆም እቲ ሓተታ ናይ ዘርአ-ያዕቆብ'ዩ ዝብሉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣይናቶምን ዝብሉ ነበሩ።
እቲ ልዋም ዘቕረበቶ፡ "ታሪኽ ኣቀባብላ ሓተታ ዘርኣ-ያዕቆብን ወልደህወትን" - እቶም ፍሉያት ስራሓት እቲኦም ብኸመይ ተቐባልነት ንኽረኽቡ ዝሓለፍዎ መሰናኽላት ዝገልጽ መዝገብን ትንተናን እዩ። ዝወሰደቶ መርገጺ ድማ ምስ'ቶም ቀዳሞት፡ "እወ ናይ ዘርአ-ያዕቆብ ሓተታ'ዩ፡" ዝብል ነበረ።
ልዋም፡ "ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ከመይ ኢሉ ኣብ ሓሳብኪ ክሰፍር ከኣለ?" ንዝብል ሕቶና ከምዚ ኢላ መልሲ ሃበትሉ።
"እቲ ጕዳይ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ዓመት ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን'ዩ ኣስተብሂለሉ። ብዛዕባ ናይ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ፍልስፍና እግደስ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባታቶም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ከንብብ እዝከረኒ። ሽዑ እቲ ብዛዕባ ናይቲ ብግዕዝ ዝተጻሕፈ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ (ኣብ ቋንቋ ፈረንጂ ዝተተርጐመ) ዝተኻየዱ ክትዓት ከንብብ ጀመርኩ፡" ትብል ልዋም።
ካብ ኣተሓሳስባ ልዋም ዝቐሰምናዮ ትዕዝብቲ ከምዚ ይመስል፤ እቶም ናይ ቀደም ዳህሰስቲ - እንተ ብምስዮናውያን ኣቢሎም እንተ ብውልቆም ንኣፍሪቃ ዝጐዓዙ ዝነበሩ - ብኣፍሪቃ ብቑዕ ፍልጠት ኣይነበሮምን።
ብዛዕባ'ቶም ሃገር-ቦቈል ባህልታት፡ ልምድታት፡ ስነኣምልኾን ስነ-ጽሑፍን (ናይ ግዕዝ ሰነዳት) ኣግባብ ምሕደራን እንዶ ኣይነበሮምን። ልቦናን ስርዓታት-እምነትን ንምሕደራ ገጠራት ሰለይ ዘብሉ ሕግታት ኣይፈልጡዎን ጥራሕ ዘይኰነስ ብዙሓት ካብኦም፡ 'ኣፍሪቃውያን ክሓስቡ ኣይክእሉን'ዮም' ዝብል መዳለዊ እምነታት ሒዞም'ዮም ድህሰሳኦም ዝጀመሩ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ዳህሰስቲ ብደቀ'ባት ዝፈረየ ዓውደ-ፍልጠት ወሲዶም ከም ናቶም ገይሮም ግዳማዊ ዓለም ንኽርእዮ የበርክቱ ዝነበርሉ ዘመን ነበረ። ሓደ ዳህሳሲ ወይ ከኣ ምስዮናዊ መጺኡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንቛንቋን ባህልን ስርዓትን ኤርትራ ኰነ ኢትዮጵያ ኣጽኒዑ ንጽሑፋት ግዕዝ ረፍቲቱ ንኸጽንዕ ጥራሕ ዘይኰነ መጻሕፍቲ መዝገበ-ቃላት ኰነ ስዋስው ከዳልዉ ብህየሳዊ ኣግባባት ክገጥሞም ዘለዎ ፍጻመታት'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, DM
እቶም ዳህሰስቲ ኰኑ ምስዮናውያን ንኣፍልጦ ኣፍሪቃውያን ብላዕለ-ላዕሉ ግምታት ክህብሉ ይኽእሉ ይዀኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም ግን ብቛንቋ ግዕዝ ዝቐረበ ሓተታ ኣምጽእ ኣቢሎም፡ ኣተርጕሞም፡ እዚ ናይ ፈረንጂ ሓሳብ'ምበር ካብ ሓደ ወደ'ባት ዝመንጨወ ሓሳብ ኣይኰነን ክብሉ ምቕባሉ ኣሸጋሪ'ዩ።
ብቐዳምነት፡ "ዘርአ-ያዕቆብ ነቲ ዝቐረበ ሓተታ ንኽጽሕፉ ብቕዓት እይነበሮምን፣ ስለዚ፡ ብሕቡእ ጂዩስቶ ዳ-ኡርቢኒ እዮም ጽሒፎሞ፡" ዝበሉ እቶም ውሩይ ኢጣልያዊ-ጸሓፍን ተመራማሪን ዝነበሩ ካርሎ ኮንቲ-ሮሲኒ እዮም።
ኮንቲ ሮሲኒ መን'ዮም?
ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ሳለርኖ (ዓዲ ጣልያን) ብ1872 ተወሊዶም ኣብ ሮማ ብ1949 ዝሞቱ ፍሉጥ ተመራማሪ ዞባና ዝነበሩ፡ ከም ልዑል ሰራሕተኛ መንግስቲ ኰይኖም ኣብ ቤት-ግምጃ መንግስቲ ዘገልገሉ ሰብ ነበሩ።
ጸኒሖም ከኣ ሰክረታሪ-ጀነራል ትሪፖሊታንያ (ሊብያ)፡ ብድሕሪኡ ከኣ ሓለቓ ክፍሊ ምርምር ታሪኽን ቋንቋታትን (ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮማ)፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ መጽናዕቲ ምርምር ኢትዮጵያ ኰይኖም ብዙሕ ዘበርከቱ ተመራማሪ ነበሩ።
ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ሴማውን ዘይሴማውን ባህልታት ኢትዮጵያ ብምትኳር ጽዑቕ ምርምር ከም ዘካየዱ ይንገረሎም።
እወ፡ ኮንቲ ሮሲኒ ካብ 1899 ክሳብ 1903፡ ምርምራት ዘካይድሉ ዝነበረ ዘመን፡ ከም ዳይረክቶር ናይ ስቪላዊ ጕዳያት ኤርትራ ኰይኖም ስለ ዝተመዘዙ፡ ብዛዕባ ዞባና ንኽመራመሩ ዕድል ዝረኸቡ ሰብ'ዮም ነይሮም። ብዛዕባ ኣፋውን ጽሑፍን ስነጥንቲ፡ ታሪኽ፡ ቋንቋታት ይዅኑ ማሕበራዊ ቅርጽታትናን ርክባትናን ንኸጽንዑ ከኣ ከኣሉ።
ኮንቲ ሮሲኒ ብኢድ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ግዕዝ ኣኪቦም ከም ዝተርጐሙ ይንገረሎም'ዩ፣ ብዛዕባ ኣብ ከበሳ ዝርከቡ ገዳማትን ታሪኽ ቅዱሳንን፡ ከምኡ'ውን ሕግታት እንዳ'ባ፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ወዘተ. ዝሰነዱ ተመራማሪ ከም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩሎም እዮም።
ናብ ሓተታ ዘርኣ-ያዕቆብ ምስ እንምለስ፡ ኮንቲ ሮሲኒ ምስቲ ኵሉ ፍልጠቶምን ኣብርክቶኦምን ኣብታ ሓተታ ምስ በጽሑ፡ 'ናይ ፈረንጂ ኢድ ዘለዎ'ዩ' ኢሎም ንዘርኣ-ያዕቆብ ዝግብኦም ኣፍልጦ ነፈግዎም። 'ነቲ ንሶም ካብ ኢድ መነኰሴታት ተቐቢሎም ዘሕተምዎም መጻሕፍቲኸ ናይ ደቀ'ባት ኢድ ኣለዎዶ ኢሎም ይፈልጡ?' ዝብል ክትዕ ክለዓል ይከኣል'ዩ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ሓተታ ብጅዩስቶ ዳ'ኡርቢኒ እዩ ተጻሒፉ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ተመራመርቲ ንእጀታኦም ተቐበሉዎ - ዘርአ-ያዕቖብን ወልደህወትን ከኣ ሞገስ ከይረኸቡ ተረፉ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ጅዩስቶ ዳ'ኡርቢኒ መን'ዮም?
