ፋኦ: ብዛዕባ ቀረብ ድኹዒ ሓረስቶት ትግራይ እንታይ ይብል?

ሓረስታይ

ምንጪ ስእሊ, DW

Published

ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ)፡ ሓረስቶት ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ዘርእን ዘመናዊ ድኹዒን እዋን ክረምቲ ከይሓልፎም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ስግኣቱ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ትካል፡ ምሩጽ ዘርእን ድኹዒን ኣብ ግዚኡ እንተዘይበጺሑ እቲ ወቕቲ ዘርኢ ክባኽን ከምዝኽእልን፡ እዚ ድማ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ክልል ዘሎ ኩነታት ቅልውላው ምግቢ ከየጋድዶን ኣመልኪቱ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ብፍላይ ዘበናዊ ድኹዒ ናብቲ ክልል ንምእታው ዝግበሩ ጻዕርታት ዝምልከት፡ ካብቲ ትካል መብርሂ ሓቲቱ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ።

ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት እቲ ትካል፡ ትዝታ ሃይለመስቀል፡ ብኢመይል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ዛጊድ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሪክ ቶን [ 50 ሽሕ ኩንታል] ድኹዒ ናብቲ ክልል ከምዘብጸሐን ካልእ ሓደ ሽሕን ሽድሽተ ሚኢትን ሜትሪክ ቶን ድማ፡ ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎ ሓቢራ።

ንሳ፡ እዚ መጠን ድኹዒ ድማ፡ ንኣሸሓት ስድራታት ተረባሒ ዝገብር፡ ምዃኑ ገሊጻ።

“እቲ ቀረብ ድኹዒ ንልዕሊ 68 ሽሕ ኣብያተ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር፤ ምህርትን ውሕስና ምግብን ንምምሕያሽ ዝጠቕምን” ኢዩ ኢላ።

ንሳ ወሲኻ ከምእትብሎ፡ እቲ ቀረብ ፋኦ ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኮይኖም እዮም ዘብጽሕዎ ዘለዉ።

ካበይ እዩ ዕድጊት ዝካየድ ዘሎ?

ፋኦ፡ ምስ ዩኤስኣይድ፣ ትካል ተራድኦ ልምዓትን ስዊዝን ፍሬንች ኮኦፕሬሽንን ብምትሕብባር፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ 12 ሽሕ ሜትሪክ ቶን [120 ሽሕ ኩንታል] ተወሳኺ ዘበናዊ ድኹዒ ኣብ ዕድጊት ከምዝርከብ ወሲኻ ሓቢራ።

እታ ሓላፊት፡ እዚ መጠን ናብ ትግራይ ምስ ዝበጽሕ፡ ብሓፈሻ ኣስታት 240 ሽሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትግምት።

እቲ ዕድጊት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ካብ ኮሚሽን ሕርሻዊ ቢዝነስ ኢትዮጵያ [EABC] ዝካየድ ኰይኑ፡ ካብ ወጻኢ ዓዲ ዝኰነ ዕድጊት ከምዘይፈጸሙ ኣብሪሃ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ፡ ኮሚሽን ምሕደራ ሃገራዊ ስግኣታት ኢትዮጵያ፡ እቲ ድኹዒ ናብ’ቲ ክልል ንክበጽሕ ኣድላይ ድጋፍ ከምዝገበረሎም’ውን ትገልጽ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ክልል ወቕቲ ዘርኢ እናሓለፈ ምኳና ጠቒስና፡ ‘ኣይደንጎየን’ዶ፡ እንታይ ዕንቅፋት ገጢሙኩም?’ ንዝብል ተወሳኺ ሕቶ፡ ዛጊድ ምላሽ ኣይረኸብናን።

መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዝተወሰነ ዘበናዊ ድኹዒ ናብ መቐለ ክኣቱ ጀሚሩ ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ።

ንሱ መጠን እንተዘይገለጸ'ኳ፡ ብሓፈሻ 40 ሚኢታዊ ጠለብ’ቲ ክልል፡ ብድጋፍ ፋኦ ኣቢሉ ክኣቱ ጀሚሩ ከመዘሎ እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ባህላዊ ድኹዒ ንምጥቃም ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ሓንቲ መሬት ጾማ ከይትሓድር” ብዝብል ምህርቲ ሕርሻ ብስፍሐት ንምድንፋዕ፡ ወፍሪ ይግበር ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

እዋኑ ዘርኢ ከይሓልፎ ድማ፡ ክልተ ዓይነት ዘበናዊ ድኹዒ ከምዘሎን፡ ነቲ ድሕሪ ዘርኢ ኣብ ረብሓ ከውዕል ዝኽእል ዩርያ ብበዝሒ ከምዝሓተቱ ኣረዲኡ።

ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር?

