እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዑረት ዓይኒ ንዝተቓልዑ ሰባት ናይ ሓሶት ተስፋታት ዝሸጡ ሓካይም
Published
ኣብ ሩስያ፡ ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከባ ገለ ክሊኒካት ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ዝጸሉ “ጀነቲካዊ ምምዝባል ንሕክም ኢና” ብምባል ዘይከውንን ሓደገኛ ሳዕቤናት ክህልዎን ዝኽእል ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ዘካየዶ መርመራ የቓልዕ። እተን ክሊኒካት ነቶም ‘ረቲኒቲስ ፒግመንቶሳ’ ዘለዎም ሕሙማት ክሳዕ 16 ሽሕ ፓውንድ ዝበጽሕ ክፍሊት ይሓታ።