ጅዩስቶ ዳ'ኡርቢኒ - ናይ ካፑቺን ፈላሲ - ቋንቋታት ዝተማህሩ ሰብ ነበሩ። ንሶም ንጉሌልሞ ማሳያ ዝተባህሉ (ኣብ ዞባና ብኣቡነ ማስያስ ዝፍለጡ) ኣብ ካልኣይ ክፋል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ንኸገልግሉ ዝተላእኩ ፍሉጥ ፈላሲ (ምስዮናዊ)፡ ንኸሰንዩ ንኢትዮጵያ ተላእኩ።
ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ምድሪ ዓጋመ ድሕሪ ምንባር ናብ በጌምድር ሰገሩ። ንሶም ንባህልታት ሓበሻ ኣብ ሰሜናዊ ከበሳ ኢትዮጵያ ኰይኖም ንኸጽንዑ ተገዳስነት ስለ ዝነበሮም ተጊሆም ሰርሕሉ። ኣቡነ ማስያስ ንምድረ ኦሮሞ ክሰግሩ ዳ'ኡርቢኒ ግን ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ክተርፉ መረጹ። ጸኒሖም ግን ብኣቡነ ሰላማ ሳልሳይ ተሰጕጎም (1855) ንሱዳን ንኸምርሑ ተገደዱ፣ ብ1856 ከኣ ኣብ ካርቱም ከም ዝዓረፉ ይዝንቶ።
ዳ'ኡርቢኒ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሕሉ እዋን ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮሚኛ፡ ከምኡ'ውን ግዕዝ ከም ዝተማህሩ ይዝንተወሎም።
ኣብ ምድላው መዝገበ-ቓላትን ስዋስውን (ሴማዊ ቋንቋታት ኢትዮጵያ) ኢድ ነበሮም'ውን ይበሃል። ብኢዶም ዝተጻሕፈ ፈረንሳ-ግዕዝ መዝገበ-ቓላት'ውን ከም ዘሎ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ምዝጉብ'ዩ። ከምኡ'ውን፡ ብ1849 ብእኦም ዝተዳለወ ግዕዝ-ላቲን መዝገበ-ቓላት ከም ዘሎ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
ይዅን'ምበር፡ ናብ ሓተታና ምስ እንምለስ፡ ዳ'ኡርቢኒ ባዕሎም ምስ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ጨሪሶም ኣይጠቐሱን፣ ከምኡ'ውን ወልደ-ሂወት። ኮንቲ ሮሲኒ ደኣ ከመይ ኢሉ ናብ ዳ'ኡርቢኒ ዘምበለ?
