እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቲክቶክ ዝዝርግሖ ትሕዝቶን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ስግኣትን
ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ዘለዎ መድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝቐርብ ትሕዝቶ ግቡእ ቍጽጽር ስለዘይነበሮ ብተደጋጋሚ ይንቀፍ።
ሰራሕተኛ ፌስቡክ ነበር ፍራንሲስ ሃውገን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣሜሪካ ቀሪቡ እቲ ትካል ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ዝተፈጠረ ግጭት ምልዕዓልን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ክዓግቶ ከምዘይከኣለ መስኪሩ ነይሩ።
ገለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን ዋላ'ኳ ድሕሪ'ቲ ዕንወት እንተዀነ፡ ክኢላታት ቈጺረን ነቲ ትሕዝቶ ምቍጽጻር ጀሚረን ኣለዋ።
እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ተፈታውነቱ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቲክቶክ ኣብታ ዝበዝሐ ህዝባ መንእሰይ ዝዀነ ኢትዮጵያውን ተፈታውነቱ ሰፊሑ ብዝሒ ተጠቀምቱ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ።
ሓጸርቲ ቪድዮታት ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ ቲክቶክ፡ ዘዘናግዕን ዕቱብን ሓበሬታታት ብሙዚቃ ተሰንዩ ዝፍነወሉ መድረኽ እዩ።
በዚ ድማ ንብዙሓት'ውን ምንጪ እቶት ብምዃኑ፡ ህቡብነቱ ሰማይ ክዓርግ ኣበርክቶ ገይሩ።
ይዅን እምበር ቲክቶክ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታት ብዝበጽሖ ጸቕጢ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣርእስታት ማዕከናት ዜና ኰይኑ ኣሎ።
ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ተጠቀምቲን መንግስቲ ቻይና ካብዚ መተግበሪ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ መረዳእታ ከምዝረኸበን ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ዓባይ ብሪጣንያ ይዝረበሉ ኣሎ።
ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ ዘሎ ቍጽጽር ድኹም ስለዝዀነ፡ ዝወረደ ጉድኣት ንእሽተይ ኣይኮነን ዝብሉ ድማ ብዙሓት እዮም።
ቲክ ቶክ ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ ኣብ ፖሊሲ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ትሕዝቶ ዝከታተሉ ክኢላታት ቲክ ቶክ እኹላት ስለዘይኰኑ፡ ምስ ባህሊ ህዝቢ ዝጋጮ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ቪድዮታትን ብሰፊሑ ከምዝዝርጋሕ ክኢላታት ይዛረቡ።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ቲክ ቶክ [ክኢላ ትሕዝቶ ቋንቋ ኢትዮጵያ]፡ እቲ ብዝሒ እኹል'ኳ እንተዘይኰነ፡ ቲክቶክ ኣብ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ስራሕ ከምዝጀመረ ይዛረብ።
ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መጋቢት ስርሑ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ቅድሚ መጀመርታ ስራሕ ምጅማሮም ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ተዋሂብዎም።
እቲ ስልጠና ካብ ጾታዊ መጥቃዕትን ምንዝርናን ክሳብ መሰል እንስሳታት ዝበጽሕ ትሕዝቶታት ቪድዮታት ምእላይ ከምኡ’ውን ዓመጽን ጽዩፍ ተግባራትን መግለጺታትን ዘጠቓልል እዩ።
ብፍላይ ድማ ጾታዊ ርክብን ዝሙትን ዝሓዘ ትሕዝቶ፡ ከምኡ’ውን ቅትለት፡ ደም ወይ ስእላዊ ትሕዝቶ፡ ቅድሚ ናብ ተዓዘብቲ ምብጽሑ ክእለ ይግበር።
ንጽልእን ዓሌትነትን ዝጕስጉሱ እውን ከምኡ፤ ምዝርጋሕ ግጭትን ዓመጽን ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ጉዳያት ዘነቓቕሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ይዅኑ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ቅድሚ ምዝርጋሖም ምእላይ ፖሊሲ ቲክቶክ እዩ። ሓንሳብ ምስ ኣምለጠ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ብዙሓት ሰባት ከይተዘርግሐ ይእለ እዩ ኢሎም።
“ሓደ ሓደ ግዜ ጥቆማ ምስ ቀረበ ኢና ንረኽቦ። መብዛሕትኡ ግዜ ከሓልፈና ይኽእል እዩ። ገለ ካብኣቶም ህቡባትን ብዙሕ ርእይቶታት ዘለዎምን ኰይኖም ንረኽቦም። ስለዚ ብዙሓት ሰባት ርእዮሞም ማለት እዩ" ክብል እቲ ክኢላ ቲክቶክ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ትሕዝቶ ቲክቶክ ምቁጽጻር ይከኣል ድዩ?
