እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰለስተ ማናቱ፣ ኣዲኦምን ዓባዮምን ዝወስደ ዝስካሕኽሕ ባርዕ ቤተክርስቲያን ግብጺ
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅብጢ (ኮፕቲክ) ክርስትያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ 41 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካብኣቶም ብውሕዱ እቶም 15 ህጻናት ከም ዝዀኑን ተገሊጹ።
እታ ኣብ ጊዛ፡ ብብዝሒ ኣባላት ደርቢ-ሸቃሎ ኣብ ዝነብርዎ ዞባ ዕምባባ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣቡ ሰፈይን፡ ህጻናትን ወለድን ዝርከብዎም ንቕዳሴ ሰንበት ብዝተኣከቡ ምእመናን መሊኣ ነይራ።
መብዛሕትኦም እቶም ህጻናት ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይቲ ኣርባዕተ ዝደርቡ ህንጻ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ወይ መዋእለ ህጻናት ይሳተፉ ነይሮም።
ኣባላት ምርመራ ‘ቲ ሓደጋ ድማ ብምትንኻፍ ገመዳት ኤሌክትሪክ ዝተላዕለ ባርዕ፡ ካብቲ እቶም ህጻናት ዝነበርዎ ደርቢ ከም ዘነቐለ ይኣምኑ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ ከም ዝሓበሮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ብሰንኪ’ቲ ብዒግታ ትኪ ዝተፈጥረ ምዕፋን እስትንፋስ ምዃኑ፤ ገሊኦም ከኣ ብዝተዓጽወ መውጽኢታት ኣቢሎም ካብቲ ሓደጋ ንኽሃድሙ ምስ ተጓየዩ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ጽቕጥቅጥን እዮም ሞይቶም።
ብመገዲ ቤተሰብ ግዳያት፡ ኣነባበርቲ’ቲ ቤተክርስትያንን፡ ሓደ ሆስፒታል እቲ ከባቢን ማዕከናት ዜና ግብጽን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብቶም ግዳያት ዝዀኑ ህጻናት፡ ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ስሉሳት [ሰለስተ ማንታ] ቈልዑ ሞህራኤል፡ ዩሱፍን ፊሎፓቶር ዝተባህሉ ኣሕዋት ይርከብዎም።
እዞም ህጻናት፡ ምስ ጓል 34 ዓመት ኣደኦም ኢሪና ዓጥፍ ራምዚ፡ ጓል 61 ዓመት ዓባዮም ማግዳ ሓቢብ ናቢህን ጓል 25 ዓመት ሓትኖኦም ሚርና ዓጥፍ ራምዚን እዮም ሞይቶም።
ሚረትያ ዕማድ ዝተባህለት ድምጻዊት ጓል ኣኮኣ ንኣደኦም ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ብዝለጠፈቶ ጽሑፍ፡ ዝተሰምዓ ሓዘና ገሊጻ።
"ምስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ጸጋኻ ዘክረና" ክትብል ጽሒፋ። "ኣብ ሰማይ ሽዱሽተ ቅዱሳን ኣለዉኒ።"
በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሰለስተ ቈልዑ ዝሰኣኑ ስድራቤት ሚረትያ ዕማድ ጥራይ ኣይኰኑን።
5 ዓመት ዝዕድመአን ማናቱ ኣሓት ማርያምን ባርሲና ታሚር ዋጅህን ከምኡ’ውን ወዲ ሰለስተ ዓመት ኢብራሂም ዝተባህለ ሓወንን’ውን ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ካብ መንጐ ዝሞቱ ቈልዑ ምዃኖም፡ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዕምባባ ዘውጽኦ ዝርዝር ግዳያት የመልክት።
ሰንበት ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተወስደ ኣሳእል ከም ዘመልክቶ፡ ኣደ’ዞም ቈልዑ፡ ኣብ ጐድኒ ሳንዱቕ ሬሳኦም ኰይና ሰለስተ ኣጻብዕታ ብምምልካትን ሓዘና ክትገልጽ እንከላ የርኢ።
ብተወሳኺ ካሮሎስ ኣርያን -10 ዓመት፣ ሚና ዓዝሚ 13፣ ሚና ፋቒር - 16 ዓመት ዝብል ኣስማት ግዳያት ኣብ ሓበሬታ ‘ቲ ሆስፒታል ተመልኪቱ ይርአ።
መርበብ ሓበሬታ ‘ኮፕቲክ ዩናይትድ’ ከም ዝመልክቶ ኣደ ካሮሎስ እውን ምስኡ ክትመውት እንከላ፡ ሓው ራሚ ግን ብህይወት ተሪፉ’ሎ።
ራሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሆስፒታል ኰይኑ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ሰለስቲኦም ብሓባር ናብቲ ቅዳሴ ከም ዝኸዱን እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ከም ዝተፈላለዩን ብምግላጽ፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝሰዓበ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።
ራሚ፡ ድሕሪ እቲ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ስድራኡ ዘጋነፈ ዕጫ ብደቂ ሓወቦኡ ከምዝተነግሮ ተፈሊጡ
ማዕከናት ዜና ‘ታ ሃገር፡ ሓንቲ እስናድ ዝተባህለት ኣደ'ውን፡ በቲ ባርዕ ክልተ ደቃ ከምዝሰኣነትን ሓደ ካብኦም ሚና ዝበሃል ምዃኑን፡ ዝገልጽ ብህሎ ‘ታ ኣደ ዘርጊሐን ኣለዋ።
እስናድ፡ "ናብ መንግስተ ሰማይ ዝወሰድክዎም ኣነ እየ" ብምባል፡ ብንግሆኡ ናብቲ ቅዳሴ ክኸዱ ከምዘበራበረቶም ትገልጽ።
"ሚና ረቡዕ እየ ዝኸይድ ኢሉኒ፣ ኣነ ግን ኣይፋልን ሎሚ ኢኻ ትኸይድ ኢለዮ፡” ብምባል ነቲ ቅድሚ’ቲ ፍጻመ ዝነበረ ህሞት ትዛረብ።
ዓብዱልመሲሕ በኺት ዝተባህሉ ወዲ 50 ዓመት ጳጳስ እቲ ቤተክርስትያን ሓደ ካብቶም ግዳያት ምዃኖም ሓበሬታ ‘ቲ ሆስፒታል የመልክት።
ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም፡ በዓልቲ ቤቶም ዝተቓጸለ ዝመስል ልብሲ-ክህነቶም ጨቢጣ ትርአ።