ስቓይ ስደተኛታት ካብ ኣእምሮኣ ዘይሃስስ ሜሮን እስቲፋኖስ

Published

ኣብ ሰሃራን ሲናይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ወጽዓን ሕሰምን ክፈልጥ ዝደሊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ይዅን ተመራማሪ ታሪኽ፡ ካብቶም ዝሓሸ ፍልጠትን መረዳእታን ዘለዎም ክሕተቱ ዝኽእሉ ውሑዳት ሰባት ሓንቲ ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሜሮን እስቲፋኖስ እያ።

ሜሮን፡ ኣብ ሰሃራን ሲናይን እንታይ የጋጥም ከምዝነበረን ከምዘሎን፣ እቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር መዓስን ብኸመይ ከምዝጀመረን፡ እቲ ጭውያን ገንዘብ-ሓራም ሓዋላን ብኸመይ ከምዝማዕበለን ከምዝተሓላለኸን፡ ምስናይ ቃንዛን ስቓይን ናይቶም ብቐጻሊ እናደወሉ፡ "ርድእና" ዝብልዋ ዝነበሩ ግዳያት ኣብ ኣእምሮኣን ዝኽራን ተሰኒዱ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሰምዓቶ መሪር ንብዓትን ብኽያትን ደቀንስትዮ፡ ቃንዛን ኣውያትን ናይቶም ዝባኖም ብፕላስቲክ ሓዊ እናተለብለበ፡ “ሓውሉ” ዝበሃሉ ግዳያት፡ ብብኽያት ዝተሰነየ “ዝከኣለኪ እባ ግበሪ እዛ ጓለይ!” ዝብል ለመናን ምሕጽንታን ወለዲ ግዳያት፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ ኣየደቀሳን።

ሜሮን፡ እቶም፡ ካብቲ ኣፋ መሊኣ ዘይትዛረበሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓትን ዕለትን ዝሰምዓቶን ኣብ ዝኽራን ዳያሪኣን ዝሰነደቶ ስቓይን ቃንዛን፡ ናይቶም ብዓቕማ ክትተሓጋገዞም ዝፈተነት ውጻእ መዓት፡ ነቲ ዅሉ መከራ ከመይ ገይሮም ከምዝጻወርዎ ኣዝዩ እዩ ዝሕርብታ።

ሓደ ሓደ እዋን ብሓሳብን ዝኽርን ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ትግዛእ እሞ፡ ብትዝታ ትዕዘም። ዕለታዊ፡ “እናእወዩ ዝድውሉ” ስቓይ ሰባት እሞ ኸኣ ዕሸላት መንእሰያት ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ከቢድ መነባብሮ ስደትን ብሓደ ኢድ እትኣልዮ ሓዳርን፡ ሓገዝ ዘድልዮም ደቃን ኵሉ ዓቕማ ነቶም ኣብ ሲናይን ሰሃራን ዝሳቐዩ ዜጋታታ እያ ወፍያቶ።

ናብ ጥብቅና ስደተኛታት ዝመርሐ ጉዳይ!

ሜሮን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስደታ፡ ኣብ 2002፡ ኣብ ኤርትራ ንኽትነብር ንዓዲ ተመሊሳ ነይራ። እንተዀነ፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ከምቲ ዝተጸበየቶ ስለዘይጸንሓ፡ ነንዝረኣየቶ ግህሰታት፡ “ስለምንታይ ከምዚ ይግበር? ስለምንታይ’ከ ከምዚ ይኸውን” እናበለት ትሓትት ብምንባራ፡ ዘመድን መቕርብ፡ ዝኸፍአ ከይሰዓበ ናብቲ ዝመጽኣትሉ ክትምለስ ስለዝደፋፍኡዋ ንሽወደን ተመልሰት።

ተመሊሳ'ውን ስቕ ኣይበለትን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ድምጹ ዝተዓብሰ ህዝቢ ድምጺ ክትኮኖ ብምውሳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝመደበሩ ኤምዲሰመ ዝተባህለ፡ ማሕበር መንእሰያት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተወዲባ ኣብ ራድዮ ድምጺ መሰልና ደሊና፡ ኣንጻር ምልኪ ዝቐንዐ መደባት ከተቃልሕ ጀሚራ።

ሽዑ እምበኣር፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ መሰለይ፡ ሽግርና ኣቃልሑልና ዝብል መልእኽቲ ዝበጽሓ።

እቲ እዋን ብንውሓት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምልካዊ ምሕደራን ዝተማረሩ መንእሰያት፡ ብመገዲ ሰሃራ ሊብያ፡ ብብዝሒ ክሰደድሉ ዝጀመሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ምስ ዋሕዚ ፍልሰት ከኣ፡ ስደት ዘኸትሎ መዘዝ ሽፍትነትን ንግዲ ደቂ ሰባትን ጀማሚሩ።