ኣቶ ቶለራ ፍቕሩ ጋዜጠኛን ክኢላ ማሕበራዊ ሚድያን እዩ። ኣብ ኣለሻ ሓቂ'ውን ይሰርሕ እዩ።
ቶለራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝያዳ ተጠቀምቲ እናረኸቡን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓብሊሎም ዘለዉን ቪድዮታት ቲክቶክ "ንዓለም ስግኣት" ምዃኖም ይዛረብ።
ብዓይኒ ኢትዮጵያ፡ ፈይስቡክ ትሕዝቶኡ ክቈጻጸር ዝጀመረ፡ ጉድኣት ምስ ኣውረደ እዩ። ቲክቶክ ግን ካብኡ ክመሃር ኣይከኣለን ይብል።
ኣቶ ቶለራ፡ ትሕዝቶ ቲክቶክ ብፍላይ ኣብዚ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ሓደገኛ" እዩ ይብል። ምኽንያቱ ሰባት ካብ ምንባብ ክርእዩ ይመርጹ ምህላዎም እዩ።
እዘን ሓጸርቲ ቪድዮታት ቲክቶክ ንብዙሕ ተጠቃሚ ናይ ምብጻሕ ዓቕሚ ስለዘለወን፡ ሓደገኛ ትሕዝቶአን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩርናዓት ዓለም ክበጽሕ ይኽእል።
“ቲክቶክ ኣብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ኣዝዩ ድኹም እዩ። ናይ ጽልኢ መደረታት፡ ዓሌታዊ ጽልኢ፡ ኣብ ውልቀ ሰባትን ብሄራትን ዘተኮረ ቪድዮታት ብብዝሒ ይስራሕን ይዝርጋሕን" ይብል ኣቶ ቶለራ።
እቲ ክኢላ፡ ሓደ ካብቲ ድኹም ምቍጽጽር ዝፈጠረሉ ምኽንያት ምስ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝተኣሳሰር ምዃኑ ጠቒሱ።
ብዙሓት ቋንቋታት ኢትዮጵያ ብመንጽር እዚ ቴክኖሎጂ ኣብዚ ደረጃ ድልዋት ስለዘይኰኑ፡ እቲ መስርሕ ነዞም ትሕዝቶታት ከልግስ ከምዘይክእል ኣቶ ቶለራ ይጠቅስ።
ካልእ ጸገም ድማ ምስ ክኢላታት ምቍጽጻር ትሕዝቶ ቲክቶክ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይዛረብ። ነዚ ድማ ሕጽረት ቍጽሪ ክኢላታትን ጉዳይ ብቕዓትን ኣብ ጽሬት ትሕዝቶ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ኣቶ ቶለራ "ምቍጽጻር ትሕዝቶ ብግልጺ፡ ብሓላፍነትን ብቕንዕናን ክግበር ኣለዎ" ብምንባል፡ ሕጂ ግን እቶም ክኢላታት ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ፖለቲካ ወዲቘም ድዮም ወይስ ሓላፍነቶም ብግቡእ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ሕቶ የልዕል።
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ክኢላ ተቘጻጻሪ ትሕዝቶታት ቲክቶክ፡ እቲ ትሕዝቶ ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸሮ ከምዘይክእል ብምግላጽ፡ ንዕኡ ንምምሕያሽ እኹል ሓይሊ ሰብ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
እቲ መዓልታዊ እትርእዮ ትሕዝቶ ዘሰንብድን ዘሰክፍን ዝገርምን ስለዝዀነ፡ እቲ ስራሕ ነቶም ኣካየድቲ ትሕዝቶ'ውን ይጸልዎም እዩ። ይዅን እምበር ክኢላ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ተቈጺሩ ከምዘሎን ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ምኽርን ሓገዝን ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣብሪሁ።
ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶታት፡ ኣብ ኣሽሓት ወይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጠቀምቲ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ንእሽቶ ክኸውን ኣይክእልን።
