ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘተ ንምጅማርን ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, @PMETHIOPIA
ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ካይሮ ዝተዛተዩ መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ኣብ ምምላእ ማይን ስራሕትን ግድብ ህዳሰ ዘተ ንምጅማርን ኣብ ምርድዳእ ንምብጻሕን ተሰማሚዖም።
ንኲናት ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምድላይ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ዝተረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ ናብ ስምምዕ በጺሖም።
በዚ መሰረት ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ዘተ፡ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዘካይዳኦ ዘተ ብቕልጡፍ ተጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ጻዕሪ ክግበር እዩ።
ብተወሳኺ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሳለጠሉ፡ ሱዳንን ግብጽን ካብ ሩባ ኣባይ ኣብ ዝረኽባኦ መጠን ማይ ርኡይ ጸገም ከየጋጥም፡ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ጻዕሪ ክትገብር እያ ተባሂሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ካይሮ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ከባብያውን ክልተኣውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ካይሮ ከምዝተራረቡ ቤት ጸሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጹ።
ኣብቲ ቅልውላው ሱዳን ኣመልኪቱ ሓሙስ 13 ክሳለጥ ትልሚ ዝተታሕዘሉ ዘተ ንምስታፍ ናብ ግብጺ ዝተጓዕዙ ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣናቱን፡ ረቡዕ 12 ሓምለ ምስ ፕረዚደንት ግብጽን ላዕለዎት ሰብመዝን ተዘራሪቦም።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ "ኣብ ቀንዲ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ብናይ ምትሕብባር መንፈስ" ንምስራሕ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN PM OFFICE/FB
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ብተመሳሳሊ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብን ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጡ።
ብኲናት ትሕመስ ምስ ዘላ ሱዳን ዝዋሰና ኢትዮጵያን ግብጽን፡ እቲ ኲናት መፍትሒ ክረክብ በብወገነን ጻዕሪ ክገብራ ጸኒሐን እየን።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብኢጋድ ኣተኣናጋድነት መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ፡ ካልኦት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ዝተሳተፉሉ ተመሳሳሊ ስብሰባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ ነይሩ።
ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ድማ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዘዳለዎ ‘ኣኼባ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን’ ኣብ ካይሮ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ኣኼባ ጎንጺ ሱዳን ደው ንምባልን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝህልዎ ጸቕጢ ንምውጋድን ኣብ ዝከኣለሉ ኵነታት ንምዝታይ ዝዓለመ ኰይኑ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣካላት ከምዝሳተፉ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝራከብ ዘሎ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ ግዜ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ምስ መጸ ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልቲ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
ድሕሪኡ ግን ብጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምስሕሓብ ጸኒሖም።
ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽቦ መጠን ማይ ከጉድለለይ እዩ ብምባል፡ ኣብ ህንጽት እቲ ግድብ ዘለዋ ተቓውሞ ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ እያ።
ግብጽን ሱዳንን፡ ማይ ምምላእ እቲ ግድብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ክግበር ክሓታ ዝጸንሓ ኰይነን ኢትዮጵያ ግን ንጥፈታት ምምላእ ማይ ክተካይድ ጸኒሓ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ስርሓት ምምላእ ማይ እዚ ዓመት ኵነታት ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ መስከረም ከምዝሳለጥ ተዛሪቡ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘተ ንነዊሕ እዋን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዛዕባ ከም ዘበገስዎ ተገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
