ምትፍናን ክርስትያኖ ሮናልዶን ማንቸስተር ዩናይትድን እንታይ ዘንቀሎ'ዩ?

ክርስትያኖ ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ክርስትያኖ ሮናልዶ "ንድሌት ልቡ" ብምስዓብ ዳግማይ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ቅድሚ ምጽንባሩ ምስ ተቓናቓኒታ ማንቸስተር ሲቲ ንምፍራም ኣብ ጫፍ በፂሑ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

እዚ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ጋንታ ዩናይትድ "ጠሊማትኒ" ክብል ንቶክ ቲቪ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣዘራረቢ ኮይኑ ይርከብ።

ብዛዕባ ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ክፅምበር ምግምጋሙ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “"ብሓቂ ንምዝራብ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።

ሮናልዶ፡ ምስ ጋንትኡ ነበር ዩናይትድ ተፈላልዩ ናብ ማድሪድ ካብ ዝፅምበር ድሕሪ 11 ዓመት’ዩ ኣብ ነሓሰ 2013 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ካብ ጁቬንቱስ ናብ ኦልድትራፎርድ ተመሊሱ።

ኣብቲ እዋን ብኣሰልጣኒ ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ይድለ ከምዝነበረ ተሓቢሩ ነይሩ።

ሮናልዶ ድልየት ከምዝነበሮ ብምርግጋፅ፡ ምስ ኣሰልጣኒኡ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ድሕሪ ምዝርራቡ ግን ናብ ዩናይትድ ክምለስ ከምዝወሰነ ይዛረብ።

እዚ ወዲ 37 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ ወሲኹ፡ "ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረኒ ታሪኽ ትፈልጦ ኢኻ፤ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርካዮ ክትዝክር ከለኻ፡ ልብኻ ኣብ ውሳነ ለውጢ የምጽእ'ዩ። ደሓር ከኣ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣሎ” ኢሉ።

"ኣዘራሪበዮ። ንሱ 'ናብ ማንቸስተር ሲቲ ክትመጽእ ዘይከውን ነገር'ዩ' ኢሉኒ። ስለዚ 'ሕራይ ሓለቓ' ኢለዮ" ክብል ኣረዲኡ።

'መንእሰያት ተጻወትቲ ኣይግድሶምን'

ብሰንኪ ሕማም ከብዲ ፖርቱጋል ኣንጻር ናይጀርያ ሎሚ ኣብ እትገብሮ ምሕዝነታዊ ግጥም ዘይሳተፍ ሮናልዶ፡ ንኣተሓሳስባን ሞያዊ ብቕዓትን መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብምንቃፍ፡ ንዓበይትን ምኩራትን ደቂ ጋንትኦም "ኣየኽብርዎምን" ክብል ኣብቲ ዝሃቦ ቃለመሕትት ከሲሱ።

“[መናእሰያት ተፃወትቲ] ነገራት ዝቐለለሎም ይመስለኒ። ኩሉ ነገር ቀሊል እዩ። ብዙሕ ኣይደኽሙን። ግዱሳት እውን ኣይኮኑን" ክብል ነቒፉ።

"ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘለዉ ውሑዳት ተፃወትቲ ጥራይ ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣብ ኩለን ሊጋት ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ኩሎም ከም ናተይ ወለዶ ኣይኮኑን" ይብል ሮናልዶ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ግን ክትወቕሶም ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ኣካል ህይወትን ሓድሽ ወለዶን ስለዝኾነ። ሓድሽ ቴክኖሎጂ ትኹረቶም ይመቓቕሎ እዩ" ይብል።

ሮናልዶ፡ ወዲ ጋንትኡ ዩናይትድን ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ንዝኾነ ወዲ 23 ዓመት ዲዮጎ ዳሎ ግን ካብቶም ከመስግኖም ዝኽእል ውሑዳት መንእሰያት ተጻወትቲ ምዃኑ ተዛሪቡ’ሎ።

ወሲኹ፡ ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ካሴሚሮን ካልኦት ኣብታ ክለብ ዘድንቖም ተጻወትቲ ምዃኖም ገሊጹ።

"ዳሎ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጠቅስ እኽእል እየ። መንእሰይ'ዩ ግን ኣዝዩ ፕሮፌሽናል'ዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ነዊሕ ዕድመ ከም ዝፀንሕ ኣይጠራጠርን" ክብል ንኢዱዎ።