ልዋም ብዘዕለለትና መሰረት፡ "እቶም ንዞባና ክድህስሱ ዝለኣኹ ዝነበሩ ምሁራን ኰኑ ምስዮናውያን ንኣፍሪቃውያን ኣትሒቶም ብምርኣይ፡ ንዕቀቶም ካብ ጽሑፋቶም ክንርድኦ ንኽእል። ኣብዚ ናይ ዘርአ-ያዕቆብ ሓተታ ድማ እቲ መጐትኦም ክቕበሎ ደጋጊሙ አሸግረኒ ነይሩ፣ ግጉይን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኰይኑ ስለ ዝረኸብክዎ፡" ትብል።
"ይዅን'ምበር፡" ትብል ልዋም፡ "እቲ እዩ ወይ ኣይኰነን ክትዕ ሕጂ ክሃድእ ተስፋ እገብር፡" ብምባል፡ "መልሲ'ቲ ክትዕ ኣብቲ ሓዲስ መጽሓፍ (The Hateta Inquiries) ሰፊሩ ይርከብ፡" ትብል።
ቀጺላ፡ "እቲ መጽሓፍ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣጸቢቑ ብምግላጽ፡ ካብቲ ናተይ መጐተ ብዝተፈልየን ብዝሓሸን ኣግባባት ኣቕሪብዎ ኣሎ፡" ትብል።
"እቲ ሓተታ ከም ብሓዲሽ ብጽፈት ተተርጒሙ ቀሪቡ ስለ ዘሎ ከኣ ኵሉ ከንብቦ ይኽእል'ዩ፡" ኢላ ኣድናቖታ ገለጸት። "እቲ ኣውራ ኣገዳሲ ነጥቢ ከኣ ንዘርአ-ያዕቆብን ወልደህወትን ዝግብኦም ኣፍልጦ ሂቡዎም ኣሎ፡" ትብል።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ንኽርድኣና፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሓትመ ሓዲስ መጽሓፍ ዝሰፈረ ክሮኖሎጂያ (ስነ-እዋን) ክንምልከት ንኽእል።
እቲ ዘርኣ-ያዕቆብ ብግዕዝ ዝደረስዎ ሓተታ ብ1668 ኣብ 68 ዕድሚኦም'ዮም ዝጸሓፉዎ። ኣብ 93 ዕድሚኦም ከኣ ካብዛ ዓለም ተሰናበቱ።
ተመሃራዮም ዝነበረ ወልደህይወት ንመዛዘሚ'ቲ ሓተታ ዝምላእ ጽሑፍ ኣብ ሰብዓታት ዕድሚኦም እዮም ዝጸሓፍዎ።
ቅዳሓት ናይቲ ሓተታ ከም መናፍቓዊ ጽሑፍ ይርአ ስለ ዝነበረ ብውሽጠ-ውሽጢ ጥራሕ እዩ ዝዝርጋሕ ዝነበረ።
ሽዑ'ዮም ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ - እቶም ኢጣልያዊ ምስዮናዊ - ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ፣ እዚ ብ1847 ምዃኑ'ዩ። ኣይጸንሑን ከኣ ቋንቋ ግዕዝ እናተማህሩ ስነጽሑፋት ገዳማት ክፍትሹ ዝጀመሩ።
ንሶም ድሕሪ ሞት ዘርኣ-ያዕቆብ'ዮም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ። ይዅን'ምበር፡ ንሶም'ዮም ነቲ ሓተታ ጽሒፎሞ ምባል ክሳብ ክንደይ ዘማትእ ምዃኑ ነስተብህል።
ብ1852 ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ፡ ኣብ ፈረንሳ ንዝነበሩ ሓለቖኦም (ኣንትዋን ኣባዲ) መዝገበ-ቓላት ግዕዝን ስዋስውን የዳልዉ ከም ዝነበሩ ሓበሩዎም። ሽዑ'ዮም ብዛዕባ'ቲ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ንመጀመርታ እዋን ኣብ መልእኽቶም ንሓለቖም ዝረቝሑ፣ ኣብ ኢዶም ግን ገና ኣይበጽሐን ነበረ።
ኣብ ዓመቱ ግን ቅዳሕ ናይቲ ሓተታ ረኺቦም ንሓለቖም ለኣኹሎም (1853)። ጸኒሖም ከኣ ወልደህይወት ዝጸሓፍዎ ተወሳኺ ሓተታን መደምደምታኡን ንዓዲ ፈረንሳ ለኣኹ።