ካብ 2008 ኣትሒዛ ከኣ ጸገምን ስቓይን ናይቶም ኣብ ሰሃራን ሲናይን ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተጨውዮም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብራድዮ ተሕልፎ ነይራ።

ኣብ ፈለማ፡ ዛንታ ጭውያን ንግዲ ደቂ ሰባትን ንኤርትራውያን ኣዝዩ ሓድሽ ነገር ስለዝነበረ፡ እቶም “ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተጨዊናስ 20 ሽሕ ዶላር ክፈሉ ንበሃል ኣለና” ብምባል እናእወዩ ኣቤት ዝብሉ ዝነበሩ ግዳያት፡ ቅልጥፍ ኢሉ ዝኣምኖም ኣይተረኽበን።

“20 ሽሕ ዶላር ማለት እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ስለዝገበሩ እዮም’ከ ተጨውዮም? ምግዛእን ምሻጥን ሰባት ዝበሃልከ ኣሎ ድዩ?” ብምባል ብዙሓት ኢና ተገሪምናን ሰምቢድናን ትብል ሜሮን።

ኣብ ጥሪ 2011 መንእሰያት ማእከላይ ምብራቕ ቱኒዝያን ግብጽን ኣንጻር ምልካውያን መራሕቲ ውዕዉዕ ህዝባዊ ሰውራ ኣበጊሶም ንመለኽቶም ካብ ስልጣን ዝኣለዩሉ እዋን እዩ ነይሩ።

እቲ ብቱኒዝያ ዝፈለመ ህዝባዊ ሰውራ ከኣ ናብ ግብጽን የመንን ልሒሙ። ቅሩብ ጸኒሑ ኣብ መጋቢት፡ ሰውራ ሊብያ ተባሪዑ። ምስ ምብራዕ እቲ ህዝባዊ ኣብያ፡ እቲ ብቐደሙ እውን ንስደተኛታት ብዙሕ ውሕስነት ዘይህብ ዝነበረ ሕግን ስርዓትን ስለዝፈረሰ፡ “መንግስቲ ቐዛፊ ካብ ጫድ ጸለምቲ ወተሃደራት ዓሲቡ የዋግእ ኣሎ” ዝብል ወረ ስለዝተናፈሰ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም። ብሰንኩ ከኣ ከይተነግረሎም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ጭንቂ ስደተኛታት ዝፈጥሮ ጸቕጢ

ዝዀነ ዕድል ዝረኸበ ኤርትራዊ ስደተኛ ከኣ ናብ ሜሮንን ከምኣ ዝኣመሰሉ ውሑዳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እናደወለ ሓገዝ ይሓትት ስለዝነበረ፡ ጾር ሜሮን ካብ ሽዑ ኣትሒዙ’ዩ ዝኸብድ።

“ክድቅስ እውን ኣይክእልን ነይረ” ትብል ሜሮን፡ ነቲ ሽዑ እትሰምዖ ዝነበረት ቃንዛን ስቓይን ክትዝክር እንከላ። ‘ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንሰለት ተመቚሖም እናተገርፉ፤ መላእ ኣካላቶም ብሓዊ እናተለብለቡ፤ ደቀንስትዮ ኣሓት ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተን እናተደፍራ፤ ዳርጋ ሰሙናዊ “ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ጥሒሎም” ዝብል ዛንታ ዕድል ዘይገበሩ ኣሕዋት እናሰማዕካ ከመይ ኣቢልካ ክትድቅስ ትኽእል?

እዚ ሕቶ እዚ ብዙሓት ዝሓቱዎን ዝጭነቝሉን ጉዳይ እዩ። ግን፡ ከምቶም ዕለታዊ ዛንታ ጭንቅን ስቓይን ስደተኛታት ኣሕዋት ክስምዑ ዝውዕሉ ከም ሜሮንን ብጾታን ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይኮነን።

ኣብ ፈለማ ሞት ሓደ ሰብ እውን የሰንብድ ነይሩ። ዳሕራይ እቲ ቍጽሪ ናብ ዓሰርተ ዕስራ ደይቡ። ቀጺሉ ናብ ሚእቲ ክልተ ሚእቲ ዓሪጕ። ንሓንሳብ ወረ ዝነግሩ ውጻእ መዓት ዝርከቡሉ ኣጋጣሚ ኣሎ፤ ካልእ እዋን ግን፡ “ንሳ ዝኣንፎም!” ነቒሎም፡ እምበር ኣብዚኣ ኣተው፡ ወይ እዝን እትን ኣጋጢምዎም ከይተባህሉ ብኣ ኣቢሎም ዝጠፍኡ ኣሕዋት ውሑዳት ኣይኰኑን።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዛንታ ግዳያት ስደት ኣሕዋት፡ እቲ ሓው ወይ ሓፍቱ ወይ እውን መቕርቡ ዘለውዎ ጥራይ እዩ ዝሰምዖ። እታ ምሉእ መዓልቲ ምስቶም ግዳያትን ስድራ ቤታቶምን ክትደዋወልን ቃንዛኦም ክትሰምዕን እትውዕል ሜሮን ግን ዛንታ ግዳያት ባሕርን ሲናይን ሰሃራን ኣካል ህይወታ እዩ ኰይኑ።