ምኽንያቱ ከረድእ ከሎ ድማ “መንእሰይ፣ በሊሕ፣ ትኩርን ኣዝዩ ፕሮፌሽናልን'ዩ” ብምባል ይገልጾ።

ሮናልዶ ኣብ ሜዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ብዛዕባ ራይኒክ ሰሚዐ ኣይፈልጥን'

ሮናልዶ ናብ ዩናይትድ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ወዲ ጋንትኡ ነበር ኦለ ጉናር ሶልሻየር ካብ ኣሰልጣንነቱ ከምዝተሰናበተ ይዝከር።

ኣብ ክንድኡ ድማ ጀርመናዊ ራልፍ ረይኒክ ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ዓመተ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ተመዚዙ።

እቲ ጀርመናዊ ንጋንታ ላይፕዚግ፣ ሻልከን ካልኦት ብዙሓት ክለባትን ኣሰልጢኑ እዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍልስፍና ድማ ኣብ ከም በዓል የርገን ክሎፕን ቶማስ ቱሸልን ዝኣመሰሉ ኣሰልጠንቲ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይንገር።

ሮናልዶ ግን በቲ ሹመት ከምዝተገረመ እዩ ገሊጹ።

"እቲ ሰብኣይ ኣሰልጣኒ'ውን ኣይኮነን። ማንቸስተር ዩናይትድ ዝኣክል ዓባዪ ጋንታ ከተምጽኦ ከላ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ዓለም'ዩ ኣገሪሙ" ኢሉ።

ሮናልዶ ብዛዕባ ረይኒክ ሰሚዑ ይፈልጥ እንተኾይኑ ምስ ተሓተተ፡ "ብዛዕባኡ ፈጺመ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ካብ ዘዘራረብክዎም ሰባት እውን ብዛዕብኡ ዝፈልጥ የለን" ክብል መልሲ ሂቡ።

"የኽብሮ እየ። ንኹሎም ኣብ ሞያይ ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ 'ሓላፊ' ክብሎ ይግብኣኒ። ንዕኡ ግን ከም ኣሰልጣኒ ኣይርእዮን እየ። ምኽንያቱ ገለ ዘይሰማማዓሎም ነጥብታት ስለ ዝረኣኹ" ክብል ተዛሪቡ።

'ካብ ነባራት ተፃወትቲ ዝለዓል ነቐፌታ ምናልባት ቅንኢ ከይኸውን’

ሮናልዶ፡ ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ዋይን ሩኒን ጋሪ ኔቪልን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ባህርያቱ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቦም፡ ነቒፍዎም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ተቐይሩ ናብ ሜዳ ምእታው ብምእባዩ፡ ኣብታ ክለብ ዘየድሊ ክትዕ ይፈጥር ከምዘሎ ሩኒ ገሊጹ ነይሩ።

ሮናልዶ ምስ ሩኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖርቱጋላዊ ሮናልዶ ብዛዕባ ሩኒ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ “ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ብኽፉእ ከም ዝነቕፈኒ ኣይፈልጥን እየ። ብኣይ ይቐንእ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ወሲኹ "ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብሓቂ ኣይርድኡንን። ቀልቢ ማዕኸናት ዜና ክስሕቡ ድዮም ዝደልዩ ወይስ ሓድሽ ስራሕ ወይ ካልእ ኣይፈልጥን"።

"ምናልባት ቅንኢ'ዩ ዝኸውን፤ ምኽንያቱ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ እዩ ጫምኡ ሰቒሉ። ኣነ ግን ክሳብ ሕጂ ብልዑል ደረጃ እየ ዝጻወት ዘለኹ" ይብል ሮናልዶ።

ብዛዕባ ኔቪል ክዛረብ ከሎ ድማ "ኣዕሩኽተይ ኣይኮኑን፤ ደቂ ጋንታይ እምበር። ንኣብነት ድራር ብሓባር ኣይንበልዕን ኢና" ክብል ኣረዲኡ።

"እዚ ግን ኣካል ጉዕዞይ'ዩ። ኩሉ ግዜ እዮም ዝነቕፉኒ። ኣነ ድማ ጉዕዞይ ክቕጽልን ምስ ዝፈትዉኒ ሰባት ክራኸብን ኣለኒ" ኢሉ።

ሮናልዶ፡ ንካልኦት ከም ብዓል ሮይ ኪን፡ ከምኡ'ውን ሪዮ ፈርዲናንድ ዝበሉ ደቂ ጋንትኡ ነበር ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ'ሎ።

ብፍላይ ነቲ ሓለቓ ጋንታ ዩናይትድ ዝነበረ ኪን "እቲ ዝበለጸ ሓለቓ" ክብል'ዩ ዝንእዶ።