ዶክተር ኒኮል ሂርት፡ 'ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን’ዩ'

Published

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ (1961-1991) ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ'ቲ ህዝቢ ዝደናገጹን ዝሕግዙን፤ ከም 'Against all odds' ክብል ዝጸሓፈ ዳን ኮነል፡ 'Even the stones are burning' ዝበለ ሮይ ፓትማን፡ “ናደው፡ መዘና ዓወት ዴን ቤንፉ” ዝበለ ባሲል ደቪድሰን ካልኦት በብዓቕሞም ዘበርከቱ ኣብ ፈቐድኡ መጋባእያታትን መድረኽን ኣብ ኣህጉራዊ ሚድያታት ስለ’ቲ ቃልሲ ጐስጓሳት ዘካየዱን ብመጻሕፍትን ጆርናልን ንምዕባለ ቃልሲ ዘላለዩ፡ ኣውስትራልያውያን ኢጣልያውያን፡ ፈረንሳውያንን፡ ዜጋታት ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ነይሮም።

ካብዚ ታሪኻዊ ሓቂ ብምብጋስ ከኣ ‘ብዘይ ጽሑፋቶምን ምትሕብባሮምን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ዓለም ኣይምተፋለጠን’ ዝብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣለዉ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኵነታት እናተለወጠ ምስ ከደ፡ ቅዋም ሃገር ምስ ደስከለ፡ ሃገራዊ ምርጫ ምስ ተረፈ፡ ናጻ ፕረስ ምስ ተዓጽወ፡ ማእሰርቲ ዜጋታት ምስ ሳዕረረ፡ ስደት ብተዓጻጻፊ ምስ ወሰኸ፡ እቶም እወታዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብተስፋ ዝጽበዩ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ኣዕሩኽን ተሓባበርቲን ቃልሲ በብሓደ ካብ ጸግዒ ኤርትራ ተኣልዩ። 

ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኤርትራ መሰረታውን ዓይነታውን ለውጥታት ክተኣታቶ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ጀርመናዊት ተመራማሪት ዶክተር ኒኮል ሂርት እያ። 

ኒኮል ሂርት መዓስ እያ ምስ ኤርትራ ተፋሊጣ?

ኒኮል ሂርት ‘ገሽተትን’ ኣብ እትበሃል ኣብ ዞባ ባደን-ቩርተንበርግ (ደቡብ ጀርመን) እትርከብ፡ ኣብ ጥቓ ኡልም ዝበሃል ከተማ ወይከኣ ካብ ሽቱትጋርት 100 ኪ.ሜ. ዝርሕቀታ ሓንቲ ንእሽቶ ቑሸት’ያ ተወሊዳን ዓብያን።

ኒኮል ኣብ ሰማንያታት፡ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመኣ ምዃኑ’ዩ፡ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፋለጠት። እዚ ማለት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ዑቝበኛታት ኤርትራውያን ተመዲቦም ምስ ኣተዉ፡ ንመጀመርታ እዋን ምስ ኤርትራውያንን ሽግራቶምን ተላለየት።

ኣብቲ እዋን’ቲ ብፖለቲካ ግድስቲ ገስጋሲት መንእሰይ ብምንባራ፡ እቲ ገስጋሲ ባህሪ ሰውራ ኤርትራ ሰሓባ። ካብ 1986 ጀሚራ ኸኣ ንኤርትራ ኽትሕግዝ ተበገሰት።

ንመትከላት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተቐቢላ ኸኣ ኣብ ህይወታ ዓይነታዊ መቐይሮ ኣታኣታተወት።  ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያንን ንሓፋሽ ውድባትን ክትተሓበበር ጀመረት። 

ብፍላይ እቲ ቃልሲ፡ ንማዕርነት ደቀንስትዮ ዘኽብር ብምንባሩ ኣዝዩ ሰሓባ፤ ምስኡ ኸኣ ባህልን ልምድን ምግብን ኤርትራውያን ስለ ዝተሰማምዓ ካብኦም ሓደሓደ ቃላት ትግርኛ እናተማህረት ምስኦም ተጊሃ ክትሰርሕ ጀመረት።