ሕልናዊ ምጕት

“ገሊኦም፡ ተመቚሕና ክነስና ደው ኢልኩም ደቅሱ እዮም ዝብሉና ክብሉኻ እንከለው፡ ገሊኦም ኣፎም ተለኺቱ፡ መግቢ ከይበልዑ ሰሙን ከምዝገበሩ ክነግሩኻ እንከለው፡ ገሊኦም ብሓዊ እናተለብለቡ እናእወዩ፡ ብዘይካ፡ ካብዛ ስቓይ ኣውጽእኒ እምበር ዝገብልኪ ኣይስእንን እየ እናበሉ ክምሕጸኑ እንከለው፡ ከመይ ኣቢልካ ትድቅስ? ከመይ ኣቢሉ መግቢ ይወርደልካ? ከመይ ኣቢልካ ንቡር ህይወት ክትነብር ትኽእል?” ብማለት ሜሮን ነቲ ብስቓይ ዝበደሃቶ መሪር እዋን ብሓዘን ትዝክሮ።

ኣብ ፈለማ፡ መግቢ ከይትለክፍ እውን ትስከፍ ነይራ፤ ኵላሶ ተልዕል እሞ፡ “መግቢ ከይለኸፍና እኮ ሰሙንና ኢና ገይርና!” ዝብል ድምጺ እቶም ግዳያት ኣብ ኣእምሮኣ ምስ ደወለ ነታ ኵላሶ ትገድፋ። ሰብ ኣብ ዘይንቡር ሃለዋት እንከሎ ከመይ ኣቢለ ንቡር ህይወት ክነብር ይኽእል ብማለት ክሳብ ናብ ጭንቀት ዘድሃበላ እዋን ነይሩ።

ቅድሚ እቲ እዋን ምስ መዘናታታ ኣዋልድን ኣወዳትን ብዛዕባ ዕለታዊ ህይወት፡ ብዕለታዊ ዜናታት እትነብረሉ ሃገር፡ ብሙዚቃን መጻሕፍትን ብፋሽንን ክዳውትን፡ ብዛዕባ ተፍቅሮን ትፈትዎም ሰባትን እተዕልል ዝነበረት ሜሮን፡ ኵሉ ነገር ቅጭ ከምጽኣላ ስለዝጀመረ ምስቶም ቀረባይ እትብሎም መሓዙታ እውን ክትረዳዳእ ኣይከኣለትን።

ንሳቶም ጠባያ ከምዝቐየረት ክስመዖም እንከሎ፡ ንሳ ከኣ ኣሕዋትና ኣብ ሰሃራን ሲናይን ከቢድ ጸገም እናሕለፉ ከመይ ኣቢሎም እዮም ብዛዕባ ንቡር ህይወት ዘዕልሉኒ ብምባል ካብ ብዙሓት ቀረብታ ከምዝረሓቐትን ዳርጋ ንበይና ከምዝተረፈትን ትዝክር።

ሜሮን ኣብ መሰልና ደሊናን ራድዮ ኤረናን

ሜሮን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘሕደረቶ ተገዳስነት ፈለማ ኣብ ድምጺ መሰልና ደሊና፡ ዳሕራይ እታ ራድዮ ብሕጽረት ፋይናንስ ምስ ተዓጽወት ከኣ ምስ ራድዮ ኤረና ብምትሕብባር ወለንታዊት ጋዜጠኛ ብምዃን ንነብሳ ባዕላ ምሂራን ኣሰልጢናን ብቐጻሊ ጸገምን ስቓይን ስደተኛታት ተመሓላልፍ ነይራ። ዝዀነ ካልእ መደባት ዘዳሉ ጋዜጠኛ፡ ዜናታቱ ይዅን ዓንቀጻቱ ምስ ጸሓፈ፡ ወይ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ንጻረ ድምጺ ኣረጋጊጹ፡ ዋሕዚ ሓሳባት ሰሪዑ መደባቱ ምስ ፈነወ፡ ዕማሙ ይውድእ እዩ።