ነዚ እዩ ድማ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕዝቶኦም ንተጠቃሚ ቅድሚ ምጕድኡ ክቈጻጸሩን ክምርመሩን ኣለዎም ዝበሃል።
ካብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ፡ ቲክቶክ ኣብዚ እዋን’ዚ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሞን ትሕዝቶታት ይቈጻጸር። ይዅን እምበር ትግርኛ ከንብቡ ዝኽእሉ ናይ ትሕዝቶ ሞደሬተራት ስለዘለዉ ትግርኛ ምስ ኣምሓርኛ ዝውሃሃድ ምዃኑ ቢቢሲ ተገንዚቡ ኣሎ።
'ትሕዝቶ ቲክቶክ ካብ ዕጥቂ ዝንእስ ኣይኮነን'
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቲክቶክ ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ስለዝፈጠረለን ኣብ መንግስታዊ ስልክታት ምጥቃም ኣጊደናኦ ኣለዋ።
ኣቶ ቶለራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን "እቲ ስግኣት ካብዘን ሃገራት ንላዕሊ'ዩ፡ ምኽንያቱ ምስ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ" ይብል።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ጽልኢ ዘረባ ከይፍጸም ኣዋጅ ከምዘውጽአት ዝዝከር እዩ። ኣብ ኣተገባብራኡ ጉድለታት ኣሎ ዝብል ቶለራ ግን ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚድያ ንምቍጽጻር ድሩትነት ቴክኖሎጂ ከምዘሎ ይገልጽ።
ስለዚ መንግስቲ ብቴክኖሎጂ፡ ፋይናንስን ሎጂስቲክስን ድሕንነት ዜጋታቱ ንምሕላው ሰፊሕ ስራሕ ብምስራሕ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ ዝስዕቡ ሓደጋታት ክከላኸሎ ኣለዎ ይብል።
እቲ ካልእ ዝጠቐሶ ዕንቅፋታት ሓሳባትካ ብናጽነት ምስ ምግላጽ ዝተኣሳሰር እዩ። ምስ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ መሰልን ሓላፍነትን ሓቢሩ እዩ ዝመጽእ። ስለዚ እቶም ተጠቀምቲ መድረኻት መራኸቢ እውን ነዚ ሓላፍነት ክርድኡ ይግባእ ኢሉ።
ስለዝዀነ መንግስቲ ንህዝባውን ሃገራውን ድሕንነት ሓደጋ ተባሂሉ ዝሕሰብ ትሕዝቶ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ከም ዘይግህስ ጽኑዕ ፖሊሲ ከቐምጥ ይመኽሩ።
ምቍጽጻር ትሕዝቶ ቲክቶክ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ተፈታዊ ኰይኑ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ዘዕበየ ቲክቶክ ብዘለዎ ፍሉይ ትሕዝቶ ሓጺር ቪድዮ እዩ።
ማዕረ ማዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሉታዊ መልእኽትታት ብሰፊሑ ይቐርብ። ናይቲ ኩባንያ ትሕዝቶ ዝከታተል ሰራሕተኛ 'ውን፡ "ብዙሕ ዘይግቡእ ትሕዝቶ ይዝርጋሕ ኣሎ" ኢሉ።
“ሓቂ ንምዝራብ ነዚ ትሕዝቶታት ክትቈጻጸሮ ኣይከኣልን እዩ፤ ብዙሕ ዓቕሚ ሰብ የድሊ፤ ኣመና ኣድካሚ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ ምስልታት ይርኢ" ይብል።
ኣብዚ እዋን ኣብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ቍጽሪ ተቘጻጸርቲ ትሕዝቶ ኣስታት ዓሰርተ ከምዝዀነ ብምግላጽ ብዓይኒ ቍጽጽር ትሕዝቶ ንጉዳይ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ትዅረት ከምዝተዋህቦም ገሊጹ።