ኣብ መዓልቲ ልደት ተስዓ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም

ህይወት ኣድሕን ጀልባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ’ዚ ኣስታት ተስዓ ሰባት ኣብ በዓል ልደት ብኽልተ ንኣሽቱ ጀላቡ መትረብ ብሪጣንያ ሰጊሮም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ዝኣተው ሚኒስትሪ ምክልኻል ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 45,000 ስደተኛታት ህይወት ብዝሓትት ሓደገኛ ጉዕዞ ካብ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ሰጊሮም'ዮም።

ኣብ 2021 ግን እቲ ኣሃዝ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኣዝዩ ዝወሓደ ኮይኑ 28,500 ጥራሕ እዮም ናብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም።

ብ14 ታሕሳስ፡ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ማዕበል ስለ ዘጋጠማ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት 39 ከም ዝደሓኑ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ እተን ብመትረብ ብሪጣንያ ስደተኛታት ጽዒነን ዝኣትዋ ዘለዋ ጀላቡ ንስርዓቱ ቅልውላው ፈጢረናሉ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

እቶም ብሰንበት ዝኣተው 90 ሰባት፡ ናብቲ ኣብ ዶቨር ዝርከብ ንጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዝርኢ ማእከል ተወሲዶም ኣለው።

ሓደ ወሃብ ቃል መንግስቲ፡ "ዝዀነ ይኹን ሰብ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ጕዕዞ ብምግባር ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታው ክቑጠብ ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ነቶም ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዘካይዱ ዘለው ኣሰጋገርቲ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምዕጋትን ነቶም ነጋዶ ኣስገርቲ ንምዕንቃፍን፡ ብኹሉ እንኽእሎ ዘበሎ ንዋት ክንጥቀም ኢና" ኢሉ።

ሚስተር ሱናክ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ፡ ነተን ኣብ መትረብ ብሪጣንያ ዘይሕጋውያን ሰባት ዘሰጋግራ ንኣሽቱ ጀላቡ ንምክትታልን ነቲ ተኣኪቡ ዘሎ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባ ንምስላጥን ኣስታት 700 ሰራሕተኛታት ከም ዘዳለወ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ርእሲኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት ንገለ ካብቶም ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከቡ ናይ ዑቕባ ጉዳያት ኣብ ምጽራይ ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ከም ዝቑጸሩ እውን ቃል ኣትዩ ነይሩ።