እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብፍቕሪ ተሳዒሮም ኣብ መርዓ ዝበጽሑ መነኮሳት
ሲስተር [ድንግል] ሜሪ ኤልሳቤጥ ከም ሓንቲ ውፍይትን ጽንዕትን መነኮስ ዝበዝሕ ህይወታ ኣብ ጽምዋ ትነብር ነይራ። መብዛሕትኡ ግዜኣ ኣብ ሰሜናዊ እንግሊዝ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ክፍሊ እያ ኣሕሊፋቶ።
ምስ ሓደ ተመሳሳሊ ህይወት ዝነበሮ ውፉይ መነኮስ ሃንደበት ዘማዕበለቶ ርክብ ግን፡ "ምንኩስና ገዲፍካ ምተመርዓኻኒዶ" ዝብል ቃላት ዝሓዘ መልእኽቲ ፈጠረ።
እዚ፡ ካብ እትምንኩስ ድሕሪ 24 ዓመት ዘጋጠመ፡ ሲስተር ሜሪ ኤልሳቤጥ ንዅሉ ህይወታ ዝቐየረ ተጓንፎ፡ ኣብ ኣዳራሽ ናይቲ ኣብ ፕረስተን፡ ላንክሻየር ዝርከብ ገዳም ዝመጽአ መነኮስ ምትንኻፍ ኢድ ዝፈጠሮ ነበረ።
ሓላፊታ፡ ኣብ ኦክስፎርድ ካብ ዝርከቡ ‘ቀዳሞት ካርሜላውያን’ ዝበጽሕ ዝነበረ መነኮስ ሮበርት ገለ ዝብላዕ እንተደልዩ ንምርኣይ ሒዛቶ መጽአት።
እታ ሓላፊታ ግን ተሌፎን ክተዛርብ ተጸዊዓ ስለ ዝነበረት ክልቲኦም ኣብኣ በይኖም ተረፉ።
"ሓቢርና ኣብ ሓደ ክፍሊ ንመጀመርታ ግዜና'ዩ ነይሩ። ንሱ ክበልዕ ከሎ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና፡ እታ ሓላፊትና ድማ ስለዘይተመልሰት ከውጽኦ ግድን ኰይኑኒ።"
ሲስተር ሜሪ ኤልሳቤጥ፡ ንሮበርት ካብ ኣፍደገ ክተውጽኦ እንከላ፡ ኢዱ ምስ ጸረገትሉ፡ ገለ ከም ምንቅጥቃጥ ዓይነት ከም ዝተሰምዓ ትዛረብ።
"በቃ ኣብኡ ኬሚስትሪ ተሰሚዑኒ። ገለ፡ ቅሩብ ድማ ሓፊረ፤ ኣነ ድማ ከምዚ ሓሲበ። ንሱ'ውን ከምኡ ዶ ተሰሚዕዎ ይኸውን - ኢለ። ካብ ማዕጾ ክወጽእ ከለኹ ድማ ኣዝዩ ጽዩፍ እዩ ነይሩ።"
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ግን፡ ሮበርት ክትምርዓዎ ትኽእል እንተዀይና ዝሓትት መልእኽቲ ከም ዝበጽሓ ትዛረብ።
"ቅሩብ ሰንቢደ። ለቢሰ ስለዝነበርኩ ሕብሪ ጸጕረይ'ውን ርእዩ ኣይፈልጥን። ብሓቂ ብዛዕባይ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን፣ ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ዓለማዊ ስመይ'ውን ኣይፈልጥን ነይሩ" ትብል።
ሲስተር ሜሪ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ 19 ዓመት ዕድመኣ ናብ ስርዓት ካርሜላውያን ቅድሚ ምእታዋ፡ ሊዛ ቲንክለር እያ ትበሃል ነይራ።
ወለዳ ሃይማኖታውያን'ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ሓንቲ ሓፍታ ናብ ሉርድስ ዝገበረቶ ንግደት ኣብ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ሊዛ ገለ ነገር ስለ ዘበራበረ፡ ንኣቦኣ ኣብ መደቀሲኣ መሰውኢ ክሰርሕ ሓተተቶ።
"ኣብ ልዕሊኣ ንእሽቶ ሓወልቲ እመቤትናን ንእሽቶ ጥርሙዝ ማይ ሉርድስን ነይሩኒ። ብሓቂ ክዛረብ እንተዀይነ፡ እቲ ጥርሙዝ ቅዱስ እምበር ማይ ኣይመስለንን ነይሩ - ስለዚ ካብ ቡንባ መሊአ ነቲ ማይ ጥራይ እየ ዝሰቲ ነይረ" ትብል ይብል።
