ሓገዝ ከተኣኻኽብ መትረብ እንግሊዝ ሓምቢሱ ከቋርፅ ዝፈተነ ደሃዩ ጠፊኡ

ኢያን ሂዩዝ ኣብ ሓመሳ

ምንጪ ስእሊ, IAIN HUGHES

Published

ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነ ኢያን ሂዩዝ ንግብረ ሰናይ ዝውዕል ገንዘብ ከተኣኻኽብ ብዝብል ንቻነል ኢንግሊዝ ብሓመሳ የቋርፅ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝጠፍአ ተረጋጊጹ።

ኢያን ሂዩዝ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ እዩ ነይሩ ብሓንቲ ደጋፊት ጃልባ ተሰንዩ ንበይኑ ነቲ ሓመሳ ጀሚርዎ።

ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራትን ጀላቡ ሓይሊ ባሕርን ፖሊስን ዘጠቓለለ ፍተሻ እኳ እንተተገብረ ክሳብ ሕጂ ግን ደሃይ እቲ ወዲ 42 ዓመት ኣባል ምጥፋእ ሓዊ ኣይተረኽበን።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ እቲ ምሕንባስ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከምዝተደናጐየ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ዌስት ሚድላንድስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ሓደ ካብ ኣባላትና ዝኾነ ኢያን ሂዩዝ ንግብረ-ሰናይ ክብል ንኢንግሊዝ ቻነል ብሓመሳ ክሰግር ድሕሪ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዝጠፍአ ብምርግጋጽና ልብና ተሰይሩ’ሎ" ኢሉ።

ሂዩዝ: በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኮይኑ ገና ወዲ 19 ዓመት እናሃለወ እዩ ምስ ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ክሰርሕ ጀሚሩ።

ሃገራት ዘሳተፈ ኣለሻ

እቲ ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ኣብ መግለፂኡ "ዋላ'ኳ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ፈረንሳን ቤልጅየምን ዝተሓወሶ ናይ ሓይሊ ባሕርን ፖሊስን ፓትሮል ጀላቡ ዘሳትፍ ጻዕርታት ኣለሻ እንተተኻየደ ሃለዋት ኢያን ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን" ኢሉ።

ዋና ሓላፊ ኣገልግሎት ምክልኻል ሓዊ ዋይን ብራውን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ምጥፋእ ሂዩዝ "ክዝረብ ዘይከኣል ዘሕዝን" እዩ ኢሉ።

ወሲኹ፤ "ኣብዚ ናይ ጭንቂ እዋን ድማ ንስድራቤት ኢያን ዝከኣለና ደገፍ ንህቦም ኣለና" ክብል ሓቢሩ።

መሳገሪ ቻነል እንግሊዝ 21 ማይልስ (34 ኪ.ሜ) ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓምበስቲ ክሰግርዎ ኣብ ዝፍትኑ ካብ 7 ክሳብ 27 ሰዓታት ክወስደሎም ይኽእል።

ሂዩዝ ንብሪጣንያዊ ፋውንዴሽን ልቢ፣ ሚድላንድስ ኣየር ኣምቡላንስን ንማሕበር ግብረ ሰናይ መጥፋእቲ ሓዊን ዝኸውን 21 ሽሕ ፓውንድ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምእካብ ዕላማ ነይርዎ።

ማእከል ስርሒታዊ ምክትታልን ምድሓንን ግሪስ-ነዝ ፡ ሓደ ሓምባሳይ ብሰሉስ ከምዝጠፍአ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ ሓይልታት ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጅየምን ዝመጻ ሄሊኮፕተራት ከምኡ’ውን ሓንቲ ጃልባ ፓትሮል ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብምልኣኽ ድማ ናብቲ ኣለሻ ክጸንቢራ ገይሩ።