ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ: ናይ መኪና መዕጥቖ ብዘይምእሳሩ ተቐጺዑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ

ምንጪ ስእሊ, Rishi Sunak

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቃዕ ቪድዮ እናቐረጸ ኣብ መኪና ኮይኑ እትጓዓዝ ቅናት መንበር (መዕጥቖ ድሕነት) ብዘይምግባሩ ተቐጺዑ።

ፖሊስ ላንካሻየር፡ ነቲ 'ካብ ለንደን ዝመጸ ሰብኣይ' ዝበሎ ወዲ 42 ዓመት ፡ ውሱን መቕጻዕቲ ብቕድመ ኩነት ከም ዝሃቦ ገሊጹ።

እቲ ፖሊስ፡ ሚስተር ሱናክ "ጌጋ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉን ይቕረታ ሓቲቱን" ኢሉ፤ ነቲ መቕጻዕቲ ክኸፍል ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

መዕጥቖ ድሕነት እናሃለወ ከይተዓጥቁ ዝተታሕዙ ተሳፈርቲ፡ ክሳብ 100 ፓውንድ ክቕጽዑ ይኽእሉ።

እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እንተኸይዱ ድማ፡ እቲ መቕጻዕቲ ናብ 500 ፓውንድ ክዓቢ ይኽእል።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ቪድዮ ክቕረጽ ከሎ ኣብ ላንካሻየር እዩ ነይሩ፡ ኣብ ስግር ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ።

እቲ ቪድዮ፡ መንግስቲ ንዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዙርያ ወፍሪ ምልላይ "ምምዕርራይ ወጻኢታት" ፡ ኣብ ናይ ሚስተር ሱናክ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንት ተዘርጊሑ።

ሚስተር ሱናክ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ኮይኑ፡ ናይ መቕጻዕቲ ምልክታ ክረክብ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ምስ ቦሪስ ጆንሰንን በዓልቲ ቤቱ ካሪን ሕጊ ዕጽዋ ኮቪድ ብምጥሓስ፡ ኣብ ሰነ 2020 ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት ኣብ ዝተኻየደ ምኽባር መዓልቲ ልደት ብምስታፍ ተቐጺዑ ነይሩ።

'ሕግታት ዕሽሽነት'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ቀዋሚ ምልክታት ሕጊ ንምጥሓስ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ማለት ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ክኽፈል ኣለዎ።

ሓደ ሰብ ነቲ መቕጻዕቲ እንተዘይተቐቢሉ፡ ድሕሪኡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ብምግምጋም ነቲ መቕጻዕቲ ክስሕቦ ወይስ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ይኽእል።

ምክትል መራሒት ሰልፊ ዕዮ ኣንጀላ ራይነር፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ፡ ሚስተር ሱናክ "ጠቕላላ ተሓታ እዩ” ኢላ።

ወሃቢቃል ሰልፊ ዕዮ ወሲኹ፡ "ዘየሐጉስ ሪሺ ሱናክ ዝገበሮ ሌቨሊንግ-ኣፕ ፎቶ ኦፕ ኣብ ገጹ ነፊሑ ናብ ሰሓቕ ቀይርዎ'ሎ" ኢሉ።

ሊበራል ዲሞክራትስ፡ ብፖሊስ ዝተቐጽዐ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ "ከም ቦሪስ ጆንሰን ንሕግታት ዕሽሽነት ከምዘርኣየ" ገሊጾም።

ምክትል መራሒት ሊብ ዴም ዴዚ ኩፐር ፡"እዞም ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት ንህዝቢ እንግሊዝ ከም ዓያሹ ጥራይ እዮም ዝወስዱ ዘለዉ" ኢላ።

"ንዓኣቶም ሓደ ሕጊ ንኻልእ ሰብ ድማ ካልእ ሕጊ ከም ዘሎ ጌሮም ክሓስቡ እንከለዉ፡ እዚ መቕጻዕቲ ግን ዓቃባውያን ኣብ መወዳእታ ዋገኦም ከም ዝረኽቡ ዘዘኻኽር'ዩ።"

ዓቃባዊ ኣባል ባይቶ ብላክ ፑል ሳውዝ ስኮት ቤንተን ግን ንሚስተር ሱናክ ተኸላኺሉ "ኩሉ ሰብ ይጋገ" ኢሉ።

ሚስተር ቤንተን፡ ፖሊስ "ኣብ ማሕበረሰባትና ንዝፍጸም ከቢድ ገበን ኣብ ምምካት" ከተኩር ከምዘለዎን፡ "እዚ ኣብዚ ብመጠኑ ንገብሮ- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት ብሪጣንያውያን ዝፍጽምዎ ጌጋ እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዕድሚኦም 14 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ተሳፈርቲ ኣብ መካይን፣ ቫንን ካልኦት ናይ ኣቑሑት መካይንን፡ ቅናት መንበር ከምዝገበሩ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም። መራሕቲ መካይን ትሕቲ 14 ዓመት ንዝኾኑ ተጓዓዝቲ ሓላፍነት ይወስዱ።

እንተዘይ ኮይኑ፡ ናይ ሓኪም ምስክር ወረቐት ከቕርቡ፡ወይ ድማ መጥፋእቲ ሓዊ ወይ ካልእ ኣገልግሎት ህይወት-ኣድሕን ኣብ እተገልግል መኪና ምህላዎም ከረጋግጹ ኣለዎም።