ኣብ ሱዳን ብውሕጅን ዕልቕልቕን 50 ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ክረምቲ ዝሰዓበ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ትካላት ረድኤት መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢረን።

ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ወቕቲ ክራማት ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ብዝዘነበ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 136 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ከምእተቓልዑን ብዙሓት ሰባት ኣደዳ ሞትን መጕዳእትን ምምዝባልን ከምዝዀኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ ረድኤት ሱዳን ገሊጹ።

ውሕጅን ዕልቕልን ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዘኸተለ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ክረምቲ ኣዋርሕ 52 ሰባት ከምዝሞቱን 25 ከኣ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ውሕጅ ኣብ 12 ግዝኣታት እታ ሃገር 8,900 ዝኸውን ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ፡ ካልእ 20,600 ኣብ ዝኸውን ኣባይቲ ከኣ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ።

ሰሜን ኮርዶፋን ካብተን ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅን ዕልቕልቕን ከቢድ ጕድኣት ዘጋጠማ ዞባ ኰይና 19 ሰባት ሞይቶምዋ።

ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኣብ ግዝኣት ፈለግ ናይል ከኣ ብተደጋጋሚ ሰባት ምሟቶም ንወሃቢ ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ንሲቪላዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ዓብዱልጀሊል ዓብዱልራሕማን ጠቒሱ ገሊጹ።

መንግስታዊ ትካላትን ማሕበራት ረድኤትን ኣብ ዝተፈለላየ ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ኣደዳ ከቢድ ጸገም ምዃኖም ሓቢረን። ብፍላይ ህዝቢ ማእከላዊ ዳርፉር፡ ደቡብ ዳርፉር፡ ፈለግ ናይልን ጻዕዳ ናይልን ልዕሊ ካልእ ግዝኣታት ብዝያዳ ከምዝተሃስያ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ከቢድ ክሳራ ኣብ ትካላት ጥዕና መሰረተ ልምዓት ማይን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ብኣማኢት ዝቝጸራ ጥሪት ብውሕጅ ተወሲደን ኣስታት 20 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝገማገም መሬት ሕርሻ ከኣ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ።

ትካል ረድኤት ህጹጽ እዋን ሱዳን ዓመታዊ ብዝናብን ውሕጅን ሓደጋ ከጋጥም ምጽንሑ፡ እንተዀነ ምስ ዝሓለፈ እዋን ክነጻጸር እንከሎ እዚ ናይ ሎምዘበን ዝኸፍአ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ መጠን ፍሰት ፈለግ ናይል ይውስኽ'ኳ እንተሎ፡ ገና ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዘይበጽሐ ተሓቢሩ።

ሩባ ኣትባራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝዘንብ ዘሎ ሓያል ዝናብ ስለዝመልአ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም።

ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ነቶም ብሰንኪ ውሕጅን ዕልቕልቕን ዝተጐድኡ ህዝቢ ሱዳን ረድኤት ንምዕዳል፡ ምቹእ ዝኾነ ቦታ ንምልላይ ልዑል ጻዕሪ የካይዳ ምህላወን ሓቢረን።

ኣብ ሱዳን ወቕቲ ክራማት ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ መስከረም ከምዝቕጽል ይፍለጥ።