ሊዛ ናብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓዳ ዝርከባ ሮማውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ባዕላ ከይዳ፡ ኣብቲ ካልኣይ መንበር በይና ኮፍ ኢላ- ኣብኡ ድማ ንድንግል ማርያም ኣደ የሱስ፡ ልዕሊ ዓቐን ፍቕሪ ከም ዘማዕበለት ትዛረብ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ስምዒት ጸዋዕታ ከም ዘማዕበለት ትዛረብ።
ገና ኣብ ዕድመ ንእስነታ እንከላ፡ ኣብ ሓደ ገዳም ንሰሙን ኣብ ዝገበረቶ ዕረፍቲ፡ ንጸዋዕታኣ ኣእሚንዋ።
እቲ ገዳም ብካርሜላውያን መነኮሳት ካብ ሓደ መበገሲኡ ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ዝነበሮን እቲ ህይወት ብፍላይ ስፓርታናዊ፡ ጽምው ዝበለን ጽኑዕን ስርዓት ዝመሓደር እዩ ነይሩ - ንሳ ግን ልክዕ ከምቲ ክትመርሖ እትደሊ ህይወት ብምዃኑ ወሰነት።
ሊዛ ብኡንብኡ ክትጽንበር'ኳ እንተደለየት፡ - ብውሳነ ጓላ ዝተጨነቐት ኣደኣ - ንገለ ኣዋርሕ ምኻዳ ከተደናጕ ብሕቡእ ናብቲ ገዳም ጽሒፋ፡ ሊዛ ተወሳኺ ሓደ በዓል ልደት ኣብ ገዛ ከተሕልፍ ክኢላ።
ኣብ ሓድሽ ዓመት ድማ ተጸንቢራ።
"ካብ ሽዑ ጀሚረ ከም ባሕታዊት እየ ዝነብር ነይረ። ኣብ መዓልቲ ክልተ ናይ መዘናግዒ ግዜ ነይሩና፣ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት፡ ክንዛረብ እንኽእል፡ እንተዘይኰይኑ ኣብ ክፍልኻ ንበይንኻ ኢኻ ትነብር። ምስዝዀነ ሰብ ሰሪሐ ኣይፈልጥን፡ ኵሉ ግዜ ንበይንኻ" ትብል ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሲስተር ማርያም ኤልሳቤጥ፡ ብዘይካ ኵነታት ኣየርን ኣብቲ ጀርዲን ዝነበረ ተፈጥሮን፡ ምስተን ካልኦት መነኮሳት - ኵለን ብዓሰርተታት ዓመታት ዝዓብያኣ - ዝያዳ ክትዛረበሉ እትኽእል ነገር ስለዘይነበራ፡ ቃላታ ክጐድል ተሰሚዕዋ። ንኣደኣ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ብግሪል ትርእያ ነይራ።
"መበል 21 ዓመት ልደተይ ምስ ኣኽበርኩ፡ ኬከይን ካርድታተይን ኵሎም በቲ ሳጹን ይሓልፉ ነይሮም። ወዲ ሓወቦይ ምስ ተወልደ ድማ ብዓይነት ተርንቴብል እዩ ሓሊፉ" ክትብል ንዅሉ ብፍቕሪ ምልስ ኢላ ብምርኣይ ትስሕቕ።
ንሳ፡ እቲ ናይ ደገ ዓለም ምስ ተዓጽወላ፡ "ውሽጣዊ ዓለማ" ክኽፈት ዝተሰምዓ ኵነታት ትገልጽ።
ዕግበትን ሓጐስን ተሰሚዑኒ ነይሩ። ግን፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ናይ ገዳም ፓርላር፡ ኵሉ ተቐየረ፤ ካብ ገዳማዊ ህይወት ርሒቕኪ ክትምርዐውኒ ዲኺ ብዝብል መልእኽቲ ተቐየረ።
ሲስተር ሜሪ ንሮበርት ንሕቶኡ መልሲ ኣይሃበቶን፣ እንታይ ከም እትገብር እውን ኣይፈለጠትን።
ብዛዕባኣ ዝፈልጦ ነገር ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንሳ ግን ብዛዕባኡ ቅሩብ ትፈልጥ ነይራ።