ሽዑ ምስ ኤራ (ERA) ዝበሃል ማሕበር ረዲኤት - ምስ ጨንፈር ጀርመን - ተሓባቢራ ብምስራሕ ንሰውራ ኤርትራ ገንዘብ ትእክብ ነይራ።

ኣብቲ ዘመን’ቲ ኤርትራውያን ልደተ-ልደት ኣብ ጽርግያታት ከተማታት ጀርመን ወጺኦም ገንዘብ ይእክቡ ነበሩ። ኒኮል ድማ ብዝከኣላ መጠን ትተሓባበሮም ነበረት።

ኒኮል ንኤርትራ ብመጽናዕትን በቲ ትገብሮ ዝነበረት ምትሕግጋዝን ጥራይ ኣይኰነትን ትፈልጣ። ብ1985፡ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ሓዳር መስሪታ ሓንቲ ጓል ስለዝወለደት፡ ንኤርትራ ብመውስቦ እውን ትፈልጣ እያ።

ሓደ እዋን ከኣ ኒኮል ንጓላ ምስ ዓዲ ኣቦኣ ከተላልያ ንኤርትራ ሒዛታ ከይዳ ነይራ። ምብጻሕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጓላ ኣብ ኤርትራ ምስኣ ንኽልተ ዓመት ናይ ምንባር ዕድል’ውን ረኺባ’ያ።  ስለዚ ንኤርትራ ዘለዋ ኣፍልጦ ልዑል’ዩ።

ናጽነት ኤርትራ

“ናጽነት ኤርትራ ምስ መጸ ክቱር ሓጐስን ጽንብልን ህዝቢ ኤርትራ ብቐዳማይ ደረጃ ከስተማቕሮ ከኣልኩ” ትብል ኒኮል። “ኣብቲ ዝነበርክዎ ከባቢ ዝነበረ ፌስታ ክሳብ ሎሚ’የ ዝዝክሮ። ንነዊሕ እዋን ከኣ ዑቕበኛታት ንናጽነቶም ክጽንብሉ ሓደ ነገር ከስተብህል ጀመርኩ” ኢላ ንዝተራእያ ፍጻመታት ትገልጽ።

“ከምቲ ኣነ ዝተጸበኽዎ፡ ኤርትራውያን ከምቲ ጌሮም ዝተቓልስዎን ዝነበሮም ፍቕሪ ሃገርን ንሃገሮም ክውሕዙ’ዮም ዝብል ትጽቢት ነይሩኒ። ኣነ ሽዑ ዝረኣኽዎ ሃገራውነት ምስቲ ዝተጸበኽዎ ዝመጣጠን ኰይኑ ኣይረኸብክዎን። ኣነ ዝመስለኒ ዝነበረ ተሓጕሶም ንሃገሮም ንኽሃንጹ ዝምለሱ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣይኰነን ግን፣ ሰብ ኣብ ምምላስ ዝሕጥ ክብል ርእየ፡” ትብል።

“ኣነ ዘየስተብሃልኩሉ ግን ንሳቶም ዝተገንዘብዎ ዘየቕሰኖም ነገር ነይሩ ማለት’ዩ፣ ኵሎም ዓዲ ብምብጻሕ ኵነታት ዳህሲሶም ንዓዲ ስደት (ሃገረ ጀርመን) ይምለሱ ነበሩ። ብዙሓት ካባታቶም ናይ ጀርመን ወረቓቕቶም ኣሐዲሶም፡ ገሊኦም ከኣ መንነት ጀርመን ብምውሳድ፡ ኣብ ጀርመን ንሓዋሩ ዝተርፍሉ መዳያት ከደላድሉ’ምበር ንዓዶም ዝምለስሉ መዳያት ንክተሓሓዝዎ ኣይዓጀቦምን” ኢላ ነቲ ሽዑ ዝተጋህደ ኵነታት ኤርትራውያን ትገልጾ። 