ስራሕ ሜሮን ግን ድሕሪ ፈነወኣ እዩ ዝጅምር። እቶም ጸገማቶም ዝነገርዋ ስደተኛታት ካብቲ ዝርከብዎ ዓዘቕቲ ከተድሕኖም “በጃኺ ዝሓፍተይ ካብዛ ዘለናያ ስቓይ ኣድሕንና” ብማለት ዝከኣላ ክትገብር እዮም ዝምሕጸኑ። ስለዝዀነ ከኣ እዩ ዕማም ጋዜጠኝነታ ሽግራቶም ብምቅላሕ ጥራሕ ዘይውዳእ። ሜሮን ዘቃልሓቶ ዜናን መደባትን እውን ክሳብ መወዳእታ እትከታተል ተጠባቒት ሰብኣዊ መሰላት እውን እያ።

ስለዝዀነ ሓግዙና ክትብል ናብ ኵለን እተን ኣንጻር ምጭዋይ ስደተኛታት ዝንቀሳቀሳ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣምኒስት ኢንተርናሽናልን ኢመይል ጽሒፋ፤ ግን ዝሰምዕ ኮነ ዝምልስ ኣይረኸበትን።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሽወደን ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣምኒስት ብኣካል ከይዳ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይና ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ገንዘብ ዝሓትት ጭውያን ጾታዊ ዓመጽን ግቡእ ቆላሕታ ክወሃቦን ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበርዋን ሓቲታ።

እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ኣምኒስት፡ እቲ ዓመታዊ ዝገብርዎ ጐስጓስ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምዝውሰንን፡ ናይቲ ሕቶ ዘቕረበትሉ ዓመት ይዅን ናይ ዝስዕብ ሰለስተ ዓመታት ድሮ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ከምእተወሰነ ምስ ሓበርዋ ኣባልነታ ስሒባ ብኻልእ መገዲ ክትበላሓት ወሰነት።

ኣውያት 29 ግዳያት ጭውያ

ኣብቲ እዋን ኣብ ሲናይ ብሸፋቱ እተጨውዩ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 29 ግዳያት ብቐጻሊ ይድውሉላ ነይሮም። እቶም ገበነኛታት ሸፋቱ ነታ እንኮ ጓለንስተይቲ ብቐጻሊ ይጋሰስዋ ስለዝነበሩ፡ እቶም ምስኣ ተጨውዮም ዝነበሩ ግዳያት፡ “ሕማቕ ንርኢ ስለዘለና በጃኺ ነዛ ጓል ከም ገለ ጌርኪ ኣድሕንያ” ክብሉ ተማሕጸኑዋ። ነቲ ምሕጽንታኦም ኣብ ፈነወ ራድዮ ዝሰምዑዎ ሓደ ሓደ ግዱሳት ኤርትራውያን ገንዘብ ኣዋጺእና ዘይነድሕና ክብሉ ንሜሮን ተወኪሶማ።

ሜሮን ከኣ ስቓይን ቃንዛን ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ድቃስ ይኸልኣ ስለዝነበረ፡ “ሕራይ እቲ ንኽእሎ ንግበር!” ብምባል ምስ ሰብ ሕልና ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ነታ ጓለ ንስተይቲ ካብ ስቓይ ምውጻእ ፈላሚ ስርሓ ኰነ።

እቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ክትከፍል ምስተቐረበት ግን፡ እታ ግዳይ ናብ ካልኦት ነጋዶ ሰባት ስለእተሸጠት ምስ ሜሮን ርክብ ኣቋረጸት። ሜሮን ደሃይ ናይታ ብቐጻሊ እትምሕጸና ዝነበረት ግዳይ ምስ ሰኣነት እሞ ከፊላ ተፈቲሓ እያ ትኸውን ብምባል ነቶም ዝተረፉ ኣብ ምሕጋዝ ኣድሃበት። እንተዀነ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ እታ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝነበረት ግዳይ፡ ካብቲ ዝተሸጠቶ ዛሬባ ስቓይ ናብ ሜሮን “በጃኺ እባ ሓግዝኒ!” ክትብል ስልኪ ደወለት።

ሜሮን ድምጺ እታ ተፈቲሓ እያ ትኸውን ትብላ ዝነበረት ሰብ ምስ ሰምዐት ክትኣምን ኣይከኣለትን። ግን እቲ ክውንነት ከምኡ እዩ ነይሩ። ወዲ ሰብ ናብ እንስሳን ኣቕሓን ኣብ እተቐየረሉ ቦታ፡ ሎሚ ዘዘራረብካዮ ጽባሕ ከምእትረኽቦ ክትተኣማመን ኣይትኽእል ኢኻ።

ነታ ሰባት ኣተሓባቢረ ጨኒቝዋ ንዝነበረት ግዳይ ኣገላጊለያ ብምባል ቅሩብ ሩፍታ ተሰሚዑዋ ዝነበረ ሜሮን ጾራ ኣይፈኾሰን፤ እኳ ደኣ ሽዑ እዩ ዝጅምር ነይሩ። እቲ ቃንዛ ግዳያት እውን መመሊሱ እዩ ዝኹመር።