ካብ ኦክስፎርድ ናብቲ ኣብ ፕረስተን ዝርከብ ማእከል መንሳፈፊ ካርሜላውያን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ሓሓሊፉ ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ገዳም ቅዳሰ ክገብር ይመጽእ ስለ ዝነበረ ሊዛ ድማ ስብከታቱ ብድሕሪ ግሪል ኰይና ትዕዘብ ነይራ።
ንሱ ክሰብኽ ከሎ ዝጸሓፎ ትረኻታት ብምስምዓ፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ጥቓ ዶብ ጀርመን ኣብ እትርከብ ሲለዝያ እትዓቢ ዝነበረት ህይወት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፍቕሪ ኣኽራናት ዝገልጽ ቁንጣሮ ጽሑፋት ረኸበት።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ልዕሊኣ ዓሚቝ ጽልዋ ዝነበሮ ኮይኑ ከምዘይተሰምዓ ትገልጽ።
ሕጂ፡ ሃንደበት፡ እዚ ተቐይሩ።
"ኣብ ፍቕሪ ምህላው እንታይ ከም ዝስምዓኒ ኣይፈለጥኩን፡ እተን ደናግል ኣብ ገጸይ ክርእያኦ ዝኽእላ መሲሉ ተሰመዐኒ። ስለዚ ኣዝየ ተሰናቢደ። እቲ ኣባይ ዝነበረ ለውጢ ክስመዓኒ ክኢሉ፡ እዚ ድማ ኣፍሪሑኒ" ትብል።
ሲስተር ሜሪ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ መወዳእታ ትብዓት ረኺባ ንፕሪሰራታ ኣብ ልዕሊ ሮበርት ስምዒት ዘለዋ መሲልዋ ክትዛረባ ከላ፡ ዝረኸበቶ መልሲ ግን ዘይእመን እዩ ነይሩ።
"ኵሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሰዓታ 24/7 ኣብኡ ስለ ዝነበርና ከመይ ከም ዘጋጠማ ክርድኣ ኣይከኣለን። እታ ፕሪዮረስ ከመይ ግይረ ብውሑድ ርክብ ኣብ ፍቕሪ ክወድቕ ከም ዝኽእል ሓቲታታ" ትብል።
ሲስተር ማርያም ኤልሳቤጥ እንተ ወጺኣ ስድራኣ፡ ወይ ጳጳሳ ዝህብዎ ግብረ መልሲ ኣብ ኣእምሮኣ ይመላለስ ነይሩ። ምስ ኣምላኽ ዝነበራ ርክብ ክቕየር ድዩ ኣይቅየርን ኢላ እውን ተቓለሰት።
ምስ ሓላፊኣ ዝነበረ ርክብ ግን ባህርያዊ ዘይኮነ ቅልጡፍ ነገር ክትገብር ገይርዋ።
". . . ካምቻይን ብራሽ ስኒን ኣብ ቦርሳ ኣእትየ ወጺአ፡ ከም ሲስተር ሜሪ ኤልሳቤጥ ተመሊሰ ኣይፈልጥን" ትብል ሊዛ ሕጂ።
ሮበርት፡ ምሸት ምሸት ዳግማይ ናብ ፕረስተን ክትበጽሕ መደብ ከም ዘለዎ ዝሕብር መልእኽቲ ከም ዝለኣኸላ ገበረ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ሓደ ካርሜላዊ ዓርኩ ክራኸብ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ካብቲ ዝኣመኖ ኣባ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ንሱን ሊዛን ዘጋጠሞም ጸገም ክነግር እዩ።
ሊዛ፡ ኣብቲ ኣስታት ሓደ ማይል ርሒቝ ዝርከብ፡ ‘ብላክ ቡል’ ከም ዝራኸቡ ገመተት፣ ስለዚ ናብኡ ክተቕንዕ ወሰነት።
ንሊዛ ግን ኣክንዲ ዘሐጕስ ህሞት ዝኸውን፡ ኣብታ ናይ ሕዳር ምሸት - 2015 ናብ ዓሚቝ ጓሂ ኣትያ።
"ኣብ ጐደና ጋርስታንግ እናተጓዓዝኩ ከለኹ ዝናብ ይዘንብ ነይሩ። እቲ ትራፊክ ብድሙቕ መብራህቲ ቅድሚት ናባይ ይመጽእ ስለ ዝነበረ፡ 'ኣብዚኣ ህይወተይ ፍጻመ ክትረክብ ትኽእል'ያ' ኢለ ጥራይ ሓሲበ" ትብል፡ ንሓጺር እዋን ዝነበረ ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳብ ብምጥቃስ።
