ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ከመይ ኣለዉ?

ኣብ ኣለምዋጭ መዓስከር ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Jh

Published

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ - ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ህሱም ኵነታት ናብራ ወዲቘም ምህላዎም ተፈሊጡ።

እዞም ኣብቲ ቀዋሚ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ይዅኑ ካብ ሱዳን ተፈናቒሎም ኣብ መተማ ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢታት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወዲቘም ከም ዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክቃላሕ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ካብ መዓስከር ኣለምዋጭ ሰባት ተወኪሱ ነቲ ኵነታት ኣረጋጊጽዎ’ሎ።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ፡ ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ዘዘራረቦ ስደተኛ፡ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ሕሱም ኵነታት ናብራ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሽዑ ዓሰርተ ኪሉ ስርናይ፡ ፍርቂ ሊትሮ ዘይቲ፡ ሓንቲ ኪሎ ክክዕ ምስተዓደልና፡ ብድሕሪኡ ዝረኽበናዮ የለን ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ ካብቲ ብመገዲ ዝተፈላለዩ ትካላት ማሕበራት ግብረሰናይ፡ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ትሪኒቲ ምሽን ይዅን ካልኦት ዝወሃብ ዝተፈላለየ ሓገዛት በብደረጃ ጸገሞም ፈላሊና ከነመቓርሕ ጸኒሕና ኢና፡ እንተዀነ ኣብዚ እዋን ኵሉ ኣብ ሽግር ስለዝርከብ እቲ ጸገም ብኢሱ ኣሎ፡ ኢሉ።

ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝረኸብዎ ገንዘብ ከምኡ'ውን እቶም ስደተኛታት ዘለዎም ብምውጻእ፡ እኽሊ ገዚኦም ኣጥሒኖም ስብቈ ኣዳልዮም ሓባራዊ ምገብ ብምውህሃድ ነቲ ህልው ጸገም ክሰግርዎ ይቃለሱ ምህላዎም'ውን ኣረዲኡ።

እዞም ስደተኛታት ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፡ ካብተን ኣብኡ ዝነበራ ተዓቚቦምለን ዝነበሩ መዓስከራት ማይ ዓይኒ፡ ዓድ-ሓሩሽ፡ ህጻጽ፡ ሽመልባን ፋሕ ኢሎም ካብ ዝተበተኑን፤ ሓያሎ ካብኦም ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞማ ማእከላይ ጐንደር ኣብ ትርከብ ከተማ ዳባት ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኣተዉን ምዃኖም ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብዚ ሓሙሻይ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኵነታቶም ንምፍላጥ ቢቢሲ ዝተወከሶ ካልእ ስደተኛ፡ እቲ ውግእ ዛጊት ኣብ ጥቓኦም ስለ ዘይበጽሐ ብመጠኑ ደሓን እኳ እንተለዉ፡ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ብምህላዎም ግን ናብቲ ዘለዉዎ ከባቢ ምስዝጋፋሕ፡ ክገጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ ከቢድ ስግኣት ኣንጸላልይዎም ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት፡ ብቐንዱ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎን ደቡብ ጐንደርን ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ናብ ማእከላይ ጐንደር ገጹ እንተኸይዱ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብጸገም ጸጥታን፡ ሕጽረት መግብን፡ ስእነት ሕክምናን ልክዕ ከም ኣብ ኲናት ትግራይ መሪር ኵነታት ዳግም ከይገጥሞም ስክፍታ'ኦም ብሓባር ይገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መዓስከር ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ቦታ ዝተደኰነ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ንኽትነብሮ ብዅሉ ሸነኻቱ ዘይምቹእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

“እዋኑ ክራማት ብምዃኑ፡ እቲ መዓስከር ጭቃን ውሕጅን ስለዝበዝሖ፡ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኵነታት ጥዕናን ሕማም ሸሮኽን ንርከብ፤ ጽሬትካን ጥዕናካን ምሕላው ኣጸጋሚ እዩ፡” ክብል ስግኣቱ ወሲኹ ገሊጹ።

ብሰንኪ’ዚ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት፡ “ብዙሓት ኣብዚ ምሳና ዝነበሩ፡ ብጐንደር ብሑመራ ገይሮም ንኤርትራ ዝተመልሱ ኣለዉ፡” ዝብል እቲ ወሃቢ ሓበሬታ፡ “ብዙሓት ከኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ንኬንያን ዩጋንዳን ይኸዱ ኣለዉ፡” ክብል ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ካብቲ መዓስከር ዝወጹ ይዅን ካብ ሱዳን ተፈናቒሎም ብመገዲ መተማ ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ፡ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ተገፊፎም ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝተገብረ ኣይርሳዕን።