እቲ ሕዳር 2020 ኣብቲ ክልል ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓረስቶት ትግራይ ናብ ሕርሸኦም ብግቡእ ከይወፍሩ ከቢድ ጽዕንቶ ከምዝዀኖም፡ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ብዙሓት ሓረስቶት ካብ ንጥፈታት ማሕረሶም ዝቦኸሩ ኾይኖም፡ ገለ ድማ ናብ ሕርሸኦም ከይወፍሩ ብወተሃደራት ተኸልኪሎም ከምዝነበሩ ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ዘዘራረቦም ሓረስቶት ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት፡ ተመራማሪ ዝዀነ እምነት ነጋሽ፡ ናብ ሓደ ሲሶ ዝጽጋዕ ተሓራሲ መሬት እቲ ክልል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝቦኸረ ብመገዲ ሳተላይት ተደጊፉ ብመጽናዕቲ ከምዝረገጋገጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝርከቦ፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ዳርጋ ዝበዝሕ ነባሪኡ ካብቲ ከባቢ ፈሊሱ ዘሎ ዀይኑ፡ ከይተሓረሰ ከምዝተረፈ ይሕብር።

ካብቲ ከባቢ  ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ካልእ ከባብታት ትግራይ ምምዝባሉን ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ዶብ ሰጊሩ ናብ ሱዳን ምስጋሩ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።  

ምስ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር፡ ኣብ’ዚ ዓመት ሓረስቶት ሕጽረት ዘርእን ካልኦት እታወታትን ከምዝገጠሞም እንተተገልጸ’ኳ፡ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ሃዋህውን ባይታን ከምዘሎ ይንገር።

ፋኦ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ): ዘርእን ድኹዒን ኣብ ግዚኡ ናብቲ ክልል እንተዘይኣትዩ ወቕቲ  ክረምቲ ናይዚ ዓመት ክባኽን  ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣብቲ ብ15 ሰነ 2014  ዓ.ም ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ተፋሪቑ ዘሎ ናይ ሎሚዘበን  ክራማት፡ ዝሓሸ ዝናብ ክህሉ እዩ ትጽቢት ዝግበር።  ዶ/ር ደብረጽዮን’ውን ኣብ መግለጺኡ ደሓን ዝበሃል ክራማት ከምዘሎ እዩ ኣንጸባሪቑ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ክልል ዝዀነ መገዲ መራኸቢታት ዕጽው ስለዝዀነ፡ ቢቢሲ ኩነታት እቶም ሓረስቶት ካብ ኣንደበቶም ክሰምዕ ኣይከኣለን።

ብመሰረት ካብ ትካላት ረድኤት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ዝበዝሑ ሓረስቶት ትግራይ ናይ ሕርሻ መሬቶም ኣዳልዮም ይጽበዩ’ኳ እንተነበሩ፡ ውሱንነት ቀረባት ሕርሻ ብፍላይ ዘመናዊ ድኹዕን ምሩፅ ዘርእን ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።

ፋኦን መዳርግቱን፡ ነቲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግዛእ ድኹዒ፡ ብቕልጡፍ ንምቕራብ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮም፡ ዓለማዊ ጻውዒት ገይሮም ነይሮም።

ወኪል’ቲ ትካል፡ FAO ኣብ ኢትዮጵያ ዴቪድ ፔሪ፡ “ኣብ ትግራይ ንዘሎ ምህርቲ ምግቢ ናይ ምድጋፍ ኣገዳስነት ልዕሊ ክንገልፆ እንኽእል እዩ። እቲ ክልል ብዘይ እኹል ዘርእን ድኹዒን ንህዝቢ ዝምግብ ፍርያት ከፍርይ ዝኽእለሉ ተኽእሎ የለን”ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ፌደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ምእዋጆም፡ ዝሐሸ መጠን ረድኤት ክኣቱ ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻብ ውድብ ምግቢ ዓለም ይሕብር።

ኲናት ትግራይ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽንን ባንክን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክሳብ ሎሚ ተቛሪፁ ይርከብ። ነቲ ቅልውላው ጥሜት ድማ የጋድድዎ ከምዘለዉ ይዝረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ናብ ትግራይ ዑደት ዘካየደ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርቺች መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክመልሶም ፀዊዑ ኣሎ።