በዓል ጥምቀት፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት የብዕላ ኣለዋ

ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሎሚ 11 ጥሪ 2017 ዓ.ም [19 ጥሪ 2025]፡ በዓል ጥምቀት ተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይኽበር ኣሎ።

ጥምቀት፡ ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ንኽልተ መዓልቲታት ዝኽበር ኰይኑ፡ ታቦታት ካብ መንበሮም ወጺኦም በዓል ጥምቀት ናብ ዝኸበረሉ ቦታታት [መብዛሕትኡ ግዜ ማይ ናብ ዘለዎ] ብህዝቢ ተዓጂቦም ይኸዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጃን ሜዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባብን ኣብ ከተማ ጐንደርን ብዝተፈለየ ኵነታት በዓል ጥምቀት ዝኽበረሎም ቦታታት ኰይኖም፡ ምእመናን ከምኡ'ውን በጻሕቲ ዓዲ ኣብቲ በዓል ይዕደሙ።

ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝሰገረ፡ በዓል ጥምቀት ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ይኽበር'ዩ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጃን ሜዳ እንክኽበር ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ነቲ ማየ ጥምቀት ባሪዀም

ምንጪ ስእሊ, ENA

መግለጺ ስእሊ, በዓል ጥምቀት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጃን ሜዳ እንክኽበር ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ነቲ ማየ ጥምቀት ባሪዀም
ጐንደር፡ ሓንቲ ካብተን በዓል ጥምቀት ብዝለዓለ ድምቀት ዝኽበረለን ከተማታት ኢትዮጵያ እያ

ምንጪ ስእሊ, ENA

መግለጺ ስእሊ, ጐንደር፡ ሓንቲ ካብተን በዓል ጥምቀት ብዝለዓለ ድምቀት ዝኽበረለን ከተማታት ኢትዮጵያ እያ
ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝቕመጡ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ'ውን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን በዓል ጥምቀት ብጸሎትን ዝማሬን ኣኽቢሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝቕመጡ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ'ውን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን በዓል ጥምቀት ብጸሎትን ዝማሬን ኣኽቢሮም

ኣበዓዕላ በዓል ጥምቀት ኣብ ኤርትራ

መራሕቲ ሃይማኖትን ኣገልግልቲ ቤተክርስቲያንን

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኵሉ ምእማናን ዝርከበሉ ቦታታት ብኽብ ዝበለ ወግዒ እዩ ዝበዓል።

ንኣብነት ኣብ ኣስመራ፡ ታቦታት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ድሮ`ቲ ዕለት ኣትሒዞም ኣብቲ ጥምቀተ-ባሕሪ ይሓድሩ።

ካህናትን ሊቃውንትን ከኣ ስብሓተ-እግዚኣብሄር እናብጽሑ የውግሑዎ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ብልብሰ-ተክህኖ ዝማዕረጉ ካህናትን ድያቆናትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዙርያ እቲ 'ማይ-ጥምቀት` ኢሉ ዝጽዋዕ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ መካን ብምቛም፡ ስርዓተ-ቕዳሴን ጸሎተ-ወንጌልን ይፍጽሙ።

ካህናት ቤተክርስቲያን ጸሎትን ዝማሬን እንተብጽሑ
መግለጺ ስእሊ, ካህናት ቤተክርስቲያን ጸሎትን ዝማሬን እንተብጽሑ
ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተቐማጦ ናይሮቢ በዓል ጥምቀት ኣኽቢሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተቐማጦ ናይሮቢ በዓል ጥምቀት ኣኽቢሮም

ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮ ምስ ተዋህበ፡ ባሕረ-ጥምቀት ብብጹኣን ጳጳሳት ድሕሪ ምብራኹ ንምእመናን ይንጸግ።

ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ምእመናን ነቶም ብሕማም ኰነ ካልእ ምኽንያት ክመጽኡ ዘይከኣሉ ብዝተፈላለየ መትሓዚ ተጠቒሞም ማይ ጥምቀት ብምምላእ ይነጽጕሎም።

ድሕሪ ቡራኬን መንፈሳዊ ምኽርን፡ ታቦታት ብመዛሙርን ማህሌትን ተዓጂቦም ነናብ ኣብያተ-መቕደሶም ይምለሱ።

ከም ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብያተ ክርስትያናት`ውን ኣበየ ቦታኡ ብተመሳሳሊ መንገዲ የብዕላ።

ሃይማኖታዊ ቡራኬ ምስ ተገብረ፡ ሰባት ዝተቐደሰ ማይ ይንጸገሎም
መግለጺ ስእሊ, ሃይማኖታዊ ቡራኬ ምስ ተገብረ፡ ሰባት ዝተቐደሰ ማይ ይንጸገሎም
መለኸት

ካልኦት ሃገራት ዓለም'ከ?