"ብሓቂ ይቃለስ ነይረ፡ እዚ ከይፍጸም ጥራይ ደው ከብሎ ኣለኒ ኢለ ሓሲበ፤ ሮበርት ድማ ናብ ህይወቱ ክቕጽል ይኽእል'ዩ። ግን ብሓቂ ብዛዕባ ሓዳር ዝበሎ ናይ ልቡ ድዩ ዝብል ሕቶ'ውን ነይሩኒ።"
ሊዛ ግን ዓርቢ ምሸት ኣብ ‘ብላክ ቡል’ ብዝነበራ ተጓንፎ፡ ክሳብ እትረኽቦ ጕዕዞኣ ቀጸለት።
ንውሽጢ ክትኣቱ ትብዓት ዝፈጠረት ግን፡ ነቲ መነኮስ ብኽፉት ማዕጾ ኣብ ውሽጢ ምስ ረኣየቶ ጥራይ እዩ።
ሮበርት፡ "ምስ ረእኽዋ፡ ልበይ ደው ኢሉ" ይብል።
"ብሓቂ ግን ብሓጐስ ዘይኮነስ ብፍርሒ እየ ተወሪረ፤ ምኽንያቱ ኣብታ ህሞት እቲኣ ምሉእ ብምሉእ ንሊዛ ክኸውን ከም ዘለኒ ፈሊጠ ነይረ፣ እንተዀነ ንዕኡ ብተግባር ድሉዋት ከም ዘይኮንና'ውን ፈሊጠ" ይብል።
ሮበርት ኣብዚ እዋን እዚ ን13 ዓመት መነኮስ ካርሜላውያን ኮይኑ ነበረ። ኣብቲ እዋን፡ ቅልውላው እምነትን መንነትን ስዒቡ፡ ትርጕም ህይወት ንምድላይ ናብ ገዳማዊ ህይወት ዝመጸ ተመራማሪን ስነ-መለኮታዊ ምሁርን እዩ።
ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሱ ክሓስቦ ከሎ፡ ሱሩ ነቲ ምድንጋር ዳርጋ ዘይተርፍ ዝገበሮ ኰይኑ ዝስምዖ - ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሉተራዊ ኣቦን ካቶሊካዊት ኣደን- ካብ ጀርመን ናብ ፖላንድ ኣብ ዝተቘርሰ ዞባ እዩ በጺሑ።
ድሕሪ ፍሹል ርክባት ግን፡ ኣብ ሓደ ካርሜላዊ ሮማዊ ካቶሊካዊ ገዳም ምጽንናዕ ዝረኸበላ ዓዲ እንግሊዝ ፍጻመ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ክቕጽል ዝደረኾ ጸልማት እዋን እዩ።
"ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ካርሜላውያን ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። መነኮስ ክኸውን'ውን ኣብ ግምት ኣይኣተኹን። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ነዚ ዓይነት መግለጺ እምነት ኵሉ ግዜ ኣዝየ እየ ዝጠራጠር ነይረ" ይብል ሮበርት።
እቲ ድንግልና ግን ንጸልማት፡ ጸገማትን ቅልውላውን ከመይ ገይሩ ክሳብ ዝረጋገጸሉ ደረጃ ከም ዝሓቍፍ ከም ዝመሃሮ ይዛረብ። ይዅን እምበር፡ እቲ ምስ ሊዛ - ሽዑ ድንግል ሜሪ ኤልሳቤጥ - ዳርጋ ከየተፈለጦ ዘማዕበሎ ርክብ፡ ንህይወቱ ቀይርዎ።
"እቲ ምትንኻፍ ሊዛ ኣብ ኢደይ ለውጢ ጀሚሩ፣ ኣብ ልበይ ግን በብቕሩብ ዝዓቢ ነገር እናተሰምዓኒ፡ ብዕብዳን ኣብ ፍቕሪ ዝወደቕኩ ኰይኑ ኣብ ዝተሰምዓኒ ደረጃ ዝበጻሕኩ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ መነኮስ ኴንካ፡ ከም ፍቕሪ ዝኣመሰሉ ስምዒታት ከመይ ጌርካ ከም እትብድሆም ይምህሩኻ እዮም" ይብል ሮበርት።
ንሊዛ ‘ክትምርዓዉኒ ዲኺ’ ኢሉ ዝሰደዶ መልእኽቲ ዳርጋ ምስ ነብሱ ምሁራዊ ምትህልላኽ ከምዝፈጠረሉ ይገልጽ።
"ኣብቲ እንዳሻሂ ምስ ተራእየት እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ንእሽቶ ጋኔን ኣዝዩ ሰንቢዱ። ፍርሐይ ግን ሃይማኖታዊ ወይ መንፈሳዊ ኣይነበረን፡ ኣብ 53 ዓመት ዕድመይ ከመይ ገይረ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጅምር ጥራይ እዩ ነይሩ" ይብል።