“ኤርትራ ኣብ መንጎ ሰላምን ውግእን”  

ኒኮል ትምህርታ እናቐጸለት ካብ ጸግዒ ኤርትራ ኣየልገሰትን።  ንፈለማ ግዜ ብ1995 ንኤርትራ በጽሐት።

ንመጀመርታ እዋን ንኣፍሪቃ ትበጽሕ ስለ ዝነበረት እቲ ኣብ ጀርመን ኰይና ብዛዕባ ኤርትራ ዘጽንዓቶ ምስቲ ምብጻሕ ከተነጻጽር ከኣለት። ኵሉ ግን ከም ሓደ ዓቢ ቅያ ገይራ ትርእዮ ነበረት።

ዝዀነ ኰይኑ ኣብ ገጠራት ብምብጻሕ ኵነታት ሃገር ብቐረባ ክትዕዘብ ከኣለት። ኣብ ዝኸደቶ ቦታ ተመሃሮ ኣብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ክትርኢ ይዝከራ። 

“ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ እንቋዕ መንግስቱ ሃይለማርያም ከደልና ዘስምዕ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ብሩህ መጻኢን ዘማዕድዉ ሰባት የጓንፍኒ ነበሩ፡” ትብል።

እቲ ናይ ፒ.ኤች.ዲ. መጽናዕታን ዝኣከበቶ ሓበሬታን ብ1998’ኳ እንተወድኣቶ፡ ንምሕታሙ ኣይተሃወኸትን። እቲ ትሕዝቶ ምርምራ ብዛዕባ ኤርትራ ኰይኑ ምዕባለ ሃገር ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ክትድህስስ ጀመረት። ሽዑ ዝነበሩ ፖሊሲታት መንግስቲ ብምፍታሽ፡ ርእሰ-ምርኰሳዊ ሞዴል ቍጠባ ብምጽናዕ፡ ኤርትራ ምስ ሃገራት ዓለም ዝነበራ ርክባት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ እናተራኸበት ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካየደት።

 ኣይጸንሐን ግን ብ1998ን ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራ ምስ ተጀመረ ኵነታት ከፍአ።

መጽናዕታ ምስ ኣጠናቐቐት ድማ ነቲ እማመኣ ብመልክዕ መጽሓፍ ብ2000 ብቛንቋ ጀርመን ኣሕተመቶ።

ዋላ’ኳ እቲ ውግእ ንብዙሓት ተስፋ እንተ ኣቝረጸን ክቱር ጸገም እንተ ፈጠረን፡ ኒኮል ተስፋ ከይቈረጸት ስርሓ ቀጸለት። ብ2001 ኵነታት ቅሩብ ምስ ሃድአ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይና ተወሳኺ መጽናዕቲ ከተካይድን ክትምህርን ዳግም ተበገስት። ቀኒዑዋ ኸኣ ምርምራ እናካየደት ፖለቲካዊ ሳይንስ ክትምህር ጀመረት።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ውግእ’ኳ እንተ ኣብቅዐ፡ ኣብ ኤርትራ ቅሳነት ኣይነበረን። “ተመሃሮ ንዊዓ ክስደዱ፡ ሰበስልጣን-ነበርን ዓበይቲ ዓድን ክእሰሩ፡ ናብ ለውጢ ዘምርሑ ጐደናታት ምስ ተዓጽዉ፡ ብዙሕ ኣሉታዊ ሸነኻት ሃገር ክገሃደለይ ጀመረ” ትብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ዝመሃረትሉ እዋን ብዙሕ ዘየሕጕስ ነገራት ከም ዝረኣየት ትገልጽ።

