እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ን10 ሰሙን ድሕሪ ምጥፍኦም ኣብ ጎኒ ሬሳ ወናኒኣ ዝተረኸበት ከልቢ
ኣብ ኣኽራናት ኮሎራዶ ኣመሪካ ምስ ወናኒኣ ዝጠፍአት ከልቢ ድሕሪ 10 ሰሙን ብህይወት ተረኺባ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን፡ እታ ከልቢ ኣብ ጎኒ ሬሳ ወናኒኣ ከም ዝረኸብዋን ንኣሽቱ እንስሳታት እናሃደነት ብህይወት ክትጸንሕ ከም ዝኸኣለትን ገሊጾም።
71 ዓመት ዝዕድሚኡ ሪች ሙር ምስታ ፊኒ ዝተበሃለት ከልቡ፡ ብ19 ነሓሰ ናብ ጫፍ ከረን ብላክሄድ ክድይብ ድሕሪ ምብጋሱ’ዩ ናብ ገዝኡ ከይተመልሰ ተሪፉ።
ሬሳ ሙር ብ30 ጥቅምቲ ክርከብ ከሎ ፊኒ’ውን ኣብ ጎድኑ ተረኺባ።
ኣባል ጉጅለ ወለንተኛታት ዝኾነት ዴሊንዳ ቫነብራይቲን፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ኣብ መንጎ እቲ ሪች ሙር መኪናኡ ደው ዘበለሉን እቲ እምባን ንመዓልታት ዝወሰደ ዘይዕዉት ፍተሻ ከም ዘካየዱ ገሊጻ።
ድሕሪ ሰሙናት ሬሳ ሙር ኣብ ኣኽራናት ሳን ሁዋን ብሓደ ሃዳናይ ተረኺቡ። ምስኡ ዝነበረት ፊኒ ዝተብሃለት ከልቢ ድማ ዓቢራ’ኳ እንተነበረት ብህይወት ክትጸንሕ ክኢላ'ላ።
ንጽባሒቱ ከኣ ሰራሕተኛታት ምድሓን ብነፋሪት ናብቲ ቦታ ተጓዒዞም። ፊኒ ናብ ሓኪም እንስሳታት ተወሲዳ፡ ሕጂ ምስ ስድራቤት ሙር ትርከብ።
ኣሶሴይትድ ፕረስ ንቫንብራይቲን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ፊኒ ብገለ መንገዲ ብህይወት ከም ዝደሓነትን፡ ምናልባት ከም ኣናጹ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ እንስሳታት ብምህዳንን ካብ ኣናብስ ዝኣመሰሉ በላዕቲ እንስሳታት ብምሕባእን’ያ ብህይወት ጸኒሓ።
ቫንብራይቲን፡ ፊኒ "ዘደንቕ ዛንታኣ" ምስክር ናይቲ ንዋናኣ ዘለዋ ተወፋይነትን ተኣማንነትን ምዃኑ ገሊጻ።
"ኣዚና ተሓጒስና... እታ እትፈትዎ ሰብ ዝሰኣነት ስድራቤት እተደንቕን እምንቲን ከልቢ ኣላቶም" ኢላ።
መርማሪ ሬሳ እቲ ከባቢ ዝዀነ ብራድ ሃንት፡ ሪች ሙር ብሰንኪ ሰባት ኣንፈቶም ክስእኑን ክደናገሩን ክገብር ብዝኽእል ዋሕዲ ምቘተ-ሰብነት ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ።
ፈተውቲ ሪች ሙር ንኣውትሳይድ መጽሔት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንሱ ልምዲ ዘለዎ ተጓዓዛይ ምዃኑን ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓደ ዓርኩ ናብ ጫፍ እቲ ከረን ብእግሩ ከም ዝተጓዕዘን ገሊጾም።
በዓልቲ ቤቱ ዳና ሆልቢ ነታ መጽሔት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ፊኒ ምስ ሪች ሙር ኣዝያ ትቀራረብ ከም ዝነበረት ሓቢራ።
ብተወሳኺ ፊኒ ን10 ሰሙን ብህይወት ከም ዝጸንሐት ምስ ፈለጠት ከም ዝሰንበደትን ንሳን ወዳን ነታ ከልቢ ካብ ሆስፒታል እንስሳታት ምስ ኣውጽእዋ ከም ዝበኸዩን እውን ተዛሪባ።