እቲ ምስግጋር ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከቢድ እዩ ነይሩ። ሊዛ ቅድሚ በዓል ልደት ዝነበረት ህሞት ትዝክር፣ ክልቲኦም ካብ ገዳማዊ ህይወቶም ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ማለት እዩ።
"ንሮበርት ጠሚተዮ ንሱ ድማ ተጨኒቑን ይበኪን ነበረ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ክልተና ምስ ከውሒ ተጋጪና፣ ከም ሮሜዮን ጁልየትን ዝኣመሰለ ነገር ጥራይ ወሲድና ክንውድኦ ዝግብኣና ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ሊዛ።
"ክልተና፡ ብሕታውነትን ተነጽሎን ስለዝተሰምዓናን፡ ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ ስለዘይንፈልጥን ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ጥራይ ኢና ሓሊፍናዮ" ትብል።
ኣብ ሓደ ማእከል ስራሕ ክልቲኦም ብዛዕባ ስራሕ ክእለቶም ምስ ተሓተቱ ንብዓት ዝነብዑሉ ህሞት ይገልጹ - ካልእ ካብ ፕረስተን ናብ ዮርክሻየር ብመኪና እናጽተጓዕዙ ከለዉ ድማ ከምኡ።
"ብቋንቋ ፖላንድ ብዛዕባ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ድንግልና ዝገደፋ መነኮሳት ዝገልጽ መጽሓፍ ኣዚዘ ነይረ። ንሊዛ ኣብ መኪና ኣንቢበያ ተርጒመላ፣ ንሳ ግን ኣብታ M62 ክትስሕብ ግድን ነበረ። ዛንታታተን ኣዝዩ መሕዘኒ ስለ ዝነበረ ክልቴና ክንበኪ ክኢልና" ይብል ሮበርት።
እቲ ሰላም ዘምጽኣለን ድማ እቲ ብመጀመርታ ናብ ምንኩስነቶም ዝመርሖም ነገር እዩ - ምስ ውልቃዊ እምነቶም ብምትእስሳር።
"ኣብ ኵሉ ሃይማኖታዊ ህይወትካ፡ ልብኻ ዘይተመቓቐለን ንኣምላኽ ዝተዋህበን ክኸውን ከም ዘለዎ ይንገረካ። ሃንደበት ልበይ ንሮበርት ንምሓዝ ዝሰፍሕ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ግን ካልእ ኵሉ ዝነበረኒ'ውን ከም ዝሓዘ ተረዲኡኒ። ኣነ ድማ ገይረ" ትብል ሊዛ።
ሊዛ መጀመርታ ኣብ ቤት ቀብሪ፡ ድሒራ ድማ ከም ካህን ሆስፒታል ስራሕ ረኸበት።
ካብ ሮማ ድሕሪ ደጊም ኣባል ስርዓት ካርሜላውያን ከም ዘይኰነ ዝሕብር ደብዳበ'ኳ እንተረበሾ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሮበርት ኣብ ቤተክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ተቐባልነት ረኸበ።
ክልቲኦም ብርግጽ ተመርዕዮም እዮም፤ ሕጂ ድማ ኣብ ሰሜን ዮርክሻየር ኣብ እትርከብ ቁሸት ሃተን-ሩድቢ ገዛ ይውንኑ - ኣብኡ ሮበርት ቪካር ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ተገይሩሉ ኣሎ።
ሕጂ እውን ካብቲ ገዳም ወጻኢ ናብራ ንምልማድ ኣብ ጕዕዞ ይርከቡ።
ክልቲኦም ክሳብ ሕጂ ባእታታት ገዳማዊ ህይወት ይናፍቝ እዮም። ብፍላይ ሊዛ፡ “ሮበርት እንተዘይህሉ ጽባሕ ናብ ምንኩስና ዓለም ምተመለስኩ" ትብል።