“ህዝቢ ፈሪሑ ድልየቱ ካብ ምዝራብ ዝተቘጠበሉ፡ ሓለፍቲ-ነበር ንለውጢ ብምጥላቦም ክዳጐኑ፡ ተመሃሮ ክህደኑ፡ ኣውራ ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቅልውላው ዝኣተወሉ፡ ከምኡ’ውን እቶም ተመሃሮ ንኽርዕዱ ስጕምትታት ዝተወስደሉ እዋን ነበረ፡” ኢላ ትገልጾ።

“ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ከም በዓል ዶክተር ኣሌክሳንደር ናቲ ዘኣመሰሉ መምህራን ብትብዓት ንሓቂ ክዕንቅፍ ንዝፍትን ዝነበረ ኣካል ብጥንቃቐ ክምክቱ እዝከረኒ” ትብል።

“እቲ ኵነታት ኣብ ውጥረት ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ናጻ ዄንካ ምዝራብ እናተረፈ ክኸይድ ጀሚሩ። ኣነ ሓደ ሰሚናር ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ክምህር እዝከረኒ። እቲ ዛዕባ ንስርሓት መንግስቲ ኤርትራ ከይወቐስኩ፡ ወሰን-ወሰን እናበልኩ ክምህር ዝተገደድኩሉ እዋን ነበረ።

"ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ብዛዕባ ምንጽጻር ምልካዊ ስርዓታት ዘኣመሰሉ ዛዕባታት ክምህር ዝነበረኒ ሽግራት ርዱእ’ዩ ኢለ እኣምን” ኢላ ትገልጾ።

“በቲ ዝተፈጥረ ሃዋሁ ክተባባዕ ኣይከኣልኩን። ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መጻኢ ዕድሉ ከም ዝተሰብረ ተረድኣኒ። መጽናዕተይ ብኻልእ መዳያት ንኽቕጽል መገዲ ከናዲ ጀመርኩ፣ ኣይጸናሕኩን ከኣ ኣብ ሃምበርግ-ዩኒቨርሲቲ (ጀርመን) ዘቕረብኩዎ ፕሮጀክት ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ወሰንኩ” ኢላ ካብ ኤርትራ ዝወጸትሉ እዋን ትገልጽ።

“ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ ግን ብዛዕባ ኤርትራ ካብ ምሕሳብን ምርምረይ ካብ ምቕጻልን ዓዲ ኣይወዓልኩን” ትብል ኒኮል።  

ንሰብኣዊ ሃብታ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ በቲ ሕጂ እትርከበሉ ኩነታት እታ ሃገር ከምእትድንጾ ትዛረብ።

ብ2003 ካብ 20 ክሳብ 25 ሓምለ 2003 ኣብ ሃምቡርግ ዝተባህለ ከተማ (ኣብ ጀርመን) ሓደ ኣኼባ ተኻየደ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ 25 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ 400 ስነ-ፍልጠተኛታት ተረኺቦም ነይሮም።

ካብ ኤርትራ በዓል ነፍስሄር ዶክተር ኣሌክሳንደር ናቲ፡ ከምኡ’ውን ዶክተር ዓብደልቃደር ሳልሕ ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ነበረ። ክልቲኦም መምህራን ከኣ ካብቲ ኣኼባ ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ ብመንግስቲ ተኣስሩ።

ዶ/ር ኒኮል ሂርት ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ ንኵነታት ኤርትራ፡ “ካብ ርእሰ-ምርኰሳ ናብ ምልኪ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ከተቕርብ ይዝከራ።  

“ብድሕሪኡ፡ ዋላ’ኳ ሓደ-ክልተ ግዜ ኣብ ኤርትራ ንኽኣቱ እንተ ተፈቕደለይ እቲ ዝነበረ ርክብ እናማህመነ ክኸይድ ረኣኽዎ። ንዝረአኹዎ ጕዳይ ብጽሑፍ ክምስክር ምስ ጀመርኩ ግን ጨሪሰ ካብ ኤርትራ ረሓቕኩ። 