እዚ ጸገም ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ግን ካብቲ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝኣተወ እኽሊ፡ “ካብቲ መዓስከር ትሽዓተ እኽሊ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን” ክወጻ ብዓይኑ ከምዝረኣየ ይገልጽ።

ነቲ ኵነታት ኣመልኪቶም ንሓለፍቲ እቲ መዓስከር ሓቲቶም እውን፡ “ናይ ዳብሊው ኤፍ ፒ [ትካል መግቢ ዓለም] ጉዳይ እዩ፤ ንብረቶም እዩ ባዕሎም የምጽዎ ባዕሎም ናብ ዝደለይዎ ይወስድዎ ንፈልጦ የለን፡” ኢሎም ከም ዝመለሱሎም ኣረዲኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4-5 ኣዋርሕ ብፍላይ ንረዲኤት ኢሉ ዝመጽአ ዝተፈላለየ መግቢ፡ ካብ ግቡእ መዓላኡ ተጠምዚዙ፡ ይስረቕ፡ ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ ብዝበል ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ስርሐን ደው ከም ዘበላ ኣይርሳዕን።

ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ- ኣራ ዓቕሙ ውሱን ምዃኑ ከም ዝተገልሰሎም፡ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ ገሊጹ።

ብዙሓት ቅሩብ ሓገዝ ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ቤተሰብ ዝረኽቡ ስደተኛታት፣ ካብቲ ንምንባሩ ዘይምችእ መዓስከር ኣለምዋጭ ወጺኦም፡ ኣብታ ዳባት እትበሃል ከተማ ገዛ ተኻርዮም ከም ዝነብሩ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

ኣብ ከተማ ልማኖ ይርአ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ከብርህ እንከሎ ድማ፣ ሓሓሊፉ ኣብቲ ኣቡኡ ዘላ መስጊድ ከይዶም ዝልምኑ ኣለዉ፤ እንተዀነ እቶም ኣብ ዳባት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን በብተርታ እናወጹ፡ ገዛ-ገዛ እናኸዱ እንጀራ ብምልማን ኣዋጺኦምን ኣኪቦምን ናብቲ መዓስከር ይሰዱ ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

“ብዙሓት ግን፡ ኣብ ዕዳጋ ቀዳም እቲ ከተማ ከይዶም ክዳውንቶም እናሸጡ፡ ይቃለሱ ኣለው።”

እቲ ዝኸፍአ ግን ኵነታት ጥዕና’ኦም ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብዚ እንተሓሚምካ ብኣጋ ብቝዕ ሕክምና ኣይርከብን ድሕሪ ምባል፡ “ብዙሓት ምስ ከበዶም ካብዚኣ ንማዶ ዝበሃል ዓቢይ ሕክምና ዘለዎ ቦታ ይስደዱ፤ ካብኡ ንደባርቕ ካብኡ ንጐንደር... ነዊሕ እዩ፤ ካብኡ ድማ ምስ ተወጽዐ እዩ ዝርከብ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ሬሳኻ ምርሓቕ እዩ - ትርጕም የብሉን፡ ሬሳ’ኦም ንኽቕበር እዩ ናብዚ ዝምለስ፡” ኢሉ ሓያለ ከም ዝሞትዎም ድማ የረድእ።

ዝያዳ ለይቲ ዘጋጥም ሕማማትን ሕርሲን ድማ፡ “ውሕስነት ጸጥታ ስለዘየለ ደዊልካሉ ዝመጻካ ኣምቡላንስ የለን...፤ ኣብ ሕርሲ ብወለንታ ዝሕግዙ ሰባት ስለዘለዉ ግን ምሉእ ውሕስነትኳ እንተዘይብሉ ይቃለሱ ኣለዉ፡” ብምባል ኣቓልቦ ክወሃቦም ይሓትት።

እቶም ኣዝዩ ብዙሕ ሽግር ኣሕሊፎም ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ኣብኡ ድማ ዝኸፍአ ነገራት የጋጥሞም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክግለጹ ጸኒሖም'ዮም።

ድሕሪ’ቲ ኲናት፡ ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣለምዋጭ ንምብጻሕ፡ እቲ ንደላሎን ኣስገርትን ዝሕተት ክፍሊት ዘይተኣደነ ምንባሩን ብዙሓት ክዳኖም ሸይጦም ዝመጽኡን፡ ኣብ መገዲ ዛሕዛሕ ዝበለ ሬሳ፡ ምርሻን፡ ዝምታ፡ ዓመጽ ሰጊሮም" ከምዝኣተው ንቢቢሲ ገሊጾም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ወሃቢ ሓበሬታ ከም ዝብሎ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተገብረ ቈጸራ፡ ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ነይሮም።

ብድሕሪኡ ዝተገብረ ቈጸራ ዝመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ’ኳ ኣንተዘይተረኽበ፡ ብሓፈሻ እቶም ኣብ ከባቢ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ከም ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።