በዓል ልደት 7 ጥሪ 2025 ዓ.ም [29 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም] ዘኽበራ ሃገራት፡ 12 ጥሪ በዓል ጥምቀት የኽብራ።

እዚ በዓል 6 ጥሪ ዘኽብርኦ ሃገራት እውን ኣለዋ። ኣብዚ ዕለት ዘመድ ኣዝማድ ውህብቶ ይለዋወጡ።

እቲ በዓል፡ 'ስሪ ኪንግስ ደይ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሰብአ ሰገል ብዀኸብ እናተመርሑ ንእየሱስ ክርስቶስ ዝበጽሕሉ ፍጻመ ብምዝካር እዩ ዝበዓል።

እዚ ብኢንግሊዘኛ 'Epiphany' ዝብል ቃል፡ መሰረቱ ግሪኽ ኰይኑ 'ምርኣይ' ማለት'ዩ።

እየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝተርኣየሉ ምኽንያት ብምግባር ዝተዋህበ ስያመ'ዩ።

ኣብ ሩስያን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጥምቀት ኣብ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ስለ ዝኽበር፡ ምእመናን ኣዝዩ ቀዝሒ ናብ ዝዀነ ቅዱስ ማይ ብምእታው በዓል ጥቀምት የኽብሩ

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብመሰረት ባህሊ እምነት ኦርቶዶክስ፡ ዓመታዊ ኣብቲ ዝሑል ማይ ብምጥማቕ፡ በዓል ጥምቀት የኽብር።

ፕረዚደንት ፑቲን በዓል ጥምቀት ከኽብር እንከሎ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን በዓል ጥምቀት ከኽብር እንከሎ

ኣብ ስጳኛ፡ ጥምቀት ልክዕ ከም በዓል ልደት ብድሙቕ ኣገባብ እዩ ዝበዓል።

El Dia de los Reyes ብዝብል ይጽዋዕ።

ኣብ ድሮ እቲ በዓል፡ ቈልዑ ንሰብኣ ሰገል ዝኸውን ዝስተ ነገር የቐምጡ።

ኣብቲ በዓል ከኣ፡ ርችት እናተተኰሰ ምርኢት ኣደባባይ ይቐርብ።

ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ድማ እቲ በዓል ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ዝዀነ ማይ ብምሕንባስ'ዩ ዝኽበር።

እቲ ቀንዲ በዓል፡ ኣብ ፕራግ ኣብ ዝርከብ ሩባ ቭላታ ይበዓል።

ከም ሰብኣ ሰገል ተኸዲኖም ግመል ዝጋልቡ ሰባት ከኣ ምርኢት የቕርቡ።

ጥምቀት ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጥምቀት ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ

ኣብ ሜክሲኮ፡ በዓል ጥምቀት ክኽበር እንከሎ ሮስካ ዴ ሬይስ ዝተባህለ ኣዝዩ ምቁር ሕብስቲ ይብላዕ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብስቲ ንኡሽቶ ቅርጺ እየሱስ ክርስቶስ ትቕመጥ።

እቲ ሕብስቲ ዝቘረሰ ሰብ እታ ቅርጺ እንተ በጺሓቶ ዕድለኛ ይበሃል።

እዚ ሰብ ድማ መግቢ ኣዳልዩ ንቤተሰቡ ጸዊዑ ከብልዕ ይግደድ።

ጥምቀት ኣብ ሜክሲኮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጥምቀት ኣብ ሜክሲኮ

ብባህሊ ስዊዘርላንድ 'Dreikönigskuchen' ዝተባህለ ሕብስቲ ተሰንኪቱ 6 ጥሪ ይብላዕ።

እቲ በዓል፡ ብኣቈጻጽራ ግሪጎሪያን፡ በዓል ልደት ምስ ተኸብረ ድሕሪ 12 መዓልቲ ስለ ዝመጽእ 'Twelfth Night' ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ንበዓል ልደት ዝተዳለወ መጋየጺታት ዝሕዝ ተኽሊ ከኣ ኣብዚ ዕለት ይለዓል።

በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዝገብ ሓድጊ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ትካል ባህሊ፡ ትምህርትን ሳይንስን ከም ዝሰፈረ ይፍለጥ።