"ናብ ኤርትራ ንኽበጽሕ ከም ዘይከኣል ተረድኣኒ። መጽናዕተይ ከኣ፡ ናብ መጽናዕቲ፡ ክንዮ-ሃገርን ስደተኛታትን ሰገረ” ትብል ዶ/ር ኒኮል ሂርት። 

ምስክርነት ዶ/ር ኒኮል ሂርት  

ዶክተር ኒኮል ሂርት፡ ኣብ 2013 ምስ ኤርትራዊ ዶክተር ሳልሕ ዓብደልቃድር ሓቢራ ዘቕረበቶ፡  “ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ክገሃድ ጸገም’ዩ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ “ጆርናል ዘመናዊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ” (The Journal of Modern African Studies) ምስ ተሓትመ ንብዙሓት ሰባት ኣዛረበ። 

ትሕዝቶ ናይቲ ሓተታ፡ ኣብ ሓደ ስነ-ማሕበረሰባዊ ክልሰ-ሓሳብ ተመርኲሱ (Theory of Anomie) ንሓደ ስግንጢር ፍጻመ ዝገልጽ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ፍጻመ ካብ ንቡር እምነትን መስርሕን ማሕበረሰብ ወጻኢ ዝፍጸም ተርእዮ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ’ዩ።

እቲ ዛዕባ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ባህሪ ከምዝለበሰ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕዮ መናእሰይ ዘስዕቦ ዘሎ መከራ፡ ዋሕዚ ንስደት፡ ድህከት ስድራቤታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክልተ ዘይሳነዩ ተርእዮታት ከም ዝተፈጠሩ የርኢ። እቲ ቀዳማይ ተርእዮ ምልኪ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ባህሊ ወይ ንቡር ዝጥሕስ መስርሕ ከም ዝተኣታተወ የርኢ።

ኣብቲ ሓተታ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ “ብ2009 ሓደ ጋዜጠኛ 'Financial Times' ኣብ ኤርትራ ክበጽሕ ምስ ከደ፡ ንሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣስመራ ረኺቡ ከዘራርባ ኸሎ፡ ከምዚ በለቶ፣ ብንእሽተይ እንከለኹ ተስፋ ነይሩኒ፣ ሕልምታት ነይሮምኒ። ሕጂ ግን ትጽቢት ዝብልዎ የብለይን፣ መዓልቲ ይመጽእ መዓልቲ ይኸይድ። ስለዝዀነ ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን እዩ” ኢላ ኣግሂዳ ስለዝተዛረበቶ፡ ካብኡ ብምብጋስ ንኣርእስቲ ናይቲ ሓተታ “ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን’ዩ” ኢላ ሰመየቶ።

እቲ ሓተታ ነቲ ሓቅነቱ ዝተጋህደ ህድማ መናእሰይ ካብ ኤርትራ ብዕቱብ’ዩ ዝገልጽ። መናእሰይ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ’ምበር ረጊኦም ጸኒዖም ንሃገሮም ናይ ምክልኻል ሓሳብ ከም ዘይብሎም የርኢ። ኰይኑ ድማ ኣብቲ ሓተታ ስደት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ብዝተዓጻጸፉ ኣሃዛት ብምውሳኹ ንመዋቕር ሕብረተሰብ ኤርትራ ይፈታትኖ ከም ዘሎ ምስ መርትዖኡ የቕርብ።

ዶ/ር ኒኮል ሂርት ዓሚ ዘካየደቶ ሓደ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ኣሎ። እዚ ኸኣ ገለ ካብቶም ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት (ኣብ ወጻኢ) ዝተወልዱን ዝዓበዩን መናእሰይ፡ ከመይ ኢሎም "ምስ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋሰበ ጻውዒት ህግደፍ" ተቐቢሎም ከም ዝድግፍዎ ተርኢ።