ኣብ ዓመቱ፡ 1854 ምዃኑ'ዩ፡ ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም ናብ ሱዳን ገጾም ኣምርሑ፣ ኣብ ሱዳን ከኣ ኣብ ዓመቶም (1856) ዓረፉ።
ኣርብዓ ዓመታት ምስ ሓለፉ፡ ኣንትዋን ኣባዲ (ሓለቖኦም ንድ'ኡርቢኖ) ብዛዕባ'ቲ ሓተታ ሓደ ኣኼባ ኣብ ፓሪስ ኣካየዱ። ሓደ ሩስያዊ ተመራማሪ (ቦሪስ ቱራየቭ) ብዛዕባ'ቲ ሓተታ ኣብ ትሕቲ 'ናጻ-ሓሰብቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን' ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪቦም ነበሩ።
ኤኖ ሊትማን: እቶም ፍሉጥ 'ኦሬንታሊስት' (ምስራቐኛ) ነቲ ሓተታ ናብ ላቲን ኣተርጐምዎ። ቦሪስ ቱራየቭ ድማ ነቲ ሓተታ ናብ ቋንቋ ሩስያ ተርጐምዎ።
ብ1916 ነገር ተወልዐ። ኮንቲ ሮሲኒ ብቛንቋ ጣልያን ዘዳልውዎ ጽሑፍ፡ እቲ ሓተታ ብዘርአ-ያዕቆብን ወልደህይወትን ከም ዝተጸሕፈ ነጸግዎ።
መን ደኣ ጸሓፎ? ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሖም ኮንቲ ሮሲኒ ድማ ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ እዩ ጽሒፉዎ ኢሎም ተኻትዑ።
ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተመራማሪ ከኣ - ዩጂን ሚትቮኽ - ንኮንቲ ሮሲኒ ደገፉ፣ 'እወ፡ ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ እዩ ጽሒፉዎ' በሉ።
ጸሓፍቲ ሓደ-ክልተ ምስ ተባህሉ ዘመንፈስ-ቅዱስ ኣብረሃ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ነቲ ሓተታ ናብ ኣምሓርኛ ተርጐሞ። ኣምሳሉ ኣክሊሉ ድማ እቲ ሓተታ ብዘርአ-ያዕቆብ'ዩ ተጻሒፉ' ክብሉ መጐቱ። ብ1965 እቲ ሓተታ ናብ ቋንቋ ጣልያን ተተርጐመ።
ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ (1976) ክሎድ ሳምነር ነቲ ሓተታ ብእንግሊዝኛ ኣተርጒሙ፡ "እቶም ድራሲ ጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ ኣይኰኑን፡" ኢሉ ክትዓቱ ምስ መርትዖታቱ ኣቕረበ።
ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናያ ልዋም ተስፋልደት ኣብረሃ ድማ ብ2007፡ "ኣይፋል፡ ደራሲ ዘርኣ-ያዕቆብ ባዕሎም'ዮም ዝጸሓፍዎ፡" ኢላ ብጀርመንኛ ፍርዳ ኣንበረትሉ።
ብድሕሪኡ ሓያሎ ተመራመርቲ ዳ'ኡርቢኖ'ዮም ጸሓፊ ዝብል ጻውዒት ነጺጎም ንዘርኣ-ያዕቆብ መስከሩሎም (ንኣብነት ኪዳነ ዳዊት ዎርቁ)፣ ብኣንጻሩ ድማ ንጂዩስቶ ዳ'ኡርቢኖ ይብጽሖም'ዩ ዝበሉ፡ ከም 'ኣነ-ዊዮን' (Anais Wion) ዘኣመሰሉ ተማራመርቲ ነይሮም'ዮም።
ብ2022 ብዛዕባ'ቲ ጕዳይ ኣብ ኦክስፈርድ (ዓዲ እንግሊዝ) ዓቢይ ጉባኤ ተኻየደ።
እንሆ ከኣ እዚ ሓዲሽ ዝተሓትመ መጽሓፍ - The Hateta Inquiries - ንዘርአ-ያዕቆብን ወልደህይወትን ብምምጓስ ከም ሰብ-ጻማ ይብጻሕኩም ክብል ፍርዱ ሃብሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