እቲ መጽናዕቲ ብ‘ክንዮ-ዝኽሪ’ (‘Post-memory’) ዝበሃል ስነ-ሓሳብ ተሰንያ’ያ ትገልጾ። እዚ ማለት መንእሰያት ቅድሚ ምውላዶም ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ማህሰይትን ዝኸፈሎ ዋጋን ብወለዶም ኣቢሎም ዝተረከብዎ ተመኵሮታት ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ንሰማእትነት ከም ውርሻ ብሕቱ ገይሩ ስለ ዝጥቀመሉ ነቶም ዝሰዓቡ ወለዶታት፡ ስምዑለይ ረኣዩለይ እናበለ ነቲ ውርሻ ንረብሓኡ ይጥቀመሉ’ዩ ትብል ዶ/ር ኒኮል።

"እቶም ሰማእታት በዚ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክሕተቱ እንተ ዝከኣል ነይሩ ግን መልሱ እንታይ ኮን ምዀነ?” ትብል።

“እቲ ንመናእሰይ ዝንገሮም ዛንታታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታትን ኣይጋጠሙን’ዮም፣ መንግስቲ ግን ነቲ ዛንታ ብዝጥዕሞን ብዘርብሖን ኣገባብ ስለ ዝዝርግሖ ኣብ ግዳም ዝተወልዱን ዝዓበዩን መናእሰይ ጌጋ መርገጺ ንኽወስዱ የኽእሎም ኣሎ” እናበለት ኣበርቲዓ ትምጕት።  

ብዛዕባ ስደተኛታት

ዶክተር ኒኮል ሂርት ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ስደተኛታት ትዛረብ።  

“ኤርትራውያን ሃገሮም ናጻ ምስ ወጸት ኣብ ጀርመን ንኽተርፉ፡ ንዓዶም ንኸይምለሱ፡ ዘርኣይዎ ጸደፍደፍ ንዓይ ዓቢ ዛዕባ’ዩ፣ እዚ ኸኣ በቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ህይወት ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምዃኑን ኣካይዳ መንግስቲ ኸኣ ከም ዘየተኣማመኖም’ዩ ዘመልክት።

"ኣብዚ ዀይኖም ግን ንውሳነኦም ንምሽፋን ወይ ከኣ ንኸምስሉ ኢሎም ምስ መንግስቲ ከሻርዉ ይርኣዩ፡” ትብል።

“እዚ ነቲ ብሓደ ጂ.ቲ.ዘድ. (GTZ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሃገር ንኤርትራውያን ኣስኒቑ (ናይ ባዕሎም ቤት-ዕዮ ንኽምስርቱ) ናብ ኤርትራ ዝልእኽ መደብ፡ ብቢሮክራሲ መንግስቲ ኤርትራ በርዒኑ ክተርፍ እዝከረኒ፡” ትብል።

“ኰይኑ ድማ እንሆ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዝተሰደዱ ኤርትራውን ገና ኣብ ጀርመን ይርከቡ። ናጽነት ንስደት ከናውሖ  ኣይምተገብአን፣ ንሽግሮም ክፈትሖ ኣይከኣለን ማለት’ዩ። ብዙሓት ብዕድመ ደፊኦም ሓደ-ብሓደ ይሞቱን ኣብ መሬት ጀርመን ክቕበሩን እርኢ ኣለኹ። 

"ዋላ እቶም ህ.ግ.ደ.ፍ. - ኣባላት ሰልፊ መንግስቲ - ኢና ዝብሉ። ብሓቂ ሕንቅልሕንቅሊተይ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ካብ ናጻ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ጀርመን ዝዕቘቡ ዘለዉ መንእሰያት፡ እንሆ ቍጽሮም እናዛየደ ክኸይድ እርእዮ ኣለኹ። ጥዕና ዘለዎ ናጽነት ንዜጋታቱ ይሓቝፍ’ምበር ኣየሳጕግን’ዩ። ኵነታት እንተዘይተቐይሩ ከኣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክቕጽል’ዩ፡” ብማለት ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት መጽናዕትታን ምርምራትን ከምእትቕጽሎ ትገልጽ።